እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ተመዝጊባ
ጥንታዊት ሜሰፖታሚያዊት ከተማ ባቢሎን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ተመዝጊባ።
ዒራቕ ካብ 1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚራ፡ እዚ 4000 ዓመታት ዝገበረ ጥንታዊ ስፍራ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ንክምዝገብ ክትደፍእ ፀኒሓ እያ።
እዛ ከተማ፡ በቲ 'ሃንጊንግ ጋርደንስ' ዝበሃል ኣብ ጸድፊ ከምዘሎ ክመስል ተገይሩ ዝተሰርሐን፡ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ደረጃ ዝተደራረበን መናፈሻኣ ስምይቲ እያ። እዚ መናፈሻ፡ ሓደ ካብቶም 'ናይ ጥንቲ ዘበን ሸውዓተ ኣደነቕቲ ነገራት' ተባሂሎም ዝጽርሑ ሓድግታት እዩ።
እዚ ጥንታዊ ስፍራ ኣብ ቀረባ ግዘታት ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ ፀኒሑ፤ ፈለማ ንመንበሪ ፕረዚደንት ዒራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ተባሂሉ ህንጸት ቤተመንግስቲ ክካየድ ከሎ፤ ጸኒሑ ድማ ኣሜሪካ ንዒራቕ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፤ መዓስከር ወተሃደራት ብምንባሩ ተሃስዩ እዩ።
ሕዚ ግን፤ ኮሚቴ ሓድግታት ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ መግለፂ ጥንታዊ ስልጣነ ዝኾነ ስፍራ ዝግብኦ ክብሪ ንምሃብ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ወሲኑ'ሎ። እዚ ድማ፡ እዚ ሓድጊ ንመላእ ደቂ ሰባት ኣድላዪ ምዃኑን ብዓለምለኸ ሕግታት ሓለዋ ክግበረሉን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።
ነዚ ውሳነ ዝሃበ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)፡ "መንበሪ ተኸታተልቲ ስርወ መንግስታት፡ ከም ሃሙራቢን ናብኩድነጾርን ዝበሉ መራሕቲ ዘመሓደርዋ ባቢሎን፡ ስልጣነ ባቢሎናውያን በጺሕሉ ንዝነበረ ብራኸ ምህዞ እትውክል እያ" ኢሉ።
ልኡኽ ዒራቕ እውን፡ ውሳነ እቲ ኮሚቴ ንባቢሎንን ስልጣነ ሜሰፖታማውያን ኣፍልጦ ዝህብ ክብል ንኢድዎ እዩ።
ዩኔስኮ እዚ ጥንታዊ ስፍራ "ኣዝዩ ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ ዝርከብ" ድሕሪ ምባል፡ ቅልጡፍ ዕቀባ ክግበረሉ ፀዊዑ።