እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራናዊ ጀነራል ንትራምፕ፡ ኩናት እንተደኣ ተላዒሉ "እትውንኖ ዘበለ ክበርስ እዩ"
ኣመሪካ እንተድኣ ንኢራን ኣጥቂዓታ "እትውንኖ ዘበለ ክበርስ እዩ" ክብል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኢራን ንዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቕዎ።
ኣመሪካ እንተደኣ ኩናት ጀሚራ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን እያ ክትዕወት ብምባል ሜጀር ጀነራል ቃሲም ሶለይማኒ ከምዘተሓነየ ታስኒም ዝበሃል ወኪል ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ ፕረዚደንት ኢራን ንኣመሪካ ከፈራርሕ "ፈፂሙ" ክፍትን ከምዘይብሉ ፀቒጡ ተዛሪብሉ።
ኣመሪካ ካብቲ ናይ 2015 ስምምዕ ካብእትስሕብ ናብዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ምትፍናን ወሲኹ'ሎ።
ሜጀር ጀነራል ቃሲም ሶለይማኒ ብሓሙስ "ከም ወተሃደር፡ ንናትካ ታህዲድ ምላሽ ክህብ ጉቡአይ እዩ" ከምዝበለ ተገሊፁ።
ትራምፕ ኣብ ትዊተር ንፕረዚደንት ሓሰን ሩሃኒ ድሕሪ ምጥቃሱ ድማ፡ እቲ ጀነራል "ነቲ ፕረዚደንት ከይኮነስ ንዓይ ኣዛርበኒ፤ ፕረዚደንትና ንዓኻ ምላሽ ክህብ ክብሩ ኣይፈቕደሉን" ኢሉ።
"ካብ ትሓስብዎ ንላዕሊ፡ ኣብ ጥቓኹም ኢና ዘለና። ንዑ፤ ድልዋት ኢና" ክብል ወሲኹ።