"ንኣውሮጳ ክንሰግር ኣይተዓወትናን፡ ሕጂ ድማ ብስድራና ተነጺግና"

ኣብ ሴራልዮን መብዛሕትኡ እዋን እቶም ተመለስቲ ብቤተሰቦምን ፈተውቶምን ይንጸጉ። ከም ፍሹላት ይረኣዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ነቲ ጉዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ስድርኦም ሰሪቖም`ዮም ዝኸዱ።ገለ ኣንበብቲ ነዚ ዝስዕብ ታሪኽ ረባሺ/ኣጨናቒ ኮይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ`ዮም።ፋጥማታ ነተን ከም "በዓልቲ ቤት" ሓደ ኣብ በረኻ ሰሃራ ዝጨወያ ሰበኽ-ሳግም ዓሌት ቱዋረግ ኮይና ኣሕሊፋ'ያ። ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንትትዝክር ትበኪ፡ ገጻ ድማ ብንብዓት ይሕጸብ።
"ኣሕመድ ኢሎም`ዮም ዝጽውዕዎ። ኣዝዩ ገዚፍን እከይን ነይሩ" ትብል ፋጥማታ።
" 'ንስኺ ጊልያ ኢኺ፡ ጸላም ኢኺ። ንስኻትኩም ካብ ገሃነም ዝመጻእኩም ህዝቢ ኢኹም። ሓደ ሰብ ጊላ እንተሃልይዎ ድላዩ ክገብሮ ይኽእል`ዩ' ኢሉኒ። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ሓደ ሓደ እዋን ንዓርኩ ጸዊዑ 'ኣብ ቤተይ ዘሎ ነገር ክትጥዕሞ ትኽእል ኢኻ' ይብሎ ነይሩ። መዓልታዊ ድማ ኣሳቕዮምኒ" ክትብል ነቲ ዘሕለፈቶ ትገልጽ።እዚ ግን እታ ጓል 28 ዓመት ዕባይ ከተማ ፍሪታውን ዝኾነት ፋጥማታ ካብ ዘሕለፈቶ ስቓይ እቲ ናይ ፈለማ`ዩ። ካብ ኣሕመድ`ኳ እንተኣምለጠት ብኣስገርቲ ሰባት ተታሒዛ ኣብ ኣልጀሪያ ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒና።

ንሳን ካልኦት ፍልሰተኛታትን ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም ምስ ወጽኡ፡ እታ ኣዝያ ዝተሳቐየት ፋጥማታ ናይ ኣውሮጳ ህይወት ሕልማ ራሕሪሓ ንዓዳ ክትምለስ ወሲና።
ካብቲ ንዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ፍልሰተኛታት ዝምውል ዓለማዊ ውድብ ፍልሰተኛታት [ኣይ ኦ ኤም] ሓገዝ ሓቲታ። ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ካብ ማሊ ናብ ፍሪታውን ብኣውቶቡስ ተመሊሳ።
ስሚዒታዊ ዝኾነ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኪ ምስዕዓምን ምትሕቑቓፍን ግን ኣይነበረን።
ዳርጋ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምምላሳ ምስ ኣዲኣን ምስታ ገዲፋታ ዝኸደት ሕጂ ጓል ሸሞንተ ዓመት ኮይና ዘላ ጓላን`ውን ክሳብ ሕጂ ኣይተራኸበትን።
