ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮንንን ገዛኢ ኣበራን ተፈጺሙ

ኣብ መቐለ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ይካየድ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ'ውን ስነ ስርዓት ቀብሪ 3 ሰበስልጣን እቲ ክልል ይካየድ ኣሎ። ኣብዞም ስነስርዓት ቀብርታት ንዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ብጽሑፍ ስእልን ቪድዮን ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን ዝምልከት ክነቕርበልኩም ዝወዓልና ቀጥታዊ ሓበሬታታት ኣብዚ ኣብቂዑ'ሎ።

    ንምሉእ ትሕዝቶ እዚ ውዕሎ፡ ንታሕቲ እናወረድኩም ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

    ስለዝተኸታተልኩምና ኣዚና ነመስግን።

    ብሩኽ ምሸት!!

  2. ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮንንን ገዛኢ ኣበራን ተፈጺሙ

    ቀብሪ ሹም ኢታማዦር ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብልዑል ክብሪ፡ መቐለ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ተፈጺሙ።

    ንኽብሮም 17 መድፍዕ ዝተተኮሰ ክኸውን ከሎ፤ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

    ብድሕሪኡ ድማ: ሰበ ስልጣን ኣክሊል ዕንበባ ኣንቢሮም።

    ቀብሪ

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

  3. ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)፡ "ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ድልውነት ኣለና" ኢሉ

    ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተፈጸመ ቕትለት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ገበንን ኮኒኑ።

    ቅድሚ 31 ዓመት ኣብ ሓውዜን 15 ሰነ ብስርዓት ደርጊ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዘብጽሖ ኪሳራ ዝጠቐሰ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት እቶም ጀነራላት ምቕታሎም ነቲ ሓዘን ከም ዘኽብዶ ተዛሪቡ።

    “እቲ ግፍዓዊ መቕተልቲ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕዘነ ኮይኑ፡ ከምቶም ቅድሚኦም ንህዝቢ ክብሉ ዝተሰውኡ፡ እዞም ጀነራላት ብኽብሪ ሓሊፎም ኣለው” ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኩሉ ንህዝቢ ዝወገነ ኣካል ካብዞም ብጾት ብዙሕ ክመሃር ይኽእል’ዩ ኢሉ።

    “ንሃገር ዘገልግል ዘሎ ንቕንጸላ ከመይ ተሓርዩ?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል መደርኡ ዝቐጸለ እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፡ “እዚ መጥቃዕቲ ብጸረ ህዝቢ ዝተፈጸመ ሃገር ክብትኑ፣ ስልጣን ብሓይሊ ክሕዙ፣ ኣብ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ብምጣር ስርዓት ኣፍሪሶም ንትግራይ ከሰኩኑ ምሕሳቦም ዘርኢ ፍጻመ’ዩ” ኢሉ።

    ብኻልእ ገጽ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ዝርከቡ ተጋሩ ጀነራላት ብተኣማንነት ስለ ዘገለግሉ ተጠመትቲ ተገይሮም ብምጽንሖም፡ ‘ልዕልነት ትግራይ ኣሎ’ ንዝብል ተረኽ ዕድል ብምሃቡ፡ “ትግራይ ሕልፊ ተጠቃሚት’ያ ተባሂሉ ሽርሒ እናተሰርሐ መጺኡ” ዝብል ዘረባ ኣስሚዑ።

    ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ምስ መጽአ፡ ዲሞክራሲያዊ ምህዳር እታ ሃገር ንምስፋሕ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክፍታሑ’ኳ እንተተገበረ፡ እዚ ግን ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ስርዓት ኣልቦነት ክሰፍሕ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ ኢሉ።

    “ዓዲ፣ ህዝቢ ክክሕሱ’ዮም ተባሂሉ ክንደይ ጉድ ዘሎዎም ካብ ዝተኣሰርሉ ሕጊ ብምጥሓስ’ውን ተፈቲሖም፤ ግን ሃገር መዐንደሪ ጽንፈኛታትን ጸረ ሕገመንግስትን ኮይና፣ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ተዛቢዑ፣ ሳዕቤኑ ድማ ወግሐ ጸብሐ ሞት እናቖጸርና እናመዝገብና ንርከብ” ኢሉ።

