ኣባላት ባይቶ ታንዛንያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ወረቐት ምጥቃም ከቋርጹ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Bunge la Tanzania/tweeter
ኣባላት ባይቶ ታንዛንያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰሉስ ጀሚሩ ወረቐት ገዲፎም፤ ታብሌታት (ነኣሽቱ ላፕቶፓት) ክጥቀሙ ተወሲኑ።
እቶም ኣርቀቕቲ ሕጊ ካብ ሎሚ ንደሓር ወረቐት ኣይክጥቀሙን። እተን ታብሌታት ድማ ትማሊ ሰኑይ ተዓዲለንኦም ኣለዋ።
እቲ ባይቶ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣባላቱ ነተን ታብሌታት ክቕበሉ ዘርእይ ስእልታት ዘርጊሑ'ሎ። ዕላምኡ ከኣ ምጥቃም ወረቐት ደው ምባል ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ጻሓፊ ባይቶ ታንዛንያ ስቴፈን ኪጋይጋይ፡ እዚ ውሳነ መንግስቲ ኣብ ሕትመትን ምብዛሕ ወረቐትን ዘውጽኦ ዝነበረ ገንዘብ ዘድሕን'ዩ ኢሉ።
እቲ ባይቶ ክሳብ 500 ቅዳሕ ሰነዳት ከዳለው ይግደድ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ጸሓፊ፡ ካብ ሕጂ ግን ትሕቲ 10 ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።
በዚ ከኣ ንሕትመት ወረቃቕቲ ዝወጽእ ክሳብ 519 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ምትራፍ ከም ዝከኣል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ባይቶ 450 ታብሌታት (ነኣሽቱ ላፕቶፓት) ንምዕዳግ ከባቢ 389 ሽሕ ዳላር ወጻኢ ተገይሩ'ሎ።
ታንዛንያ ዝሓሸ ዓቕሚ ንምፍጣርን ወጻእታት ንምንካይን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓሸ ቴክኖሎጂ የተኣታትዋ ካብ ዘለዋ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደ ክትከውን ክኢላ እያ።
ኣብዚ ዓመት ንኣባላት ባይቶ 'ኣይፓድ' ዝዓደለት ጎረቤታ ኬንያ ብዓመት ክሳብ 150 ሽሕ ዶላር (ንሕትመትን ምብዛሕ ሰነዳትን ዝወጽእ ዝነበረ) ተድሕን ኣላ።
ዩጋንዳ'ውን ንኣባላት ባይቶኣ ብ2013 ኣይፓድ ዓዲላ'ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







