ብዛዕባ መቕተልቲ ዓበይቲ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ እቲ ምሉእ ሓቂ መን'ዩ ዝነግረና?

ካብ ጸጋም ንየማን፡ ጄነራል ሰዓረ መኮንን፣ ብርጋዴር ጀነራል አሳምነው ጽጌን ዶክተር አምባቸው መኮንን
መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ንየማን፡ ጄነራል ሰዓረ መኮንን፣ ብርጋዴር ጀነራል አሳምነው ጽጌን ዶክተር አምባቸው መኮንን

እቲ ኩነታት ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ እዩ ጀሚሩ። ካብ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ዜና ተቓሊሑ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ "ፈተነ ዕልዋ" ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝበጽሐ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስልጣን ዝመጽአ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣምባቸው መኮነን (ዶ/ር) ከም ዝተሃረመ ተሰሚዑ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴ'ውን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ሓበሬታ ተዘርጊሑ።

ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ብምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ "ፈተነ ዕልዋ" ምክያዱ ዝሓበረ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን እዩ ነይሩ።

እዚ ምስ ኮነ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ዘሕዝን ዜና ተሰሚዑ። ሹም ኢታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብሓላዊኡ ብጥይት ከም ዝተሃረመን ምስኡ ዝነበረ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ'ውን ብተመሳሳሊ ከም ዝተሃረመ ተገሊጹ።

ሓላፊት ሰክረታርያት ፕረስ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ካብ ዝሃበቶ መግለጺ ወጻኢ ካልእ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተሰምዐን።

ቀዳም ኣማስያኡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኣምሓራ፡ ኣዴፓ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ብድሕሪ እቲ "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ምዃኑ ዝተገለጸ ፍጻመ ምህላዎም ሓቢሩ።

ነቲ ዜና ዝተቐበልዎን ዘይተቐበልዎን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሳባቶም እኳ እንተገለጹ፡ ዝኾነ ናይ ክልል ኮነ ናይ ፌደራል በዓል ስልጣን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መግለጺ ክህብ ኣይደፈረን።

ንምሸቱ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ተቛሪጹ።

ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴለቪዥን ብምቕራብ፡ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተኻየደ "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ"፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን እቲ "ፈተነ ዕልዋ" መጥቃዕቲ ካብ ዝተኻየደሎም "ገሊኦም ምምዋቶምን ገሊኦም ምቑሳሎምን" ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርዝር ኣስማት ግና ኣይሓበረን።

ወሲኹ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሹም ኤታማዦር መጥቃዕቲ ከም ዝተኻየደሉ ኣፍሊጡ።" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሹም ኤታማዦር ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት፡ ምስቲ "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ምትእስሳር ኣለዎ' ክብል ድማ ገሊጹዎ።

እቲ ሹም ኤታማዦር ምስቲ ፈተነ ዕልዋ ተተሓሒዙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኸሲቱ ንዘሎ ጸገም ንምቁጽጻር ይካየድ ንዝነበረ ጻዕሪ ይመርሕ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምሸት "ዕሱባት" ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሰዓረን ምስኡ ዝነበረ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ተዛሪቡ።

ሰንበት

ሰንበት ንጉሆ ብርክት ዝበለ ሓበሬታታ ተዘርጊሑ። ጀነራል ሰዓረን ጀነራል ገዛኢ ምምዋቶም ድምጺ ወያነ ኣቃልሐት። ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ፡ ሃገራዊ ቴለቪዥን፡ 'ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣምባቸው መኮነንን ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ተሰዊኦም' ክብል ሓበረ።

ርፍድፍድ ምስ በለ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ዝሃቡ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን [ብኣምሓርኛ] ከምኡ'ውን ቢልለኔ ስዩም [ብእንግሊዝኛ] እዮም ነይሮም።

ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶታት ክቕበሉ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ እዞም ወሃብቲ ቃል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ጀነራል ሰዓረ፡ ጀነራል ገዛኢ፡ ኣቶ ኣምባቸውን ኣቶ እዘዝን ምምዋቶም ኣረጋገጹ።

ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሰዓረ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝተገለጸ ውልቀሰብ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምህላው ሓበሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ "ፈተነ ዕልዋ" በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብምሕረት ነጻ ዝተለቐቐ ብሪጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ምዃኑ'ውን ገለጹ።

ሰንበት ረፋድ ዝተሰምዐ ካልእ ዜና፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ምግባሩ ከበደ በቲ መጥቃዕቲ ተሃሪሙ ኣብ ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሉ ምንባሩ እዩ።

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ንቢቢሲ ድምጹ ዝሃበ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ገደቤ ሃይሉ፡ 'ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣብ ኣኼባ ገምጋም የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን እቲ ብሪጋደር ጀነራል ብፍሉያት ሓይልታት ተዓጂቡ ከም ዝመጸን፤ ፈለማ ኣብ ኣባላት ሓለዋ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ፤ ቀጺሎም'ውን ኣብ ኣመራርሓ እቲ ክልል ከም ዝተኮሱን በዚ ድማ ሰለስቲኦም ከም ዝተሃረሙ' ኣረዲኡ።

