ህቦብላዊ ማዕበል ‘ዶርያን' ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ

ደሴት ባሃማስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ህቦብላዊ ማዕበል 'ዶርያን' ዝደሓኑ ሰባት ካብ ባሃማስ ይሃድሙ ከም ዘለው ተገሊጹ።

ካልኦት ብዙሓት ካብተን ዝባደማ ደሴታት ክግዕዙ'ውን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እዚ ህቦብላዊ ማዕበል ኣብ ልዕሊ ባሃማስ ዓቢ ሰብኣዊ ክሳራ ከም ዘውረደን፡ በቲ ሓያል ህቦብላ ብዙሓት ዓድታት ከም እተደምሰሳን ተገሊጹ።

ሰብመዚ በሃማስ ከም ዝገለጽዎ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ውሕጅ ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ኣመልኪቶም።

ክሳብ ሕጂ በቲ ሓያል ህቦብላ ዝሞቱ ሰባት ብ43 ክብ ከም ዝበለን፤ ገና ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከም ዝኽእልን ሰብ መዚ ባሃማስ ኣፍሊጦም።

እቶም ካብቲ ህቦብላ ዝደሓኑ ሰባት፡ በቲ ዝሕቱል ኣገዓዕዛ መንግስቲ የማርሩ ከም ዘለውን፤ እቲ ኣገዓዕዛ ሕንፍሽፍሽ ከም ዝበዝሖን ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ባሃማስ ካብቲ ህቦብላ ንዝደሓኑ ሰባት ኣብ ዝሃቦ ዘረባ፡ እቲ ሰብ ክሃድህ ከም ዝሓበረን፡ ነጻ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘዳሉን ተመባጺዑ።

ብሳተላይት ዝቐርጸ ስእሊ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ሓያል ህቦብላ ነታ ንእሽቶ ደሴት ከም ዝደምሰሳን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከም ዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 70 ሽሕ ደቂ ባሃማስ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ሓቢሩ። ገዛውቶም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተደምሰ'ውን ኣመልኪቱ። ደሴት ባሃማስ ከባቢ 400 ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ።

እዚ ንደሴት ባሃማስ ደምሲሱ ዝሓለፈ 'ዶርያን' ዝተባህለ ህቦብላዊ ማዕበል ናብ ሰሜን ኣመሪካ ኣቕኒዑ ከም ዘሎ ይሕበር።