    እዚ፡ ኣንፈት ቃልስና ደጊምና ክንፍትሽን ክነመዓርንን ከም ዘለና የመላኽት’ዩ ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ “ይኣክል ክንብሎም ኣለና፤ ከም ትግራይ እንዕገሶ ትምክሕተኛ ሓይሊ የለን። ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ዳግም ኣሰላልፍኦም ክፍትሹን ተሓባቢርና ናብቲ ትኽክለኛ ቦትኦም ክነእትዎምን ይግባእ” ክብል ኣርጊጹ ተዛሪቡ።

    ንሕና፡ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ድልውነት ኣለና ብምባል፡ ኢትዮጵያ ናብ ዕንክሊል ቅድሚ ምእታዋ፡ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስ ይኣክል፡ ይመዓራረር ኢሉ ህዝቢ ትግራይ የተሓሳስብ ኣሎ ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።

    ኩሎም ንሕገ መንግስትን ስርዓት ፌደራሊዝምን ደው ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ነዚ ተግባር ክኹንኑ ጸዊዑ፤ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፉ ኩሎም መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቁጽጽር ከውዕሎም ይግባእ ድማ ኢሉ።

    ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

    ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

  4. ሬሳ ጀነራላት ካብ ሓወልቲ ሰማእታት ናብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ይፋነው ኣሎ

    ሬሳ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን ካብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ተበጊሱ ናብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ብክብሪ ተሰንዩ ይውሰድ ኣሎ።

    ሓዘን

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

    ሓዘን

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

    ሓዘን

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

  5. ወኪል መንእሰያት ትግራይ ሰናይ ካሕሳይ

    ንመንእሰያት ትግራይ ዝወከለ መንእሰይ ሰናይ ካሕሳይ

    ጀነራል ሰዓረን ገዛኢን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኻውን ሕጋውን ምዃኑ ኣሚኖም፡ ምስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ናጽነት ኤርትራ እጃሞም ዘበርከቱ ጀጋኑ እዮም። ቅድም ኣብ ቃልሲ ኣብ በረኻ፡ ድሕሪ ዓወት ኣብ መንግስትነት ምስተኣትወ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓይልታት ኣብ ምሕያልን ሰላም ሃገሮም ኣብ ምውሓስ ዝተጻወትዎ ተራ ኣብ መዝገብ ቅያታት ትግራይ ብድሙቕ ቀለም ክጸሓፍ እዩ። ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ ስጋይ ስጋኻ እምበር ስረይ ስረኻ ስለዘየዋጽእ ምልኣተ ህዝቢ ኣንቂሕኩም ምሁርን ጻዕራምን ህዝቢ ክትሃንጹ ንጽውዕ” ኢሉ።

    መንእሰይ ሰናይ ካሕሳይ

    ምንጪ ስእሊ, Tigray Tv

  6. ኣብ ባህርዳር ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጽኡ ልኡኻት ይሳተፉ ኣለዉ

    ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ኣብ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ካብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ዝመጹ ልኡኻት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓቢሩ።

    ስነስርዓት ቀብሪ ብቐዳም ኣብ እኼባ እንከልዉ ናይ ዝተቐተሉ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን፡ ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ኣቶ ምግባሩ ከበደን፡ ኣብ ከተማ ባህር ዳር እዩ ይካየድ ዘሎ።

    ሬሳ እቶም ሰበስልጣን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ስቴድየም ባህር ዳር ተበጊሱ፡ ናብቲ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል 'ኣባይ ማዶ' ይውሰድ ኣሎ።