ወሲኹ'ውን ብምውህሃድ እቲ "ፈተነ ዕልዋ" ዝጥርጠር ሓለቕኡ ብሪጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ሓቢሩ።

ኑይ

ሰኑይ ንሓድሕዶም ዝገራጨው ሓበሬታታት ክወሃቡ ተራእዩ። ፈለማ ዋና ኣኽባር ሕጊ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ምምዋቱ ተሰሚዑ።

ሃገራዊ ተለቪዥን፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ'ውን ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘርግሐ።

ብሪጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣበ ከባቢ ባህር ዳር ዘንዘልማ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ብዝተኻየደ ናይ ቶክሲ ምልውዋጥ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ።

ካብ ፌደራል ፖሊስ ዝተሰምዐ፡ ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ ምምዋቱ ዝገልጽ፡ ካልእ ዜና ግና ንብዙሓት ዘደናገረ እዩ ነይሩ።

እንተ ቆሰለ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምውዓሉ ዝተገለጸ ውልቀሰብ፡ 'ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ' ዝብል ሓበሬታ ሕቶታት ኣልዒሉ። ኣብ ቀይዲ ዘሎ ሰብ ከመይ ኣቢሉ'ዩ ርእሰ ቅትለት ዝፍጽም? ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ ነይሩ። ዘይምስናይ መግለጺታት ፖሊስን ቀዳማይ ሚኒስተርን ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣሻቓሊ ገይርዎ።

እንተኾነ ግና ሃገራዊ ተለቪዥን ጸኒሑ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ከም ዘይሞተ ሓበረ።

ስነስርዓት ቀብሪ

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐትለ ሹም ኤታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

ሰክረታርያት ፕረስ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቢልለኔ ስዩም ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ንሰሉስ ከም ዝፍጸም ሓቢራ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ተለቪዥን ትግራይ ካብ ስድራቤት እቲ ጀነራልን፡ ንሰበስልጣን እቲ ክልልን ብምጥቃስ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ መቐለ ከም ዝፍጸም ገሊጹ።

ብዙሕ ሓበሬታ፡ ብዙሕ ቶታት. . .

"ዕልዋ መንግስቲ" ብደረጃ ክልል ክካየድ ይኽእል ድዩ፡ ካብ ዝብል ዓቢይ ሕቶ ክሳብ እቲ ናይ ቀዳም ፍጻመታት ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [አብን] እቲ ፍጻመ መጥቃዕቲ እምበር "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ኣይኮነን ክብል ተቓውምኡ ብምስማዕ፡ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምሕዛኑ ገሊጹ።

ኣቶ ገደቤ ነቲ ፍጻመ ከብርህ ከሎ፡ "ከባቢ ሰዓት 11፡00 ድ.ቀ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ገለ ኣመራርሓ ጸጥታ፡ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ንኣኼባ ከም ዝተደለዩን ናብቲ ስፍራ ኣኼባ ከም ዝኸዱን፤ ምእታዎም ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ዝተወደበ ሓይሊ ኣትዩ ተኹሲ ብምኽፋቱ ውልቀሰባት ከም ዝዕፈኑን ከም ዘይንቀሳቐሱ ከም ዝተገብረን ይፈልጥ" ኢሉ።

አቶ ገደቤ ወሲኹ፡ "ኣነ ኣብቲ ኣኼባ ኣይነበርኩን፤ ኣይተጸዋዕኩን። ቀዳም ክሳብ ሰዓት 7፡00 ድ.ቀ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሪጋደር ኣሳምነው ነይረ። ከባቢ ሰዓት 9 ካልእ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ፡ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ኣብ ስራሕ ነይረ፤ ብድሕሪ እዚ ተኹሲ ሰሚዐ" ክብል ነቲ ፍጻመ የብርህ።

ኣቶ ገደቤ ቁጽሪ ምውታት እኳ እንተዘይገለጸ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቢሮ ጸጥታ፡ ፖሊስ ኮምሽን፡ ቤት ጽሕፈት ኣዴፓ'ውን ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።

ብርጋዴር ጀኔራል አሳምነው ጽጌ ኣብ ቀረባ መዓልትታት፡ ፍሉይ ሓይልታት ከመርቕ ከሎ፡ ፍልይ ዝበለ ወትሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ምስቲ ፍጻመ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ? ሐጂ'ውን ምላሽ ዘይረኸበ ሕቶ እዩ።

ናይ ባህር ዳር ዕግርግርን ናይ ጄኔራል ሰዓረ ቅትለትን እንታይ'ዩ ዘራኽቦ? እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ምንባሩ እኳ እንተገለጸ፤ ዝርዝር መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ፡ ኣዕጋቢ ኣይመስልን።