"ብምምላሰይ ኣዝየ ተሓጒሰ ነይረ" ትብል "እንተዘይምለስ ግን ምሓሸኒ ነይሩ" ኢላ ብሓዘን ትገልጽ።
ምስተመለሰት ንሓዋ ደዊላትሉ። ዝሃባ መልሲ ግን ኣሰንቢድዋ። " 'ክትመለሲ`ውን ኣይነበረክን፡ ኣብቲ ዝኸድክዮ ክትሞቲ ነይሩኪ፤ ምኽንያቱ ሒዝክዮ ዝተመለስኪ ነገር የለን' ኢሉኒ" ትብል ፋጥማታ።
ብድሕሪ`ዚ ነዲኣ ክትረኽባ`ውን ድፍረት ከምዘይረኸበት ትዛረብ።
ስድርኣ ግን ብፍሽለታ ጥራይ ዘይኮነ ብምወላ ጉዕዞኣ`ውን`ዮም ነጺጎማ። ካብ ሓትነኣ 25 ሚሊዮን ለዮን [ብናይ ሕጂ ሸርፊ ኣስታት 2,600 ዶላር፡ ሽዑ ግን ብዙሕ`ዩ ዝሽረፍ ነይሩ] ሰሪቓ`ያ ከይዳ።
እታ ነጋዲት ክዳውንቲ ዝኾነት ሓትነኣ ንፋጥማታ ትኣምና ስለዝነበረት ንዱኳና ዝኸውን ክዳውንቲ ገዚኣ ከተምጽኣላ`ያ ነቲ ገንዘብ ሂባታ።
"ንመንገደይ ዝኾነኒ ገንዘብ ብኸመይ እረክብ ኢለ ጥራይ`የ ዝሓስብ ነይረ" ኢላ ፋጥማታ ስስዕቲ ከምዘይኮነት`ኳ እንተገለጸት።
"ብዓወት ኣውሮጳ በጺሐ እንተዝኸውን፡ ሰለስተ ዕጽፊ ገይረ ክመልሰላ ባህጊ ነይሩኒ፡ ነደይን ሓትነይን ድማ ጽቡቕ ገይረ ምተኸናኸንክወን ነይረ" ብምባል ነቲ ዘይሰመረ ባህጋ ትገልጽ።

ንግዲ ሓትነኣ ግን ካብ`ቲ ዘጋጠሞ ክሳራ ፈጺሙ ኣይሓወየን። እቲ ዝኸፍአ ድማ ሓትነኣ፡ ነዲኣ ምስ ጓልኪ ተመሳጢርኪ ኣስሪቕክኒ ኢላ ብሓሶት ስለዝጠቀነታ ኣብ መንጎአን ቅርሕንቲ ተፈጢሩ።
"እሳቐ`የ ዘለኹ፡ ከቢድ ስቓይ" ትብል ኣዲኣ። "ንፋጥማታ ዝረኽበላ መዓልቲ ብፖሊስ ክትእሰር`ያ፡ ኣነኸኣ ክመውት`የ" ትብል ኣደ ፋጥማታ።
ኣብ ብዙሓት ካብ`ቶም ኤውሮጳ ከይበጽሑ ንዓዶም ዝተመልሱ 3,000 ሴራልዮናውያን ዝደጋገም ተመሳሳሊ ዛንታ`ዩ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣባላት ቤተሰብ ገንዘብ ኣዋጺኦም ሰባት ይሰዱ ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብ እዋን ጉዕዞ ዘጋጥም ሞትን ማእሰርትን እናበዝሐ ምስ መጸ ከምኡ ናይ ምግባር ድሌት የለን።
በዚ ምኽንያት ድማ ሕጂ ብዙሓት ክስደዱ ዝደልዩ ንውጥኖም ብምስጢር`ዮም ዝሕዝዎ፤ ዋላ ናይ ስድርኦም መረጋገጺ ዋንነት ገዛ [ሊብሬቶ] ከይተረፈ ሸይጦም ይኸዱ።
ኩሎም`ቶም ኣብ`ቲ ብሓደ ተሓላቒ ጉጅለ ዝእለይሉ ማእከል ዝረኸብኩዎም ተመለስቲ ካብ ስድርኦም ሰሪቑም ዝኸዱ`ዮም።
ምስ ፋጥማታ ካብቶም ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ዘምለጠት ጓል 21 ዓመት ጃሚላቱ ኣዲኣ ኣብ ናይ ፕላስቲክ ሳንጣ ዘቐመጠቶ 3,500 ዶላር ሰሪቓ ከይዳ። እቲ ገንዘብ ብሓደ ናይ ጎረባብቲ ናይ ልቓሕ ውህለላ ዝውነን`ዩ ነይሩ።

ጃሚላቱ ነቲ ገንዘብ ሒዛ ምስጠፍአት እቶም ኣለቃሕቲ ንገዛ ኣዲኣ ከቢቦም ጅሆ ብምሓዝ ነቲ ገንዘብ እንተዘይመሊሳትሎም ክቐትልዋ ምዃኖም ኣፈራሪሖማ።
