ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዕርቀ ሰላም ንኹሉ እዩ ዘርብሕ

ውዒሉ ሓዲሩ ንቡር ዶባዊ ርክብን ምንቅስቓስ ሰባትን ኣቑሑን ክህሉ እዩ ዝበሉ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ዘላምበሳ፡ ከም ድኳናትን ኣብያተ ሻህን መስተን ከፊቶም ይሰርሑን ትካላት ይሃንጹን ምህላዎም ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሰ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ ካብ ትዕዝብቱን ምስ ገለ ሰባት ብዝገበሮ ዕላልን ሓቢሩ።
ኣቶ ፍስሃየ ሃይሉ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘላምበሳ ትካላት ንግዲ ዝሃንጹ ዘለዉ ኤርትራውያን እዩ።
ስለምንታይ ኣብ ዛላምበሳ ዝብል ሕቶ ምስቀረበሉ፡ ነቲ ከባቢ ጽቡቕ ገይሩ ከምዝፈልጦን ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ንመጻኢ ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብዝብል ተስፋ ንግዜን እዝግሄሩን ኣሚኑ ገንዘቡ የፍስስ ከምዘሎ ነጊሩ።
"ንክውድስ ዘይኮንኩስ ኣብ ትግራይ ናይ ብሓቂ ምቹእ ናይ ስራሕ ባይታ እዩ ዘሎ። ኣብ ስራሕካ ዝጠማመተካ፡ እንታዋይ ኢኻ? ኣበይ ዓድኻ? ዝብለካ ሰብ የሎን። ልክዕ ከምቶም ደቂ ዓዲ ኮይንና ኢና ንነብርን ንሰርሕን" ይብል ኣቶ ፍስሃየ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽየን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝገብሮ ኣኼባታት ኤርትራውያን ምንም ስክፍታን ሻቕሎትን ከይተሰመዖም ከም ደቂ ዓዲ ክስርሑን ከውፍሩን ከምዝኽእሉ ይዛረብ እዩ።
ፈደራላዊ ኣዋጅ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ 1110/2011 ዝኾነ ይኹን መለለይ ዶኩሜንት ዘለዎ ሓታቲ ዑቕባ ኮነ ስደተኛ፡ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ሕሳብ ባንክ ክኸፍት፡ ገንዘብ ከቐምጥ ኮነ ከመሓላልፍን ካልእ ኣገልገሎት ባንክ ክረክብ መሰል ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኣብ ባይታ ግን ብግብሪ ከምኡ ድዩ ዘሎ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ዘልዕሉዎ እዩ።
ብስራሕ ንትግራይ ዝተንቀሳቐሰ ኣባል ቢቢሲ ትግርኛ፡ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ኣብ መቐለ ከምቲ ዝበሃል፡ ከይመሃሩ፡ ንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት ከየካይዱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝዕንቀፉን እቲ ዝበሃልን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን በበይኑ ዝተፈላለየ ምዃኑን እዮም ገሊጾሙሉ።
ንትምህርቲ ብዝምልከት፡ ዘይከምቅድሚ ሕጂ፡ ዓሚ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ከይፍተኑ ከምዝተኸልከሉ ሓቢሮምስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ እዋኑ ንዝምልከቶም ሓቲቱ ነቲ ዝተዋህበ ምኽንያት ኣቕሪቡዎ ነይሩ።
እቲ ምላሽ ነቶም ብስርዓተ ካሪኩለም ኢትዮጵያ ዝተማህሩ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእቱ ፈተና ከም ዝፍተኑ፡ እቶም ኣብ ከም ብዓል ኤርትራ 'ትምህርቲ ወዲእና መጺእና'ሞ ክንፍተን ዝብሉ ግን መረጋገጺ ወረቐት እንተዘይብሎም፡ መምዘኒ ብቕዓት ዝሓትት ኣገባብ ከምዝኸተሉን ብዘለዎም ክፍቲ ቦታ ብኮታ ከምዝቕበሉን እውን ኣረዲኡ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ፍቓድ ንግድ ዝምልከት ግን ንኣብነት፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ውሱናት ናይ ክልል ትግራይ ባንክታት እምበር ኣብ ባንክታት ፈደራል ሕሳብ ባንክ ክኸፍቱ ከምዘይፍቀዶም እዮም ዝሕብሩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ብሃገር ደረጃ ተፈቒዱ ዝተባህለ ናይ ምስራሕን ምንባርን መሰል ገና ድሩት እዩ ይብሉ ኤርትራውያን ነበርቲ።
ወላኳ ኣቶ ፍስሃየ ሃይሉ፡ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ካልኦት ብተስፋ ሰላም ዝተመርሑ ኤርትራውያን እውን ትካላት ይሃንጹ ከምዘለው እንተተዛረበ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ።
ኣምኒስት ኢንተርናሺናልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝጠቕሱዎ ብዙሓት ግዳያት ከምዝዝክርዎን፡ ህወሓት ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ኣብ ዝነበሮ እዋን ዝተኸስተ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላላየ ኩርናዕ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም።
ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን እውን ናብ ሃገሮም ስለዝተሰጉ፡ ንብዙሓት እቶም ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ከውፍሩ ዝሕተቱ ዘለው ሰባት ከሰምብዶም ይኽእል እዩ።
ኣቶ ፍስሃየ እውን በዓል ሰለስተ ደብሪ ህንፃ ጀሚሩ ምህላውን ዳሕራይ ምስ ተዛዘመ ሆቴል ክገብሮ ከምዝመደበ ይዛረብ። "ስርዓታት ሓለፍቲ እዮም ህዝቢ ግን ነባሪ እዩ" ዝብል ኣቶ ፍስሃየ፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ፍቕርን ምሕዝነትን ናብ ንቡር ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።
"ኣብ ጸገምና እንተተሓጋጊዝና ኢና ክንዓብን ክንስልጥን እንኽእል" ዝብል ኣቶ ሃይሉ ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ወሲድና ክንዕረቕን ክንተሓጋገዝን፡ ደቂ ሰባት ነበርቲ ስለዘይኮንና ዝምስገንን ዝዝከርን ነገር ገዲፍና ክንሓልፍ ይግባእ" ክብል ሓሳቡ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







