"ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ሪጋ ሒዙ'ሎ" ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Jorge Fernández
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓድግታት ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ንምስፋር ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊጹ።
"ጎቦታት ገረዓልታን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብቲ መዝገብ ንኽሰፍር ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ብምክያድ ንምዝገባ ሪጋ ሒዙ'ሎ" ኢሉ ዳይሬክተር ምርግጋጽ ብቕዓትን ቁጽጽርን ኣይተ የማነ ገድሉ።
እንተኾነ፡ መዓዝ ክምዝገብ ከምዝኽእል ንጹር መዓልቲ ኣይተጠቕሰን።
ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ውሽጡ፡ ካብ ዘመነ መንግስቲ ኣኽሱም ጀሚሩ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃንጹ ብዙሓት ጥንታዊ ኣብያተ ክርስትያን ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ሰንሰለታዊ ኣቀማምጣ እቶም ጎቦታት ንዓይኒ በጻሕቲ ዝስሕብ እዪ።
ኣይተ የማነ ገድሉ፡ በዓል ኣሸንዳ እውን ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንክሰፍር ይስረሓሉ ከምዘሎን ዘድልይ ሰነዳት'ውን ናብ ዩኔስኮ ከምዝቐረበን ገሊጹ።
በዓል ኣሸንዳ፡ ኣብ 2020 "ኣሸንዳ፡ ኣሸንድየ፡ ዓይኒዋሪ፡ ማርያ፡ ሶለል፡ ጽምብል ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ" ተባሂሉ ክምዝገብ ሕቶ ቀሪቡሉ ምህላዉ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዩኔስኮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ቀጻሊ ከኣ፡ ከም መስጊድ ኣል-ነጃሺ፣ ጎቦታት ዓድዋን ጥንታዊ ቤተ መቅደስ ይሓን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ንክምዝገቡ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ የዩኔስኮ ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ።
ጥምቀት ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ
ዩኔስኮ ኣብ ኮሎምቢያ [ቦጎታ] የካይዶ ኣብ ዘሎ መበል 14 ኣኼባ፡ በዓል ጥምቀት ዝርከቦም ሓሙሽተ ሓድግታት ዓለማዊ ውርሻታት ኮይኖም ክምዝገቡ ውሳነ ኣሕሊፉ'ዩ።
ክሳብ ሎሚ 13 ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣብቲ መዝገብ ዝሰፈሩ ኮይኖም፡ መስቀል፣ ፊቼ ጨምበላላ፣ ስርዓት ገዳን ጥምቀትን ኣብ ዘይድህሰሱ ይርከቡ።
በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክሰፍር ንምግባር ቅድሚ ክልተ ዓመት ሕቶ ከምዝቐረበ ኣብ በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባውን ዓለማውን ርክባት ኣይተ ፈንታ በላይ ይዛረብ።
"ዝተፈላለዩ ሰነዳት ብምድላው ናብ ዩኔስኮ ልኢኽና። በቲ ትካል ዝተዳወ መሕትት'ውን ስለዘሎ፡ ናይቲ በዓል ትርጉም፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓታቱ፣ ቀጻልነቱ፣ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ርክብ ዝምልከት መሊእና ነይርና" ኢሉ።
ብተወሳኺ ምሩጻት 10 ስእልታትን 10 ደቒቕ ዝጸንሕ ሓጺር ሰነዳዊ ፊልምን ተዳልዩ ናብ ዩኔስኮ ተላኢኹ ምንባሩ'ውን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዳይሬክተር ምርግጋጽ ብቕዓትን ቁጽጽርን ኣይተ የማነ ገድሉ፡ ውርሻታታት ብዩኔስኮ ንኽምዝገቡ መዐቀኒታት ከምዘለዉ የረድእ።
"ዓለማዊን ባህላውን ክብርታቱ እንታይ'ዩ ዝብል መዕቀኒ ኣሎ። ንሕብረተሰብ ክህቦ ዝግባእ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ" ክብል ንሓሳብ ኣይተ ፈንታ የጠናኽር።
እንታይ ረብሓ የምጽእ?
ጥምቀትን ካልኦት ውርሻታታትን ኢትዮጵያ ኣብቲ መዝገብ ክሰፍሩ ምኽኣሎም፡ "መንነትናን ክብርታትናን ኣብ ምልላይ፣ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናጽ ዓብዪ እጃም ኣለዎ" ይብል ኣይተ ፈንታ።
ኣይተ የማነ ብወገኑ "እዚ ብደረጃ ዓለም ንኽላለይ ዕድል ዝፈጥር'ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ቁጽሪ በጻሕቲ ዓድን ተመራመርትን ይውስኽ" ክብል ኣረዲኡ።
"ዋንነቱ ዓለማዊ ስለዝኸውን ድማ ንዕቀብኡን ውሕስነቱን ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዘይኮነትስ ምሉእ ዓለም ንኽግደስ ይገብር። ንልምዓቱን ጽገንኡን'ውን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝርከበሉ ዕድል ይኸፍት" ይብል።

ኣይተ ፈንታ፡ ዝኾነ ሓድጊ ኣብዚ መዝገብ ክሰፍር ምኽኣሉ፡ ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ ከከባቢኡ ዘሎ ጸጋታታት ክከናኸንን ክሕልውን ምልዕዓል ከምዝፈጥር'ውን ይዛረብ።
"ናተይ ዝብል መንፈስ ዘለዝፈጥር ዓቂብካ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር የይኽእል" ክብል ይገልጽ።
ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ንዘሎ ስርዓት ገዳ ከም ኣብነት ዘልዕል ኣይተ ፈንታ፡ ኣብ ዩኔስኮ ምስተመዝገበ ሰብዋና'ቲ ስርዓት ብዝያዳ ከኽብርዎን ከልምዕዎን ከምዝጀመሩ ሓቢሩ።
ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ኣይተ የማነ "ኣብቶም ዝድህሰሱ ውርሻታታት ዝኾነ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ፡ ዩኔስኮ ናይ ሕጊ ከለላ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ጽገናን ካልእ ቴክኒካዊ ሓገዝን የቕርብ" ይብል።
ትግራይን ዩኔስኮን
ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓድግታት (ውርሻታት) እቲ ብትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ተመዝጊቡ ዘሎ ሓወልትታት ኣኽሱም ጥራይ'ዩ።
ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዳይሬክተር ምርግጋጽ ብቕዓትን ቁጽጽርን ኣይተ የማነ ከምዝሕብሮ ሓወልትታት ኣኽሱም ብ1980'ዩ ኣብቲ መዝገብ ሰፊሩ።

"ናብ ክልልና ዝመጽእ በጻሒ ዓዲ ቁጽሩ ውሑድ ኣይኮነን፤ እዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ሸርፊ ወጻኢ ንምርካብ ይሕግዝ ኣሎ" ዝበለ እቲ ዳይሬክተር፡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ካብቲ ቁጠባዊ ረብሓ ይቋደስ ምህላዉ ተዛሪቡ።
ዩኔስኮ ኣብ ምዕቃብን ጽገናን ሓወልቲ ኣኽሱም ዝለዓለ ገንዘባውን ቲክኒካውን ሓገዝ ምግባሩ ውጽኢት ናይቲ ምዝገባ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