በዚ ድማ ሰለሰተ ደቃ ምስ ኣብኦም ገዲፋ መንገዲ ሰለሰተ ሰዓት ርሒቓ ናብ ኣትርከብ 'ቦ' ዝተባህለት ከተማ ሃዲማ ከይዳ።
"ብምኽንያት`ቲ ገንዘብ፡ ኣደይ ክትዛረበኒ ኣይትደልይን`ያ" ትብል ጃሚላቱ። "ካብ ዝመጽእ ድማ ኣይተራኸብናን። ክረኽባ እደሊ`የ። ነደይ ካብ ዘይርእያ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑኒ`ሎ" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ።
ነደ ጃሚላቱ ማርያቱ ኣብ ቦ ከይደ ረኺበያ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዕላል ድማ፡ እቲ ጃሚላቱ ዘስዓበትላ ስቓይ ብዘየገድስ ክትረኽባ ከምእትደሊ ገሊጻትለይ።
ዳግማይ ርክበን ግን ሓጺርን ኣጸጋምን ዳርጋ ጸጥ ዝበለን`ዩ ነይሩ። ኣጥቢቐን ተሓቛቚፈን፡ ጃሚላቱ ድማ ኣብ ብርካ ተደፊኣ ይቕሬታ ሓቲታታ። ዓይኒ ንዓይኒ ግን ኣይረኣኣያን።
ብድሕሪ`ዚ ጃሚላቱ ናብ ፍሪታውን ተመሊሳ።
"ሎሚ ነደይ ብምርካበይ እታ ኣዝያ ሕጉስቲ ሰብ`የ" ትብል ጃሚላቱ። ሕጉስቲ ግን ኣይትመስልን። እቲ መጠን ዝሰረቐቶ ገንዘብ ረኺባ ነቶም ኣለቃሕቲ ከይመለሰትሎም ኣብ ሓንቲ ገዛ ክነብራ ከምዘይክእላ ኣዲኣ ሓቢራታ`ያ።
እዚ ግን ንምትግባሩ ኣዝዩ ኣሸጋሪ`ዩ። ከም ፋጥማቱ፡ ጃሚላቱ ስራሕ የብላን። ክልቲኤን ኣብ ልግሲ ናይቲ ተሓላቒ ጉጅለየን ዝምርኮሳ። እቲ ተሓላቒ ጉጅለ ብሸኩ ባንጉራ ዝተባህለ ሰብ'ዩ ተመስሪቱ።
ንሱ ንባዕሉ ካብ ስደት ተመሊሱ፡ መንግስቲ ሴራልዮን ንተመለስቲ ዝያዳ ሓገዝ ክገብር ዝጉስጉስ`ዩ።
ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ውሑድ ወግዓዊ ሓገዝ`ዩ ዝወሃብ። ባንጉራ ባዕሉ`ውን ግብራዊ ሓገዝ ክህብ ይፍትን`ዩ። ነቶም ቤት-ኣልቦ መዳቕሶ ይሕግዞም፡ ፖሊስ ምስዘሸግርዎም ይሕግዞም፡ መሰረታዊ ምኽሪ ሞያውያን ድማ የዳሉ።

"ብዙሓት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ፍልሰተኛታት ኣለዉኒ፤ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም መዳቕሶ የብሎምን፡ ኣብ ጎደና`ዮም ዝሓድሩ። ቀሊል ኣይኮነን ንዕኦም" ይብል ባንጉራ።
ሓደ ነቲ ተሓላቒ ጉጅለ ካብ ዝሕግዙ ሰባት ወዲ 31 ዓመት ኣሊማሚ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናይ ሓውኣቡኡ ክብርቲ መዕሸጊት ማይ ሰሪቑን ሸይጡን ናብ በረኻ ሰሃራ ኣምሪሑ።
