ኢራን ንነፋሪት መጓዓዝያ ዩክሬን ብጌጋ ከምዝወቕዐታ ተኣሚና

ሰራዊት ኢራን ነታ 176 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ዩክሬን ብጌጋ ከም ወቒዑ ከም ዘውደቓ ሃገራዊ መደበር ቴለቪዥን ኢራን ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ብመስመር ከባብታት ድሕንነት ኢራን ትበርር ስለዝነበረት፡ ብናይ ሰባት ጌጋ ብሚሳይለ ተወቒዓ ከምዝወደቐት እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት መጉዓዝያ ተወቒዓ ንክትወድቕ ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ድማ፡ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ቅድም ክብል መንግስትታት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያ፣ ዩክሬንን ዒራቕን፡ እታ ነፋሪት ብስርሓት ሩስያ ዝኾነ ሚሳይል ብስሕተት ተወቒዓ ምውዳቓ ዝገልፅ መረዳእታ ከምዘለዎም ምግላፆም ይዝከር።

ዋላ እኳ እዞም መንግስታት እዚ እንተበሉ፡ ሓላፊ ሲቪል ኣቬሽን ኢራን ዓሊ ዓቤደዛዱህ ግና ትማሊ፡ "እታ ነፋሪት ካብ ኣንፈት ምዕራብ ተበጊሳ ኣብ ትበረሉ እዋን፡ ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም፡ ናብ የማን ዘይራ ንክትዓርፍ ክትምለስ እንከላ እያ ተሓምሺሻ" ዝብል መልሲ ሂቡ ነይሩ።

መሰኻክር ዓይኒ እታ ነፋሪት ኣብ ኣየር ከላ እንክትቃፀል ከምዝረኣዩ እውን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብዛ ካብ ቴህራን ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሒደት ደቒቕ ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ዝነበሩ፡ 176 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ምዕራባውያን እንታይ ኢሎም ነይሮም?

ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ እታ ነፋሪት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ብዝውንጨው ሚሳይል ተወቒዓ ከምዝወደቐት፡ ብዙሕ መረዳእታት ድሕንነት ከምዝበፅሖ ገሊፁ ነይሩ።

"ካናዳውያን ሕቶታት ኣለዎም፤ ንሕቶኦም ድማ መልሲ ክረኽቡ ይግባእ" ብምባል፡ ኣብቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምርመራ ንክግበር ሓቲቶም።

ኣብታ ነፋሪት ግዳያት ሞት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ እቶም 63 ካናዳውያን እዮም ነይሮም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን ብሓሙስ፡ "ምስዛ ነፋሪት ዝዛመድ ጥርጣረ ኣለኒ። ዝኾነ ኣካል ጌጋ እንከይፈፀመ ኣይተርፍን" ብምባል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ። ትራምፕ፡ ካብዚ ወፃዚ ዝርዝር ጉዳያት ንምዝራብ ግና፡ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን እውን፡ ሃገሩ ምስ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ሓቢራ ትሰርሕ ከምዘላ ምዝራቡ ይዝከር።

ቅድም ክብል ሓላፊ ድሕነት ዩክሬን፡ ኣብ ዙርያ እታ ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ሰለስተ ምኽንያታት ኣቐሚጡ ነይሩ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ

  • እታ ነፋሪት ኣብ ኣየር እንከላ ምስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ተጋጭያ
  • ሞተር እታ ነፋሪት ተበላሽዩ ወይ ከኣ ብቴክኒካዊ ፀገም እታ ነፋሪት ተባሪዓ
  • ምስ ተግባራት ግብረ-ራዕዲ ተዛሚዱ ኣብ ውሸጢ እታ ነፋሪት ምፍንጃር ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል ዝብሉ ግምታት ኣቐሚጡ ነይሩ።

ሓድሽ ምስሕሓብ ኢራንን ኣሜሪካን

ኣሜሪካ ብትእዛዝ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ጀነራል ኢራን ቓሲም ሶሌማኒ ምቕታላ ሰዒቡ እዩ እዚ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ዝበልዐ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ንጀነራል ሶሌማኒ ኣሸባሪ ዋላ እኳ እንተበሎ፡ ጀነራል ሶሌማኒ ግና ንኢራናውያን 'ጅግና' እዩ ።

ጀነራል ቓሲም ሶሌማኒ ካብ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ቀፂሉ፡ ኣብ ኢራን እቲ ካልኣይ ፀላዊ ሰብ እዩ ነይሩ።

ኢራን ንቅትለት እቲ ጀነራል ሕነ-ከምትፈድይ ብምግላፅ፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከብ መዓስከራት ወተሃደራት ኣሜሪካ ደብዳብ ሚሳይል ኣካይዳ እያ።