    ሓዘን

    ምንጪ ስእሊ, Amhara TV

  7. መኣዛ ኣምባቸው ኣብ ቀብሪ ኣቡኣ ካብ ዝበለቶ

    መኣዛ ኣምባቸው፡ ጓል ዶክተር ኣምባቸው መኮንን “ኣቦይ መሓዛይ ነይሩ። ሰብ ዘይንዕቕ፡ ንኹሉ ኣኽቢሩ ዝነብር ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ካብኡ ዝተማሃርናዮ ሰብ ምፍታው’ዩ። ለዋህን ቅኑዕን’ዩ። ንመሳርሕቱ’ኳ ብሽሞም ኣይጽውዖምን፤ ‘ሓወይ ዓለመይ’ ኢሉ እዩ ዝጽውዖም። ኣቦይ ጀግና’ዩ፤ ኣይፈርሕን። ጥይት ብግንባረይ’ዩ ዝብል ነይሩ፤ ሕዚ ድማ ከም ዝበሎ ክንቐብሮ ኢና”።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቐትሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሬሳ ካብ እስታድዩም ባህርዳር ይፋኖ ኣሎ።

    ምንጪ ስእሊ, Amhara TV

  8. “ሓየሎም ይሙት” ማሕላ ጀነራል ሰዓረ መኮነን

    ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳባጉና ተወሊዱ፡ ዓብዩን ተማሂሩን ኣብ ካልኣይ ዓመት ምምስራት ህወሓት ብ1968 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕደመኡ ናብቲ ቃልሲ ዝተጸምበረ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት'ዩ ኣሕሊፉዎ።

    ኣብ 1982 ሻዱሻይ ወራር ወይ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፡ ኣዚዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዕርድታት ሳሕል ንሰራዊት ደርግ መኪቱን ገጢሙን። ምስ ተጋደልቲ ህግሓኤ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ነቢሩን ተሳቲፉን ሓቢሮሞ ምስ ዝመጽኡ ሰራዊትን ኣዘዝትን ንሜዳ ትግራይ ተመሊሱ።

    ኦፕሬሽን ሰርዶ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ብጻምእ ማይ ዝሃለቕሉ፤ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህወሓት ፈተንቲ ዝበሃሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝኾኑ ይዝረብ። ጀነራል ሰዓረ ብህይወት ካብ ዝተረፉ ውሑዳት ሓደ እዩ።

    ቀጺሉ ድማ ኣብ ደብረ ታቦር ብፍላይ ካብ 1980 ኣቆጻጽራ ጀሚሩ ንክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዓብይ እጃም ከም ዝተጻወተ ይዝረብ። ኣብቲ እዋን መራሒ ብርጌድ ነይሩ።

    ኣብ ኣጋ ምዝዛም ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርጊ፡ ክሳብ መራሒ ክፍለ ሰራዊት በጺሑ። ካብኡ ድማ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ኾይኑ ቀጺሉ።

    ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ድማ፡ ኣብ ግንባር ቡሬ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮይኑ መሪሑ።

    ነባራት ተጋደልቲ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ ጀነራል ሰዓረ ናይ ጀነራል ሓየሎም ምሒር ፈታውን ዓርክን እዩ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ብሓባር ከም ዝተሳተፉን ፍሉይ ቅርበት ከም ዝነበሮምን ድማ ይዛረቡ።

    ካብዚ ቅርበቶም ሓሊፉ ጀነራል ሓየሎም ምስ ተቐትለ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብስሙ "ሓየሎም ይሙት" እናበለ ይምሕል ነይሩ።

    ጀነራል ሰዓረ፡ በዓል ሓዳር ኮይኑ ካብ መቓልስቱን ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ውሉድ ኣለዉዎ።

    እታ በኹሪ ውላዱ፡ ኣብ በረኻ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተወለደት እያ።

    እቲ ካልአይ ድሕሪ ዓወት ዝተወልደ ኮይኑ፡ ምስ ኦነግ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ናይ ዝተሰወአ ዝፈትዎ ተጋዳላይ ስም፤ መዓሾ ክብል ጸዊዑዎ።