ሓደ ካብ`ቶም ምስኡ ዝተጓዕዙ ክልተ ሰባት ኣብ ምድረ-በዳ ሰሃራ ብጥሜት ሞይቱ። እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ኤውሮጳ ክሰግር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ [ሜዲተራንያን] ጥሒሉ ሞይቱ።
ኣሊማሚ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ሊብያ መዳጎኒ ተዳጒኑ። ኣይ ኦ ኤም ክምለሱ ዝደልዩ ንምምላስ ኣብ 2017 ካብ ትሪፖሊ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ በረራታት ምስ ጀመረ ድማ`ዩ ተመሊሱ።
ኣቲ ዝማሰነን ዝደኸመን ኣሊማሚ፡ ነቲ ናይ መምለሲ ቲኬት`ኳ እንተተቐበሎ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ዓዱ ምስ ኣተወ ዝጽበዮ ኣቀባብላ ግን ይሰግእ ነይሩ።
"ሓወቦይ ቁጡዕ ባህሪ ስለዝነበሮ ናብ ሴራለዮን ክምለስ የብለይን ኢለ እሓስብ ነይረ" ይብል ንሱ።

ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ኣሊማሚ ምስ ኣዕሩኽቱ`ዩ ዝነብር። "ኣብ ፍሪታውን ከምዘሎ ሰሚዕና ኣለና፡ ይሳቐ`ዩ ዘሎ፡ ንሓደ ካብ ቤተሰብና ክረክብ ግን ድፍረት የብሉን" ይብል ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ ዝነበረ ዓቢይ ሓዉ ሸይኩ ዑመር።
ሸይኩ ምስ ሓዉ ጥቡቕ ሕውነት ከምዝነበሮ ይገልጽ፡ ሕጂ እንተዝረኽቦ ግን ከም "ዝእሰር፣ ዝኽሰስን ዝፍረድን" ምገበርኩዎ ይብል።
"ብምኽንያት`ቲ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብና ዘውረዶ ሕፍረት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተዝመውት፡ ኣይምተጠዓስኩን፡ ዝኾነ ኣባል ቤተሰብና ከምዘይጠዓስ'ውን ርግጸኛ`የ"።
እታ ኣሊማሚ ከካይዳ ሓላፍነት ዝተዋህበቶ ናይ ሓውኣብኦም ትካል መዓሸጊት ማይ ንብምሉኡ ቤተሰብ ዝጥውር ገንዘብ መውጽአት ነይራ ድማ ይብል።
"ነቲ ዕድል`ቲ ስለዝተጻወተሉ ግን ኩልና ኣብ`ዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘርምዘርሞ ወዲቕና። ኣብ ዝኸድኩዎ ቦታ ሰባት የባጭዉለይ። ኣዴና ጥዕና ስኢና፡ ካብ ከተማ ወጺኣ ኣብ ገጠር ትነብር ኣላ። እታ ትካል እቲኣ ፈላሚት ተስፋና`ያ ነይራ፡ ኣሊማሚ ግን ሓምሺሽዋ" ይብል ሸይኩ።
ኣሊማሚ ንባዕሉ ይሓርቕን ይበሳጮን`ዩ።
"ናብ ዓደይ ተመሊሰ፡ ለውጢ ግን የለን፡ ዜሮ`የ" ይብል ኣሊማሚ። "ዝነብረሉ ዘለኹ ቦታ ንዓይ ገሃነም`ዩ። ሰባት ገይሮም ዝጥምቱኒ ኣጠማምታ ደስ ኣይብለንን`ዩ። ከም ሰብ ገይሮም ኣይጥምቱንን`ዮም" ይብል ንሱ።
