ስዑዲ ዓረብ፡ ሰለስተ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓው ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቦም ሰለስተ ነባራት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ተኣሲሮም።
ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ ክልቲኦም ኣብቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎም'ዮም።
ምኽንያት ማእሰርቲ እዞም ሰባት ብንጹር'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ምስ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተኣሳሰር'ዩ ተባሂሉ።
ብ2017፡ እቲ ንጉስ ድሕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ሚኒስትራትን ሰብ ሃብትን ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ርያድ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሪቲዝ-ካርልቶን ተኣሲሮም ነይሮም።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ 2016 ብወላዲ ኣቡኡ ልኡል ወራሲ ዘውዲ ምስ ተብሃለ፡ 'ምስለ' መራሕቲ እቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።
![መሓመድ ቢን ናይፍ[ የማን]፡ መሓመድ ቢን ሳልማን [ጸጋም] ኣብ 2015](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2465/production/_111171390_gettyimages-639610451.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም እሱራት መነ መን'ዮም?
ጋዜጣታት ኒውዮርክ ታይምስን ዎል ስትሪት ጆርናልን፡ ብዓርቢ ንጉሆ ማእሰርቲ እዞም ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዓረብ ጽሒፈን።
ምንኣስ ሓው ልኡል ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል ኣሕመድ ቢን ዓብዱላዚዝ፣ ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ነበር ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍን ወዲ ሓው ልኡል ናዋፍ ቢን ናይፍን እዮም ተኣሲሮም ዘለው።
መሓመድ ቢን ናይፍ፡ ኣብ 2017 ብመሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዉን ካብ ስልጣን ቅድሚ ምልጋሱን ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ነይሩ።
መሸፈኒ ገጽ ዝገበሩን ጸሊም ክዳን ዝተኸደኑን ዋርዲያታት ናብ መንበሪ ገዛ እዞም ንጉሳውያን ስድራ ብምምጻእ፡ ከም ዝፈተሹ ዎል ስትሪት ጆርናል ጠቒሱ።
እዚ እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ስልጣኑ ንምድልዳል ክጠቕሞ'ዩ።
ልኡል ኣሕመድ ቢን ዓብደልኣዚዝ፡ ብህይወት ካብ ዘለው ውላድ መስራቲ እታ ሃገር ዝኾነ ንጉስ ዓብደልኣዚዝ ኮይኑ፡ ብነባራት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ኣዝዩ ዝኽበር ሰብ'ዩ።
ነባር ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍ'ውን እንተኾነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምእላዩ ወራሲ እቲ ዙፋን ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ'ዩ።
ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000፡ ስዑዲ ዓረብ ካብ መጥቃዕቲ ኣልቃዒዳ ብምክልኻል ነቲ ጉጅለ ብምጥፍኡ ዓብዪ ሞሳ ረኺቡ'ዩ።
ክሳብ ሕጂ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ማእሰርቲ እዞም ጽልዋ ፈጠርቲ ንጉሳውያን ስድራ ዝሃበቶ ወግዓዊ መብርሂ የለን።
መሓመድ ቢን ሳልማን
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ 2016 ኣብታ ሃገር ወሳኒ ቁጠባዊ ለውጢ ከምጽእ ቃል ብምእታው ናእዳ ረኺቡ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2018 ዘጋጠመ መቕተልቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ገበናት ከም ዝተመራስሐ ብምግላጽ ይንቀፍ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሃገራ ተራእዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ንምቁጽጻር ትሰርሕ እያ ዘላ።
በዚ ምኽንያት፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ዑምራ ሓጂ ወጻእተኛታት ንግዝኡ ኸልኪላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







