እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል 9,000 ዓመት ዝገበረ ማስኬራ ኣብ 'ዌስት ባንክ' ረኺባ
እስራኤል 9,000 ዓመት ዝገበረ ካብ እምኒ ዝተሰርሐ ናይ ገጽ መሸፈኒ (ማስኬራ) ከምዝረኸበት ተገሊጹ።
እቲ ማስኬራ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከቡ 15 እቲ ሓደ እዩ።
እቲ ሓድጊ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ባንክ)፡ ሄብሮን ኣብ ዝበሃል ኸባቢ እዩ ተረኺቡ።
ኣብ ግዳም ምስተረኽበ እዩ፡ ንበዓልመዚ ሓድግታት እስራኤል ተዋሂቡ። ቅድም ክብል ካብ ሰረቕቲ እዩ ተመሊሱ፡ ዝብል ጸብጻብ ድማ ሓቂ ኣይኮነን ተባሂሉ።
"እቲ ማስኬራ ንገጽ ሰብ ብዝመስል መገዲ እዩ ተሰሪሑ" ክትብል ኣብ በዓል መዚ ሓድግታት እሰራኤል ተመራማሪት ስነ ጥንቲ ዝኾነት፡ ሮኒት ሉፑ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪባ። "ነቲ መንከስ ምርኣይ ይከኣል፤ ነቲ ፍጹም ኣምሳል ዘለዎ ኣፍንጫ እውን ምርኣይ ይከኣል"
እቲ ማስኬራ ጥንቲ፡ ኣብ ስነስርዓት ምምላኽ ኣበው የገልግል ዝነበረ ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ግምታ ኣቐሚጣ።
በዓል መዚ ሓድግታት እስራኤል ኣብ መግለጺኡ ከምዝበሎ፤ እቲ ማስኬራ ጥንቲ፡ ብሃደን ከምኡ ድማ ፍረታትን ኣትክልትን ብምምእራር ዝናበሩ ሰባት፡ ሕርሻን ምልማድ እንስሳትን ኣብ ዝፈለምሉ እዋን ዝነበረ እዩ። ምጅማር ሕርሻን ምልማድ እንስሳን ድማ "ማሕበረሰባዊ ቅርጺ ክቕየርን ሃይማኖታዊ ስነስርዓታት ክውስኽን" ከምዝገበረ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ካብቶም ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ 15 ማስኬራታት እቶም ዓሰርተ ሰለስተ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ስለዝርከቡ መጽናዕቲ ንምግባር ከቢድ ከምዝገበሮ በዓልመዚ ሓድግታት እስራኤል ኣፍሊጡ።