ኣይ ኦ ኤም ብወለንታ ናብ ዓዶም ንዝምለሱ ኣፍሪቃውያን ፍልሰተኛታት ክሳብ 1,500 ዩሮ ዝኸውን "መጣየሲ" ይህብ። እዚ ገንዘብ`ዚ ካብ`ቲ ብቐንዱ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምወል 347 ሚሊዮን ዩሮ ዘለዎ ማዕከን`ዩ ዝወሃብ።
ብጥረ ገንዘብ ግን ኣይኮነን ዝወሃቦም። ከምኡ እንተዝኸውን መብዛሕትኦም መኽፈሊ ዕዳ ናይ`ቲ ካብ ስድርኦም ሰሪቖሞ ዝኸዱ ገንዘብ ምገበርዎ ነይሮም። ኣይ ኦ ኤም እቶም ሓተትቲ ትካል ክገብሩ ምዃኖምን መርትዖ ምስ ኣቕረቡ`ዩ ኣቑሑ ዝገዝኣሎም።

ኣሊማሚ ሞተርብሽግለታ ገዚኡ ታክሲ ክሰርሓላ ንዝደሊ ሰብ ከካርያ ገንዘብ ተዋሂብዎ። ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን ኣቲ ዝተኻረያ ሰብ ሒዝዋ ጠፊኡ። ኣሊማሚ ንባዕሉ ግዳይ ናይ ስርቂ ኮይኑ።
ፋጥማታን ጃሚላቱን ግን ፈጺመን ገንዘብ ኣይረኸባን፡ ምኽንያቱ ገለ ሴራልዮናውያን ካብ ሰሃራ ከምዝተመለሱ ኣምሲሎም ብምትላል ሓገዝ ብምውሳድ ነቲ መስርሕ ክብለጽሉ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ካብ ማሊ ስለዝተመልሳ ክወሃበን ኣይከኣለን።
በዚ ድማ ንፋጥማታን ጃሚላቱን ሓዊስካ ኩሎም ካብ ማሊ ዝተመልሱ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይረኸቡን።

ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን፡ ሰለስቲኦም ተመለስቲ ኣብ`ቲ እቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዘዳልዎ ጎስጓስ "ምብራኽ ኣፍልጦ" ይሳተፉ። ፖስተራትን መጉልሒ ድምጽታትን ሒዞም ኣብ ጎደናታት ብምዛር ካልኦት ሰባት ብዛዕባ`ቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ከይሓስቡ የጠንቅቑን፡ ኣብ`ታ "ምቅርቲ ሴራልዮን" ክነብሩ ይምዕዱን።
ንዓኣቶም ግን ዓዶም ከም ቀደሙ ምቁር ኣይኮነን። ሰለስቲኦም ዋጋ የብልናን ብዝብል ስምዒት ዝተዋሕጡ`ዮም።
"ክህቦ ዝኽእል ነገር የብለይን፡ ዋላ ሓደ ዘርእዮ ነገር የብለይን። ጓለይ`ኳ ከይደ ክርእይ ኣይክእልን። ስእላ ጥራይ`የ ዝርእይ፡ ምኽንያቱ ብኣካል ረኺበ ዝህባ ነገር የብለይን" ትብል ፋጥማታ።
ኣሊማሚ ብወገኑ፡ እቲ ዘጋጥሞ "ምንሻው" ኣንጻር`ቲ ኣብ ጎደናታት ክብሎ ዝውዕል ነገራት ክገብር የገድዶ። ናብ ኤውሮጳ ንምኻድ ድማ ዳግማይ ፈተነ ክገብር ይደሊ።
"ንዓይ ኣብዚ ምንባር ገሃነም እዩ" ይብል ንሱ። ኣብ ቀዳማይ ጉዕዞኡ ዘጋጠምዎ ሽግራት፣ ባርነት፡ ማእሰርትን ሞት ኣዕሩኽቱን ምስ ኣዘከርክዎ ድማ፡ "እወ ብእኡ ስለዝሓለፍኩ ግን ክጻወሮ ከምዝኽእል ርግጸኛ እየ" ኢሉኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







