እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ካብ ዘእንገደቶም ዓበይቲ ፍጻመታት
ኣብ 2018፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 20 ዓመት ኩነተ 'ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም' ጠጠው ኣቢለን ውዕል ሰላም ምስተፈራረማ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብዙሕ ተስፋታት ገይሮም ነይሮም።
መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት ክኽበር፣ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፍትሑ፣ ንዓመታት ዝተኣገዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ክኽፈታ፣ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ደሞክራሲያዊ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ክካየድ፣ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝፈላለዩ ኩሎም ሃገራውያን ዝሳተፉዎ ሃገራዊ ዕርቂ ክፍጸም ትጸቢት ዝገበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወግዓዊ ጽምብል መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ መሰረታዊ ጽገናታት ይኹን ለውጥታት ክገብር ቅሩብ ከም ዘይኮነ'ዩ ኣሚቱ።
"እዚ ዘለናዮ መዋእል ብባህሩ፡ ናይ ባህታን ሃረርታን ስምዒታዊ እዋን'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ቅድሚ ሰፋሕቲ ናይ ሓዋሩ ዘላቒ መደባት ምስኣልን ምህዋኽን፡ ነቲ ህሉው ወድዓዊ ኩነታት ብዕምቆት ንምፍላጥን ንምግምጋምን ሰፊሕ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ድሕነታውን ዳህሳስ ይሓትት" ክብል፡ ህዝቢ ዓቕሊ ክገብር'ዩ እቲ ፕረዚደንት ጸዊዑ።
ምስ ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ምስተገብረ፤ ተሰዲዱ ዝነበረ ሰብ ናብ ዓዱ ክምለስ ትጽቢት እናተገብረ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ስለዘይተራእየ ብኣንጻሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስድራቤቶም ጠርኒፎም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተሰደዶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን መዓስከራት ስተደተኛታትን ይነብሩ ከምዘለው ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት'ውን ዳግም ተዓጽዩ ይርከብ። 'ንምንታይ እዩ ተዓጽዩ?' ንዝብል ሕቶ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተወሃበን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ስሩዕን ንቡርን ሕጋዊ ናይ ኣቑሑን ሰብን ምንቅስቓስ ቅጥዒ ይዳሎ ምህላው እዩ ሓቢሩ።
ቀጺሉ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ተሓተ፡ እቲ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣታት ዝተወስደ ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ጸጥታ ካብቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝነበሩ ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝምንጩ ምዃኑ'ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ምዕጻው ግዜኣዊ ምዃኑንን ቀልጢፉ ክኽፈት ምዃኑን'ዮም ክእምቱ ጸኒሖም።
ይኹን እምበር፡ እቲ ቀልጢፉ ክኽፈት እዩ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ ኣይተኸፍተን ዘሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኣስታት ትሸዓተ ዓመታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ብሙሉእ ድምጺ ምስ ኣልዓሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራን ኣብ ፈቐዶ ስደትን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ሓንጎፋይ ኢሉ'ዩ ተቐቢልዎ።
እቲ እገዳ ምስተላዕለ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኩለንትናዊ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት እኳ እንተነበሮም፤ ከምቲ ዝተመነዩዎ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ምዕባለታት ከምዘይመጽአ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ።
ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ገለ ኣብ 2019 ካብ ዝተራእዩ ቀንዲ ፈጻመታት ብመቓን ግዜ ነቕርበልኩም።
ጥሪ
ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦምሓጀር- ሑመራ ብ7 ጥሪ ተኸፊቱ። እቲ ዕጹው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶብ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መሪቖም ከፊቶሞ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንፈለማ እዋን፡ ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዝኾነ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር) ናብ ወሽጢ ኤርትራ ዝኣተወሉን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክላዘቡ ዝተራእዩሉን ተስፋ ዕርቅን ሰላምን ዝፈጠረ ነበረ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ክርከቡ እንከለው፣ ኣሽሓት ህዝቢ'ውን ካብን ናብን ክልቲኡ ጎረባብቲ ዓድታት ተራኺቡ።