    ጀነራል ሰዓረ መኮነን

    ምንጪ ስእሊ, ETV

  9. ኣብ ክልል ኣምሓራ'ውን ተመሳሳሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ 3 ሰበ ስልጣን ይካየድ ኣሎ, ካብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ዝመጹ ሰበ ስልጣን'ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

    ስነስርዓት ምፍናው ሬሳ ብቐዳም ኣብ እኼባ እንከልዉ ናይ ዝተቐተሉ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን፡ ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ኣቶ ምግባሩ ከበደን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ስታዲየም ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።

    እዞም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ብቐዳም ተኻይዱ ኣብ ዝተብሃለ ፈተነ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ እዮም ተቐቲሎም።

    ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ፡ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ።

    መንግስቲ ፌደራል ንቕትለት እዞም ኣመራርሓ ተሓታቲ ዝገበሮ፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ኣምሓራ ዝነበረ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ’ውን ኣብ ትውልዲ ከባቢኡ ላሊበላ ክቕበር እዩ።

    ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ከምዝተቐተለ ብሰኑይ እዩ ተገሊጹ።

    ኣብዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ዝመጹ ሰበ ስልጣን'ውን ይሳተፉ ከም ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቐ መኮነን ሓቢሩ።

    ስነ ስርዓት ምግናው ሬሳ ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ

    ምንጪ ስእሊ, AMHARA TV

  10. ኣብዪ ኣሕመድ ሓዘኑ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ላዕለዎት ስቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ብምቕታሎም "ዓሚቝን ልባውን ሓዘን" ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

    ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ዕላማ ናይቶም ቀተልቲ "ሰለስተ ነገራት ንምስዓብ ምዃኑ ግልጺ እዩ" ይብል።

    "ብሓደ ወገን ንሃዋርያት እቲ ለውጢ ብምቕታል ነቲ ለውጢ ደው ምባል፣ ብኻልእ ወገን ህዝብና ዝተጋገየ ምስሊ ሒዙ ነንሓድሕዱ ከይተኣማመን ምግባር፣ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ሞራልን ክብርን ሓይልታት ጸጥታ ብምትንካፍን ሓድነቱ ብምክፍፋልን ሃገር ናብ ሓደጋ ምቅላዕ እዩ" ይብል።

    እዚ ግን "ኣይሰመረን" ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ "ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ኣይሃበናን" ድማ ኢሉ።

    ንሱ ዋላኳ ብኸምዚ መገዲ ሓዘኑ እንተገለጸ፤ ኣብ መቐለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀብሪ ጀነራላት፡ መናእሰይ ትግራይ ኣንጻር ኣብዪ ኣሕመድ ተቓውሞታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  11. ካብ ክልል ኦሮምያ ዝመጽኡ ኣባ ገዳ

    ካብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝመጽኡ ኣባ ገዳ [ ከም ሰብ] "እንስሳ ክመውት እኳ ኣይፈቅድን፡ ብጣዕሚ ኢና ሓዚንና፡ ምጽንናዕ ኢና ንምነ። ንዘለው ጸገማት ተዘራሪብካ ምፍታሕ እናተኻእለ ከምዚ ምፍጣሩ ዘሕዝን’ዩ። ኣብዚ ዘመን'ዚ ኣጽዋር ተጠቒምካ ብሓይሊ ስልጣን ምሓዝ ኣይክኣልን። ብኣንጻር'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥፍኣት ንዝፈጸሙ ሰባት ናብ ሕጊ ከቕርብን ልዕልነት ሕጊ ከኽብርን ሓላፍነት ኣለዎ”

    ኣባ ጋዳ

    ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

  12. ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ከርያ ኢብራሂም ዓሊ

    "ንሰዓር ብምቕታል፡ መንግስታዊ ትካል ምፍራስ ዝከኣል ዝመሰሎም ኣኽረርቲ፡ ንህዝቢ ዳግማይ ክረግጹን ክጭፍልቑን ስለዝደልዩ እዮም ነቲ ተግባር ፈጺሞምዎ። እቲ ኣማውታ እዩ ዘሕዝን እምበር ጅግና እንተሞተ ዕላማ ኣይመውትን እዩ። እቶም ግፍዒ ዝፈጸሙ ሰባት ግን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም ዝግበኦም ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክረኽቡ ኣለዎም።" ኢላ።

    ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ከርያ ሓሰን

    ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

  13. ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትርን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡

    ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትርን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ “ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ክዝረብ ጸኒሑ'ዩ። ከይበላዕና ከም ዝበላዕና፣ ህዝቢ ከም ዝሓለፈሉ እናተነገረ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣሉታዊ ስምዒት ንክህልዎ ወፍሪ’ዩ ነይሩ። ቅትለት እዞም ጀነራላት ድማ፡ ነቲ ዝንዛሕ ዝነበረ መርዚ ዘንጸባርቕ እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ንጹር ፖለቲካዊ መልሲ እናሃብና መጺእና። ህዝብና በዚ ቅትለትን ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህውን ጸላእን ፈታውን ፈሊጡ፡ ሓይሊ ህዝብን ሓይሊ ትምክሕትን ፈልዩ ንክረግእ ንስርሕ ኣለና" ኢላ።

    ፈትለወርቅ

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

  14. ጀነራል ሰዓረ መኮነን መን'ዩ?

    • ካብ 1969 ክሳብ ታሕሳስ 1971 ዓ.ም፡ መበል 91ን 73 ኣብ ዝብሃላ ሓይልታት ተራ ተዋጋእን ኣመራርሓን ነይሩ
    • ክረምቲ 1970፡ ደርጊ ኣብ ዘካየዶ '3ይ ወራር' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ወፍሪ፡ ኣንጻር ደርጊ ብጅግንነት ተዋጊኡ
    • ካብ ታሕሳስ 1971 ክሳብ 1972 መራሒ ጋንታ ኾይኑ
    • ካብ ታሕሳብ 1972 ክሳብ 1973፡ ኣብ ቦጦሎኒታት 573 ከምኡ ድማ 753፡ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ
    • ካብ 1974 - 1975 ኣብ ብርጌድ 43፡ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ብምዃን ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ፡ ኣብ ሳሕል ነቲ ወፍሪ ንምክልኻልን ንምፍሻልን፡ መራሒ ኮይኑ ተዋጊኡ
    • ካብ ጥሪ 1974 ክሳብ 1977 ዓ.ም፡ ኣብ ብርጌድ 43ን 45ን ኣዛዚ ቦጦሎኒ፤ ከምኡ'ውን 1978 ምክትል ኣዛዚ ብርጌድ ኮይኑ፤ ኣብ ከባቢ ራያ፡ ደርጊ ንዘካይዶም ተደጋገምቲ ወፍርታት ብምምካት፡ ጽንዓት ተጋደልቲ ኣብ ዝፈተነ ፍሉይ 'ወፍሪ ሰርዶ' መራሒ ነይሩ
    • 30 ጥሪ 1978፡ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝነበሩ 1300 እሱራት ነጻ ኣብ ዘውጽአ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ፡ ምኽትል ኣዛዚ ብርጌድ ብምዃን፡ ዘኹርዕ ጀግንነት ፈጺሙ
    • ካብ 1979 ክሳብ 81 ድማ፤ ኣዛዚ ብርጌድ 70 ኮይኑ። ኣብ ወፍሪ ብሩህ፣ ወፍሪ ድልድልን ወፍሪ ስሙር ቕልጽምን ክፍላተ ሰራዊት ደርጊ ንምድምሳስ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ብርጌዱ መሪሑ ንዓወት ኣብቂዑ
    • ካብ መስከረም ክሳብ ለካቲት 1981፡ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ዓሪዱ ዝነበረ ኮር 604 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ደርጊ ብተኸታተልቲ ውግኣት ኣዳኺምኻ ንምድምሳስ፣ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ደርጊ ካብ መላእ ትግራይ ጸራሪግካ ንምውጻእ ኣብ ዝተካየዱ ወፍርታት'ውን ሰራዊቱ መሪሑ ኣዐዊቱ
    • መስከረም ክሳብ ጥሪ 1982፡ መላእ ደቡብ ወሎ፣ ፍርቂ ሰሜን ሸዋን ደቡብ ጎንደርን ነጻ ዘውጽአ 'ፋና ኢህወዴግ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወፍሪ፤ ልዑል ጽንዓት ኣብ ዝሓተተ ኲናት 'ጉና'፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ደብረታቦር መራሒ ነይሩ
    • ኣብ መፋርቕ 1983፡ ደሴን ሰሜን ሸዋን ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ 'ወፍሪ ዋለልኝ'፤ ከምኡ'ውን 'ወፍሪ ወጋገን' ኣብ ዝተሰምየ ሰራዊት ደርጊ ጠቕሊልኻ ንምድምሳስ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ውዒሉ
    • ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኣብ እዋን ስግግር መንግስቲ፡ ብመሰረት ኣወዳድባ ሰራዊት ኢህወደግ፡ ሓላፊ ወፍሪ ምብራቕ እዚ ኮይኑ
    • ግንቦት 1990፡ ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣዛዚ ግንባር ቡሬ ኮይኑ ሉኣላውነት እታ ሃገር ሓልዩ። ኣብ 'ወፍሪ ጸሓይ ዕራርቦ' ኣዛዚ ጸጋማይ ክንፊ ነይሩ
    • ካብ 1992 ክሳብ 1994 ዓ.ም ዋና ኣዛዚ ኮር 107፣ 1994 ክሳብ 97፡ ናይ 'ኣርሚ ሓደ' ዋና ኣዛዚ ግንባር ሰሜን፣ ክሳብ 2006 ድማ፤ ዋና ኣዛዚ ሰሜን እዚ ኮይኑ ኣገልጊሉ
    • ክሳብ ግንቦት 2010፡ ምክትል ሹም ኢታማዦር ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ሹም ኢታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣገልጊሉ

