ግረክ ስኮፍ ዝተብሃለ ኣሜሪካዊ ሰባኺ 'ዘይሕጋዊ' ኣኼባ ኣካይድካ ተባሂሉ ተኣሲሩ

ፖሊስ ርዋንዳ ዘይሕጋዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገይሩ ንዝበሎ ግረክ ስኮፍ ዝተብሃል ኣሜሪካዊ ሃይማኖታዊ ሰባኺ ኣሲሩ።
ግረክ ስኮፍ፡ ምስ ጋዜጤኛታት ዘይሕጋዊ ኣኼባ ገይሩ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ'ሎ።
መንግስቲ ርዋንዳ፡ ነታ ግረክ ስኮፍ ዝውንና መደበር ሬድዮን ቤተክርስትያንን ስለ ዝዓጽዎ፡ ነቲ መንግስቲ ክነቕፍ ጸኒሑ'ዩ።
እታ ብግረክ ስኮፍ እትውነን መደበር ሬድዮ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንደቂ ኣንስትዮ 'ሸይጣውንቲ' ብምባላ እያ ተዓጽያ።
እታ ቤተክርስትያኑ እውን ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ካልኦት ኣማኢት ኣብያተ ክርስቲያን ብጉዳይ ብከላ ድምጽን ጉድለት ቅጥዒ ህንጻን ተዓጽያ።
ግረክ ስኮፍ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ይግባይ ብምባል ኣንጻር ቅጥዕታት ሚድያ እታ ሃገር ተቓዊሙ ዳግማይ መደበር ሬድዮኡ ንክኸፍት ክሓትት ጸኒሑ።
ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ጀይን ክላውድ ምዋምቡስታ ዝተብሃለ ጋዜጤኛ ከም ዝሓበሮ፡ ግረክ ስኮፍ ጋዜጣዊ መግልጺ ንምሃብ ብሰኑይ ነቲ ኣዳራሽ ከም ዝተኻረዮን እቲ ዋና ግን ኣብቲ ዝተታሓዘ ቆጸራ ናብቲ ገዛ ምእታው ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።
ኣብ ደገ ኮይኑ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ ኸኣ ፖሊስ መጺኦም ከም ዝሓዝዎ፡ ጀይን ክላውድ ምዋምቡስታ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ርዋንዳ ጆን ቦስኮ ካባራ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንግረክ ስኮፍ ኣሲርና ናብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ርዋንዳ ኣረኪብናዩ ኣለና" ኢሉ።
ብምስዓብ "ኣብ ህዝባዊ ቦታ ምስ ጋዜጤኛታት ዘይሕጋዊ ኣኼባ እናገበረ ኢና ሒዝናዮ፡ ብዘይ መንግስታዊ ፋቓድ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣኼባ ምክያድ ከኣ ሕጋዊ ኣይኮነን" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