እንተኾነ ግን፡ እዚ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተዓጽዩ።
ሚያዝያ
ኣብ 22 ሚያዝያ 2019፡ ካብቶም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ ኣርባዕተ መስመራት ዶብ፤ ከይተዓጸወ ዝጸንሐ ኣፍ ደገ ዶብ ቡሬ- ደባይሲማ (ዓሰብ ) ተዓጽዩ። ብዛዕባ ምዕጻው እቲ ዶብ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም።
እዞም ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቶም ዘሕለፉ ጳጳሳት፡ ኣብ ሰነ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም ብምምስጋን፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን እሱራት ክፍትሑ ሓቲቶም።
ብተወሳኺ'ውን ዝተሰደ ክምለስ፡ መነባብሮ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተንከፈ ዶባት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢታት ብዘርብሕ ኣገባብ ተሓንጺጹ ንቡር ህይወቱ ንክሕደስ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ንኪግበር ኣተሓሳሲቦም።
ግንቦት
ኣብ መላእ ኤርትራ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቛሪጹ። ተጠቀምቲ ድማ ነዚ ንምስጋር ብቪፒኤን (VPN) ዝተባህለ መተግበሪ ክጥቀሙ ተገዲዶም።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና እቲ ዝተሓተ ዝርገሐ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ኮይና፡ እቲ ዝርግሐ 1.2 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝሽፍን ይግለጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ቴሌፎን (ዳታ) የለን።
ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ጽቡቕ ዝርግሐ ትሕተ-ቕርጺ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ውሑዳት ኮይነን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 54 ሚኢታዊት፣ ሞሮኮ 58.38 ሚኢታዊት፣ ግብጺ 39.9 ሚኢታዊት ከምኡ'ውን ንኣሽቱ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞሪሸስን ስሽልስን 54 ሚኢታዊት ዘለወን ምዃነን ይጥቀሳ።
ሰነ
መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ሃጊሩ።
ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለያ ማእከላት ጥዕና ብምኻድ፡ ነቶም ኣካየድቲ ማእከላት ጥዕና "ኣረክቡ" ብምባል ከምዘፈራርሕዎምን ነቲ መምርሒ መንግስቲ ምቕባል ዝኣበዩ ድማ ካብቲ ማእከል ጥዕና ብምስጓግን ነቲ ማእከል ጥዕና ዓሺጎም ክሕልውዎ ጀሚሮም።
ነቶም ኣብ ማእከላት ጥዕና ተዓቑቦም ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናብ መንግስቲዊ ሆስፒታላት ከም ዝሰጋገሩ ጌሮም።
ኣብ ከባቢ ወርሒ ሰነ-2019፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ #ይኣክል ዝብል ምስንቅስቓሳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምክያድ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ እዩ።
እቲ ብቛንቋታት ትግርኛ፣ ዓረብን ካልእን ኣብ ትሕቲ #ይኣክል ዝብል ጭርሖ ዘካይድዎ "ኣንጻር ጭቆና" ዝዓለመ ጎስጓስ፡ ብገለ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተበገሰ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምልዕዓል ዝፈጠረ'ዩ።
ሓምለ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ክልትኣዊ ርክብ ተዘራሪቦም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ዶብ ንክኽፈት ተሰማሚዖም። ነዚ ክልትኣዊ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ኮሚቴ ከም ዝቐውም'ውን ተገሊጹ። እንተኾነ ግን፤ ክሳብ ሕጂ እቲ ዶብ ኣይተኸፍተን ዘሎ።
ቀዳማይ ዓመት"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ንምጽንባል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ።
ነሓሰ
መንግስቲ ኤርትራ ብሩራዊ ኢዮቤል- ሳዋ፡ "ሳዋ-ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ" ብዝብል ቴማ፡ ብወግዒ ጸምቢሉ።
እቲ ንምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንምዝካር ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ጽምብል፡ ብነፈርቲ፣ ሄሌኮፕተራትን ታክታትን ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ምርኢታት ዝተዓጀበ ኮይኑ፡ ኣብ 25 ዓመታት ዝተመዝገበ ልምዓት፣ ወተሃደራውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።
ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ምርኢት ዝተሳተፋ ሄለኮፕተራት ምዃና ዝተነግረላ፡ ሄለኮፕተር ናብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር እናበረረት እንከላ ብምውዳቓ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየርን፡ ሓደ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምዃኑ ዝተነግረሉ ሰብን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም።
