ኮሮናቫይረስ፡ መላእ ህዝቢ ጥልያን ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ተነጊሩዎ

መንግሰቲ ጥልያን ብልዑል ናህሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቍጽጻር፡ 60 ሚልዮን ህዝቢ ጥልያን ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

እዚ ውሸባ፡ ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ዘይምርካብ፣ ጉዕዞ ካብን ናብን ዝሓውስ ኮይኑ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ኣዚዛ።

ትማሊ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፑሴፔ ኮንተ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ኮይኑ፡ ኣገዳሲ ጉዕዞ ዘለዎም ፍቓድ ክሓቱ ከም ዘለዎም መምርሒ ሂቡ።

"ኩላትና ንረብሓ ጥልያን ክንብል ሓደ ነገር ክተርፈና ይግባእ፤ ሕጂ ክንገብሮ ይግባእ። ነዚ እየ ኣቀዲመ ጥዕና ዜጋታት ንምሕላው ሓያልን ከቢድን ስጉምቲ ክንትግብር ዝወሰንኩ" ኢሉ።

ኣብ ጥልያን በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 463 በጺሖም፤ እታ ሃገር ድማ ድሕሪ ቻይና ብከቢድ ዝተሃሰየት ኮይና ኣላ።

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝጥቅዑ ሰባት ብ24 ሚእታዊ ከምዝዓበየ ጸብጻባት መንግስቲ የረድኡ።

ኣብ መላእ 20 ዞባታት ጥልያን ድማ እቲ ሕማም ተራእዩ'ሎ።

እንታይ'ዩ ተኸልኪሉ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተኸልኪሎም ዘለው ነገራት ከብርህ እንከሎ፡ ሰባት ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ቦታታት ክርከቡ የብሎምን፣ ለይታዊ ተልሂት የለን፤ ሓድሽ ረኽሲ ክሳዕ ዝሃለወ እዚ ኣይነፍቅድን። ኣነ'ውን ካብ ገዛይ ኣይወጽእን" ኢሉ።

ኣብ መላእ ሃገር ዝካየዱ ኩሎም ስፖርታዊ ግጥማት ተኣጊዶም ኣለው። ክሳብ 3 ሚያዝያ ኩሎም ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክዕጸው'ዮም።

መንግስቲ፡ ነቶም ብስራሕ ወይ ብስድራ ቤታዊ ጉዳያት ክተርፉ ዘይኽእሉ ጥራሕ ካብን ናብን ጉዕዞ ኣፍቂዱሎም ኣሎ።

ኣብ መገዲ ኣየርን ባቡርን ኣድላዪ ክትትልን መርመራን ዝካየድ ኮይኑ፡ መራኽብ ድማ ኣብ ወደባት ጥልያን ከይዓርፋ ተኸልኪለን።

ካልኦት ሃገራት ዓለምከ?

ኣብ ዓለም፡ ልዕሊ 111 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ከምዘለውን፤ ኣስታት 3,890 ሞይቶም ኣለው።

ካብ ካልእ ሃገር ናብ እስራኤል ዝኣቱ ሰባት ን14 መዓልቲ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ኣዊጁ።

ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሞት 43 ሰባት ከም ዝመዝገበት ኣፍሊጣ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፤ ኣብ መላእ ሃገር 7161 ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዖም፤ 237 ሞይቶም።

እንተኾነ፡ ኢራን እቲ ሓቀኛ መረዳእታ ሓቢኣ'ያ ተባሂላ ትንቀፍ።

ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሞት ዜጋታት ዝተርኣየላ ቻይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝጥቅዑ ሰባት ከም ዝነከየ ይንገር። ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቻይና ግን ሕጂ'ውን ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ ይምዕዱ።

ካልኦት ምዕባለታት

  • ትካል ጥዕና ዓለም ስግኣት እዚ ቫይረስ ልዑል ምኻኑ ኣጠንቂቑ
  • ካናዳፈላማይ ሞት ግዳይ እዚ ቫይረስ ወግዓዊ ገይራ'ላ
  • ኣብ ፈረንሳ፡ ሚኒስትር ባህሊ ፍራንክ ሪስተር ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ፈላማይ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።
  • ኣብኣሜሪካ፡ቁጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 500 በጺሑ