ፌስቡክ፡ ኣብ ስኑዕ ሓበሬታ መፍለዪ ምልክት ክገብር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፌስቡክ [ፈይስቡክ]፡ ንዝርጋሐ ስኑዕ ዜናታትን ግጉይ ሓበሬታን ንምቁጽጻር ሓድሽ ስጉምትታት ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ገጻት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝተዘርግሑን ብሳልሳይ ኣካል ሓሶት ምዃኖም ዝተረጋገጹን ሓበሬታታት ፍሉይ ምልክት ከም ዝገብረሎም ተዛሪቡ'ሎ።
ኩባንያ ፌስቡክ፡ ንሓቅነት ሓበሬታት ዘረጋግጽ፡ 'ፋክት ቸኪንግ' መደባቱ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስፊሑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ሓቅነት ናይ'ቲ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ናይ ምምማይ ስራሕ ኣብ ዛምቢያ፡ ሶማልያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጒኒን ጋናን ክትግበር ጀሚሩ'ሎ።
ኣብቲ ትካል ሓላፊ ፓሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኮጆ ቦኣክየ ከም ዝበሎ፡ እቲ ስኑዕ ሓበሬታታት ናይ ምጽራይ መደብ ብከም ብዓል ኣፍሪካ ቸክ፡ ፐሳ ቸክ፡ ዱባዋ፡ ፍራንስ 24ን ኤ-ኤፍ-ፒ ፋክት ቸክን ከም ዝትግበር ተዛሪቡ።
"ነቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ዜና ናይ ምፍላይ ስጉምትታት ምውሳድ፡ ከቢድ ሓላፍነት ጌርና ኢና እንርእዮ። ስኑዕ ሓበሬታ ዓብይ ጸገም ከም ዝኸነ ንፈልጥ ኢና" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ስለዝኾነ ድማ እዞም ጸገማት እዚኦም ምፍታሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
"ብሳልሳይ ኣካል ጥራይ ዝግበር ምመያ ሓቃዊነት [ፋክት ቸኪንግ] እኹል ከም ዘይኮነ ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ሓደ ካብቶም ወፍሪ ንገብረሎም ዘለና ንዓይነት ናይቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሽ ዝሕግዙ ብዙሓት ተበግሶታትን መደባትን እዩ"።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







