እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ብናዕበኛታት ተጠቒዑ
በቲ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘካየደቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝተቖጥዑ ዒራቓውያን፡ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ኣጥቂዖም።
ንሓለዋ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ኤምባሲ ዝነበሩ ወታሃደራት ኣመሪካ፡ ነቶም ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዝነበሩ ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።
እቶም ናዕበኛታት ንቐጽሪ ናይቲ ኣብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉን ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈት መግስቲ ዝርከበሉን 'ግሪን ዞን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ኤምባሲ ፈንጢሶም ከም ዝኣተዉ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ተቓውሞ ኢራን "ዝወጠነቶ'ዩ" ብምባል፡ በቲ መጥቃዕቲ "ምሉእ ብምሉእ ተሓቲታት'ያ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቶም ናዕበኛታት ሓደ መሐለዊ ነቑጣ ናይ ዋርድያታት ከም ዝዕነዉ ተፈሊጡ።
ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ብቕትለት ሓደ ኣመሪካዊ ኮንትራክተር ክትከሶ ዝጸንሐት፡ ካታይብ ሕዝቡላህ ዝተባህለ ዒራቓዊ ዕጡቕ ጉጅለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣረጋጊጾም ነይሮም።
በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 25 ዕጡቓት ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ከም ዝተቐትሉ'ውን ሰብመዚ ጸጥታ ዒራቕ ገሊጾም'ዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ዒራቕን፡ ገለ ከባቢታት ምብራቓዊ ሶርያን'ዩ ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ዓድል ዓብዱል ማህዲ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ንልኡላውነት ሃገሩ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምቅዋም፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ዝምድና ደጊማ ክትግምግሞ ዘግድዳ ምዃኑ ተዛሪቡ።
መራሒ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣቡ ማህዲ ኣል-ሙሃንዲስ ብወገኑ፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካ ሓያል" ግብረመልሲ ክህብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ኢራን ብወገና፡ እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ "ርኡይ ናይ ግብረሽበራ ኣብነት'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሻ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣብቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝሞቱ ዕጡቓት ድሕሪ ምፍጻሙ'ዩ ተኸሲቱ።
እቶም መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝርከቦም ዒራቓውያን፡ ናብቲ ሓያሎ ምዕራባውያን ኤምባሲታት ዝርከብሉ 'ግሪን ዞን' ምስ በጽሑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ክኣትዉ ከም ዝገደፍዎም ጸብጻባት ገሊጾም።
ንቐጽሪ ናይቲ ኤምባሲ ምስ ኣዕነውዎ ግን፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምዕራጉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ክዋፈሩ ተጌሩ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ማህዲ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ "ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ኤምባሲታት ዝግበር መጥቃዕቲ ብሓይልታት ጸጥታ ደው ክብል'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዜጋታት ዝፍጸም ዝኾነ መጥቃዕቲ ሃገሩ ተሪር ግብረመልሲ ክትህበሉ ምዃና ብምፍካር፡ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ድሕነትን ጸጥታን ኤምባሲ ኣመሪካ ከረጋግጹ ጸዊዑ።