እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኢራን ብምኽንያት መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ "ዋጋ ከትከፍል'ያ" ክብል ኣፈራሪሑ
ብሰሉስ፡ ናዕበኛታት ኣብ ዒራቕ ንዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጥቂዖም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኢራን ዘዋደደቶ እዩ ክብል ወቒሱ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኢራን "ዓብዪ ዋጋ ክትከፍል እያ" ክብል ኣፈራሪሑ።
ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስለዝተቐትሉ፡ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት እዮም ኣብ ልዕሊ ኣብ ባግዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ ጸኒሑ ናብቲ ዞባ ኣስታት 750 ወተሃደራቱ ከምዝሰድድ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ኣመሪካ ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ዓለም ንዝርከቡ ዜጋታትናን ረብሓታትናን ክትሕሉ እያ" ኢሉ።
እቶም ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት፡ ነቲ ኣብ ጽርጊያ ዝነበረ ናቑጣ ፍተሻ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻል፡ ናብ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ጥሒሶም ኣትዮም።
ኣብቲ ኤምባሲ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ድማ፡ ናብቶም ሰልፈኛታት ዘንብዕ ትኪ ተኲሶም።
ኢራን ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ኣይወዓልኩዎን ኢላ።
እቶም ኣመሪካ ብኣየር ዘጥቀዐቶም ዕጡቓት፡ ካቲብ ሄዝቦላህ ዝበሃሉ ኮይኖም፡ ብኢራን ዝድገፉን ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕን ምብራቓዊ ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት እዮም።
ብሰንበት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እዞም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ፡ ብውሕዱ 25 ዕጡቓት ተቐቲሎም።
ኣመሪካ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸምኩ፡ ኣብ መዓስከር ወተሃደራት ኣመሪካ ብዝተፈጸመ ናይ ተወንጫፊ መጥቃዕቲ፤ ሓደ ሲቪል ኣመሪካዊ ስለዝተቐትለ እዩ እያ ትብል።
ኣብ ባግዳድ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
እቲ ናይ ሰሉስ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ድሕሪ ስርዓተ ቐብሪ ናይቶም ብኣመሪካ ዝተቐትሉ ዕጡቃት እዩ ተኻይዱ።
ላዕለዎት መራሕቲ ናይቶም ዕጡቓት ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ኣሸሓት ሓዘንተኛታት፡ ድሕሪ'ቲ ቀብሪ ናብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ኤምባሲታት ዝርከበሉ ቦታ ኣምሪሖም።
ናብቲ ከባቢ ክኣትዉ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ተፈቒዱሎም እዩ።
እቶም ናዕበኛታት ናይ ካቲብ ሄዝቦላህን ናይ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን ባንዴራታት እናንበልበሉ፡ ኣንጻር ኣመሪካ እናጨርሑ፡ ናብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣእማን ደርብዮም፡ ከምኡ ድማ፡ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ሰይሮም።
ሓጹር ናይቲ ቀጽሪ ምስተጥሓሰ ድማ፡ ነገራት ተጋዲዶም።
ናብ ዋና ህንጻ ናይቲ ኤምባሲ ምስቀረቡ ግን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ መንብዒ ትኪ ብምትኳስ ነቶም ሰልፈኛታት በቲኖምዎም።
ጸኒሖም ድማ፡ ኣባላት ጸጥታ ዒራቕ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም።
ሓምሳ ሰባት በቲ መንብዒ ትኪ ስለዝተሃሰዩ፡ ናብ ሆስፒታላት ተወሲዶም።
እቲ ፍጻመ ምስኣጋጠመ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ ኤምባሲ ገዲፎም ክወጹ ኣይተገብረን። እንተኮነ፡ ኣብ ውሽቲ ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገይሩ።