ኣምሓራ፡ ኣዴፓ ንእኒ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ 'ነኸስቲ ጡብ-ኣዲኦም' ኢሉዎም

ምንጪ ስእሊ, FBC/FB
ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ኣምሓራ [ኣዴፓ] ብኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ 15 ሰነ 2011 ኣብቲ ክልል ንዝተፈጸመ ቕትለት ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልል፣ መኮንንናት ኣባላት ሰራዊትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝዝቲ ህጹጽ ኣኼባ ትማሊ ኣካይዱ።
እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ 'ዕልዋ መንግስቲ' ዘተሓባበሩን ዝተሳተፉን ኣካላት ዝፈጸሙዎ ተግባር፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ-ምምሕዳር፣ ፖሊስ ኮሚሽን፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣምሓራን ቤት ጽሕፈት እቲ ፓርትን ትኹረት ዝገበረ'ዩ ነይሩ ኢሉ።
ነዚ ተግባር ዝኹንን መግለጺ ዘውጽአ ኣዴፓ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤት ህንጸት ዝነበሩ ሰባት ነጻ ክወጽኡ ዝተቓለሱ ኣመራርሓ ብግፍዕን ጭካነን ምቕታል፡ "ጡብ ኣዴኻ ምንካስን ክሕደትን" ኮይኑ፡ ህዝቢ እቲ ክልልን ሃገርን ንሓደጋ ዘቃልዕ 'ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ'ዩ' ኢሉ።
ሕዚ ዝሓለፈ ቐዳም ተፈቲኑ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ ኣምሓራ' ኣተሓባቢሩን ፈጺሙን ዝበሃል ዘሎ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ኣቐዲሙ'ውን ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተፈሪዱዎ ሸሞንተ ዓመት ሙሉእ ኣብ ቤት ህንጸት ጸኒሑ'ዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ግን፡ ኣዴፓ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴን ክኸውንን ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ደሕንነትን እቲ ክልል ክኸውን ገይሩ'ዩ።
ሕዚ ፈጺሙዎ ዝበሃል ዘሎ ቕትለት ኣመራርሓ፡ ካብ ሕግን ፖለቲካዊ መትከልን ዝወጽአ ከቢድ ክሕደት'ዩ ዝበለ ኣዴፓ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ጥንኩር ፖለቲካዊ ሰልፊን መንግስትን ከይህልዎ ዝዓለመ ናይ ጥፍኣት ሽርሒ'ዩ ብምባል በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ'ሎ።
ኣብቲ 'ዕልዋ መንግስቲ' ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርተሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕጽል'ዩ ዝበለ ኣዴፓ፡ እቲ መሓውር ጸጥታ ዳግም ንምጥንኻርን ሰላምን ድሕነትን እቲ ክልል ንምርግጋጽን ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኢሉ።
ህዝቢ ኮነ ተባሂሉ ብዝዝርግሑ መሰረት ዘይብሎም ወረታት ክደናገር የብሉን ብምባል፡ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ድማ ሰላም፣ ምርግጋእን ሓድነትን እታ ሃገር ኣብ ዘጠናኽሩ ትኩረት ክገብሩ ጸዊዑ።
"ብሽም ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ህዝቢ ንምድንጋር ሓሶት ዝነዝሑን ሕቡእ ኣጀንድኦም ከዐውቱ ላሕ ዝብሉን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ግን፡ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ መግለጺ፡ ነቶም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ብስም ኣይጸርሐን።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ውድብ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ገበንን፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዘሕፈረን ዘዋረደን ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እቲ ገበን ንምዕባስን ኣንኢስካ ንምርኣይን ኮነ ተባሂሉ ኣንፈት ንምስሓት እትሰርሑ ዘለኹም ኣካለት፡ ካብ እኲይ ተግባርኩም ክትእርነቡ ኣለኩም" ክብል'ውን ኣተሓሳሲቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







