እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ
ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ቃሲም ሶለይማኒ፡ "ኩናት ንምጅማር ዘይኮነስ፡ ደው ንምባል" ዝተገበረ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
ነቲ ዓርቢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ፡ "ዘበነ ሽበራ" ሱለይናሚ ኣብቂዑ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
ሰራዊት ኣመሪካ ዒላምኡ ዝሓለወ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝገለጸ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ "ኣብ ዓለምና ቁጽሪ ሓደ ኣሸባሪ" ክብል ዝገለጾ ቃሲም ሱለይማን ዲፕሎማሰኛታትን ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣናትን ኣመሪካ ንምቕንጻል ይውጥን ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ኢራን ብወገና ሕነ ከምእትፈዲ ተሓንያ ኣላ።
ቅትለት እቲ መራሒ ሰራዊት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዝፈጠሮ ወጥሪ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ 3 ሽሕ ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምእትልእኽ ገሊጾም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያ ሚልሻ ዒራቕ ዝተፈጸመ ካሊእ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ሮይተርስ ገሊጹ።