ኤርትራ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ፡ ትሕቲ 15 ዓመት ኣአንጊዳ። እቲ ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ዝቐጸለ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ተዛዚሙ።
ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ትግርኛ ነቲ ውድድር ንምሽፋን ንልዕሊ ክልተ ሳምንቲ ኣብታ ሃገር ጸኒሑ።
መስከረም
መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ እምነት ሚስዮን፣ ኦርቶዶክስን ሃይማኖት እስልምናን ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ናብ መንግስቲ ክሰጋገራ መምርሒ ሂቡ።
ገለ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝተመስረታ ኮይነን፡ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ሰብዓ ዓመት ብቑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ኣብ ልዑል ደረጃ ዝበጽሑ ኣብነታውያን መንእሰያት ዘፍረያ እየን።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዋጅ ቑጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘሎኹ ይብል። እንተኾነ ግን ገሊአን ካብዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ዝተመስረታ እየን።
ጥቅምቲ
ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበሩ 106 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ግዒዞም። ኤርትራውያን ዝርከብዎም ካልኦት ጉጅለ'ውን ኣብ ውርሒ ሕዳር ናብ ርዋንዳ ከም ዝሰጋገሩ ተጌሩ'ዩ።
ሕዳር
መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ክኢላታትን ቊጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ "ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህደት" ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ኤርትራ ተኻይዱ።
እዚ ኣኼባ ንፈለማ እዋን እዩ ኣብ ኣስመራ-ኤርትራ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ከባቢ 300 ዕዱማት ተሳቲፉሞ።
ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ፡ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዘራኽብ - ብጠቕላላ 134 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ከምዝስራሕ ተገሊጹ።
እዚ ሓደሽ ጽርግያ፡ ብቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።
ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ሲ-ኣይ-ኤ፡ ኣብ 2011 ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምእላይ "ውጥን ሽርሒ" ኣውጺኡ ነይሩ ክብል፤ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።
እቲ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ዘረጋግጽ ሰነዳት ከም ዝተረኽበ'ኳ እንተገለጸ፡ እንታይ ዓይነት ጭብጢ ከም ዝተረኽበ ግን ኣየነጸረን።
ታሕሳስ
ብሚኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝተመርሐን፡ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓቘፈን ልኡኽ ባህሊ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምርኢት ኣርእዩ።
ንሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 4 ን 1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስታ ንታንዛንያ ስዒራ ናብ ፍጻመ ዝበጸሐት ኣኣንጋዲት ሴካፋ ሃገራዊት ጋንታ ኡጓንዳ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 3 ብ ዜሮ ተሳዒራ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።
ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሮቤል ተኽለሚካኤል ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ተባሂሉ ተሸሊሙ።
እንተኾነ ግን፡ ሸውዓተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ጠፊኦም ከምዝተረፉ ተገሊጹ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት፤ ንኤርትራ ካብ መንጎ ዝተሰለፉ ተጻወትቲ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ኡጋንዳ ጠፊኦም ምትራፎም ዝዝከር'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ድሕሪ ምቕባሉ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣካይዱ።
ብመሰረት'ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታት ኣብ ምድንፋዕ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ከምዝተመያየ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሓድሽ ህንጻ 'ኤምባሲ ኤርትራ''ውን እምነ መሰረት ኣንቢሩ።