ዶናልድ ትራምፕ፡ "ዒራቕ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ማዕቐብ ይጽበያ ኣሎ"

ባይቶ ዒራቕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ክወጹ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዒራቕ ጽኑዕ ማዕቀብ ክግበረላ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ።

"ኣብ ዒራቕ ኣዝዩ ገዚፍን ክቡርን ዝኾነ ሓይሊ ኣየር እዩ ዘለና። ነዚ ክንሃንጽ ድማ ቢልዮናት ዶላር ኢና ኣፍሲስናሉ። እዚ ዘውፃእናዮ እተዘይከፊሎምና፡ ካብ ዒራቕ ኣይንወጽእን" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኣመሪካ፡ ንጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ምስ ቀተለት፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ደዪቡ ምህላዉ ይንገር።

ኢራን ንቅትለት ጀነራላ ሕነ-ከምእትፈዲ ብምግላጽ፡ በቲ ኣብ 2015 ዝፈረመቶ ኒኩሌራዊ ውዕል ከምዘይትግዛእ'ውን ኣፍሊጣ።

ኢራን፡ ብመሪሕነት ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ብሰላሕታዊ መንገዲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ እያ።

ኣሜሪካ ግና ንተግባር ሶሌማኒ፡ ግብረ-ሽበራዊ ብምባል ክትከታተሎ እያ ፀኒሓ እያ።

ሬሳ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ናብ ኢራን ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብቅትለት እዚ ጀነራል ዝተቖጥዑ ኢራናውያን፡ ንጎደናት ቴህራን ኣዕለቕሊቖምዎ ኣለዉ።

ንጀነራል ሶሌማኒ ተኪኡ ዝተሸየመ ብርገዴር ጀነራል እሽማዕል ኩኣኒ ድማ፡ ንኣሜሪካ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ጸሪግና ክነውፅኣ ኢና ክብል ተዛሪቡ።

"ነቲ ሶሌማኒ ዝጀመሮ ከነቐጽሎ ቃል ንኣቱ፣ ካሕሳና ድማ ኣሜሪካ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ምውጻኣ እዩ" ክብል ንመደብር ራድዮ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ንሶሌማኒ ዝቐተለ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ንመራሒ ምልሻ ሺዓ ሙስሊም ዒራቕ ኣቡ ማሃዲ ኣል-ማሃንዲስ እውን ቀቲሉ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዒራቕ ካብ ሃገራ ንኽንወፅእ እንተኣዚዛ፡ "ርእያቶ ዘይትፈልጥ እገዳ ክነንብረላ ኢና" ክብል ኣፈራሪሑ'ሎ።

ኣሜሪካ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ዒራቕ ኣዐስኪራ ምህላዋ ይግለጽ።

እዞም ወተሃደራት ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘለዎም ምንቅስቓስ ንግዚኡ ደው ከምዘበለን፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድማ ናይ ግዳም ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትእዛዝ ኣሕሊፎም።