እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ዒራቕ ኣብ ጥቓ ከተማ ኪርኩክ ንዝነበረ ነዳዲ ዝጻረየሉ ዓቢ ቦታ ተቖፃፂሩ
ዕጡቓት ኩርዲሽ ካብ ዙርያ ከተማ ኪርኩክ ብምርሓቖም፡ ክልተ ነዳዲ ዝካዓተለን ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወተሃደራት መንግስቲ ኣትየን።
ሰራዊት ዒራቕ ንቁጠባዊ ዓቕሚ ኩርዳውያን ዕጡቓት ወሰንቲ ዝኾና ነዳዲ ዝፈርየለን ቦታታት ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ተቖፃፂሩወን።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ካባቢ ዶባት ዒራቕ ንዝርከቡ ሒዞሙዎ ዝጸንሑ ቦታታት እውን ይገድፉ ምህላዎም ፀብፃባት የመልክቱ።
ሰራዊት መንግስቲ፡ ውሑድ ሃብቲ ነዳዲ ንዘለዋ ክሃናኪን ዝተባህለት ቦት ክቖፃፀር ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ንምንጪታት ጠቒሱ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
እዚ ኲናት፡ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ግዝኣት ኩርድን ብዕጡቓት ኩርዲ ተታሒዘን ኣብ ዝፀንሓ ቦታታትን ዝነብር ህዝቢ "እወ ናፅነት" ካብ ዝመርፁ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እዩ።
ወተሃደራት ዒራቕ፡ ሰለስተ ሰሙን ድሕሪ'ቲ ዞባ ኩርዲስታን ዘካየደቶ ኣሳሓሓቢ ዝኾነ ረፈረንደም ንርእሰ-ውሳነ ድሕሪ ምክያዳ እዮም ናብ ኩርኪክ ኣትዮም። ዕላምኦም ድማ ሓይልታት እስላማዊ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ ግዝኣቱ ድሕሪ ምስፍሑ ብኩርዳውያን ተታሒዙ ንዝጸንሐ ቦታታት ንምቁጽጻር'ዩ።
ኣብቲ ብ25 መስከረም ዝተገብረ ረፈረንደም ነበርቲ'ቲ ብኩርዳውያን ዝተታሕዘ ቦታታት ብዝለዓለ ድምጺ'ዮም ንናጽነት ኣድሚጾም። ዋላኳ ኪርኩክ ካብ ናይ ዒራቓዊ ኩርዲስታን ወጻኢ ትኹን'ምበር ነበርታ ከድምጹ ተፈቒዲሎም'ዩ።
እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሓይደር ኣላባዲ፡ ዘይሕገመንግስታዊ ክብል ነቲ ረፈረንደም ኮኒንዎ'ዩ። ዞባዊ መንግስቲ ኩርዲስታን ግን ሕጋዊ እዩ ነይሩ ይብል።
ኣቕዋም ኣሜሪካ ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው እንታይ ይመስል?
ኣሜሪካ "በቲ ኣብ ከባቢ ኪርኩክ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣዝያ ተሻቒላ'ላ" ክብል ሂዘር ናወርት ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ "ኣብ ኩሉ'ቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዒራቕ ሰላማዊ ዝኾነ ሓባራዊ ምምሕዳር ናይቶም ማእከላይን ዞባውን መንግስታት ንድግፎ ኢና" ኢሉ።
"ዝርርብ ንምትብባዕ" ኣሜሪካ ምስ ሓለፍቲ ናይ ክልቲኡ ወገናት ትዘራረብ ከምዘላ ብምሕባር ድማ ንእስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዒራቕ ንምስዓር ገና ብዙሕ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣጠንቂቑ።
ኣቐዲሙ ፕረሲደንት ትራምፕ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ፡ "ወገን ኣይወሰዱን" ኢሉ ነይሩ። "ይዋግኡ ምህላዎም ኣይፈተናዮን" ድማ ኢሉ።
ንኮሚቴ ኣገልግሎት ዕጡቓት ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ሰኔት ዝመርሕ ሰኔተር ጆን ማኬን ብኣሜሪካ ዝተዋህበ ኣጽዋር፡ ኣንጻር ሓይልታት ኩርድ ኣብ ዝካየድ ውግእ ምጥቃም "ሓያል ሳዕቤን" ከምዝህልዎ ንመንግስቲ ዒራቕ ኣጠንቂቑ።
"ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ዒራቕ ንሓደ ካብ ናይ ባዕሉ ዞባዊ መንግስትታት ከጥቅዕ ዘይኮነስ ንእስላማዊ መንግስቲ ንኽዋጋእ ካብ ናይ ደገ ሓደጋታት ንነብሱ ንክከላኸልን'ያ ኣጽዋርን ታዕሊምን ለጊሳ" ኢሉ ንሱ።
ሰበ-ስልጣን ባቕዳድን ኩርድን'ከ እንታይ ይብሉ?
ብሰንኪ'ቲ ዝተኻየደ ረፈረንደም "ዝገማማዕ ዘሎ ሓድነት'ዛ ሃገር ንምዕቃብ" እቲ ስሪሒት ናይ ኪርኩክ ኣድላዪ እዩ ነይሩ ኢሉ ሓይደር ኣላባዲ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። "ኩሉ ዜጋ ምስቶም ድሕነት በርጌሳትን መሳለጥያታትን ትካላትን ንምርግጋጽን ስርዓት ንምስፋንን ንዝተዋህቦም ጥብቂ መጠንቀቕታ ንምትግባር ውፉያት ዝኾኑ ጀጋኑ ሓይልታት ምክላኻል ክተሓባበር ድማ ንጽውዕ" ድማ ኢሉ።
ሰራዊት ዒራቕ ነታ ኬይ1 (K1) ዝተባህለት ወተሃደራዊት ነቑጣ፣ ባባ ጉርጉር ናይ ነዳዲ ሜዳን ዋንነት መንግስቲ ዝኽዕነት ናይ ትካል ነዳዲ ከምዝተቖጻጸረ ብሰኑይ ገሉጹ።
መንግስቲ ባቕዳድ ድማ ወትሃደራት ፐሽመርጋ ኩርድ "ብዘይ ገለ ተኹሲ" እዮም ኣንሳሒቦም ወጺኦም ኢሉ። እንተኾነ ብሸነኽ ደቡብ ቶኽሲ ይስማዕ ነይሩ ክብል ነቲ ኩነታት ዝቐድሐ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሬውጠርሽ፡ ሓይልታት ዒራቕ ድማ ነታ ማዕረ ማዕረ ናይ ዒራቕ ባንደራ ተሰቒላ ዝነበረት ናይ ኩርድ ባንደራ ኣውሪዶም ኣልጊሶማ።
ሓይደር ኣላባዲ፡ ባንዴራ ዒራቕ ኣብ ኩለን'ተን ዘሰሓሕባ ግዝኣታት ክትስቀል ኣዚዙ ነይሩ።
ወትሃደራት ዒራቕ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ዘርኣይዎ ፍጥነት ድማ ነተን ክልተ ዕጡቓት ፓርቲታት ኩርድ ነንሓድሕደን ብ"ጥልመት" ከምዝካሰሳ ገይሩወን ኣሎ።
እታ ብፕረሲደንት መስዑድ ባርዛኒ እትምራሕ ፐሽመርጋ ጀነራል ኮማንድ ናይ ኩርዲስታን ደሞክራቲክ ፓርቲ (KDP) ንሰበስልጣን ሕብረት ሓርበኛታት ኩርዲስታን (ፓትሪዮቲክ ዩኒዮን ኦፍ ኩርዲስታን ወይ ፒዩኬ) ነቲ "ኣንጻር ህዝቢ ኩርዲስታን ዝተገብረ ሸርሒ" ሓጊዙ ክብል ወቒስዎ።
እንተኾነ ፒዩኬ ናይ ምንስሓብ ትእዛዝ ኣይሃብኩል ክብል ኪሒዱ። እኳ ደኣ ብዙሓት ወተሃደራቱ ኣብቲ ውግእ ከምዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ድማ ሓቢሩ። በንጻሩ "ዋላ ሓደ ወተሃደር ናይ ኬይ ዲ ፒ ፐሽመርጋ ኣብ ናይ ኪርኩክ ውግእ ከምዘይተሰውአ" ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እታ ተመሳሳሊ ናጽነት ብውሑዳን ኩርድ ኣብ ግዝኣታ ከይእወጅ እትሰግእ ቱርኪ፡ ንስጉምቲ ባቕዳድ ንኢዳ'ላ። "ንህላወ ፒ ኬይ ኬይ (ፓርቲ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን PKK) ኣብ ግዝኣት ዒራቕ ንምእላይ ድማ ምስ መንግስቲ ዒራቕ ዝኾነ ምትሕብባር ክትገብር ድልውቲ ከምዘላ" ገሊጻ።
ፒ ኬይ ኬይ ካብ 1980 ኣትሒዙ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ዝቃለስ ዘሎ ቱርካዊ ናይ ኩርድ ሓይሊ'ዩ። ብቱርኪን፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ግን ከም ጉጅለ ግብረ-ሽበራ እዩ ዝፍለጥ።
ንምንታይ'ያ ኪርኩክ ሕመረት ናይዚ ቅልውላው ኮይና?
ኪርኩክ ብሃብቲ ነዳዲ ዝተዓደለት ዞባ ብምዃና እቲ ማእከላይ መንግስትን እቶም ኩርዳውያንን ድማ ይዋጠጡላ። ውሑዳት ኩርዳውያን ከምዘለውዋ'ኳ እንተተፈልጠት ርእሰ ከተማኣ ግን ብዙሓት ኣዕራብን ኩርድመንን ኣለዉዋ።
እስላማዊ ሓይልታት ኣብ 2014 ነቲ ዞባ ድሕሪ ምስፍሕፍሖምን ሰራዊት ዒራቕ ድሕሪ ምፍርኻሹን ድማ ሓይልታት ፐሽመርጋ ኩርድ ነታ ግዝኣት ተቖጻጺሮማ።
ውጽኢት ናይቲ ረፈረንደም ምስተገልጸ ድማ ፓርላማ ዒራቕ ድማ ንሓይደር ዓላባዲ ሰራዊት ናብ ኪርኩክ ክሰድድን ክቆጻጸራን ሓቲትዎ። እንተኾነ ንሱ፡ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከምዘይደልን "ሓባራዊ ምምሕዳር" ክህሉን ከምዝደልን ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ። ብሰንበት ግን ካቢኔኡ ንኬ ኣር ጂ ዕጡቓት ፒ ኬይ ኬይ ዝርከብዎም ዘይፐሽመርጋ ሓይልታት ኣብ ኪርኩክ ኣሰሊፉ ኢሉ ከሲስዎ። እዚ ተግባር'ዚ ድማ ከም "እወጃ ውግእ" እዩ ዝቑጸር ድማ ኢሉ። ሓለፍቲ ኬይ ጂ ኣር ግን ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።