    ትምህርትን ውልቃዊ ህይወትን ጀነራል ሰዓረ

    • ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ኣብ 1988 ምሉእ ኮነሬል፣ 2010 ዓ.ም ድማ ሙሉእ ጀነራል ኮይኑ
    • ቀዳማይ ሜዳሊያ ተሳትፎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሜዳሊያን ኒሻንን ካብ መንግስቲ ፌደራል ተበርኪትሉ
    • ቀዳማይ ዲግሪ ብማኔጅመንት ኣብ ለንደን ዩኒቨርሲቲ ግሪኒች ተኸታቲሉ
    • ብዘፈር ትምህርቲ 'ኢንፎርሜሽናል ሊደርሺፕ'፡ ካልኣይ ዲግሪ ነይርዎ
    • ካብ በዓልቲ ቤቱ ኮነሬል ጽገ ኣለማየሁ ክልተ ቖልዑ [ጓልን ወድን] ኣፍሪዩ'ዩ።
    ጀነራል ሰዓረ መኮነን

    ምንጪ ስእሊ, ETV

  15. ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ መን'ዩ?

    • ካብ ወለዱ ቀኝኣዝማች ኣበራ ደስታን፡ ወይዘሮ ሙሉ ኣብርሃን ወርሒ ጥሪ 1953 ዓ.ም ኣብ ኣኽሱም ተወሊዱ፡ 1969 ናብ ቃልሲ ተጸምቢሩ
    • ካብ 1969 ክሳብ 1970 ኣብ መበል 30 ሓይሊ ህወሓት ተዋጋኢ ነይሩ፤ ኣብ ግንቦት 1970 ክሳብ መወዳእታ ዓመት 1971 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ማእከላይ ግንባር፡ ሓላፊ ክፍሊ ኢኮኖሚ ነይሩ
    • ካብ 1972 ክሳብ 1975 ሓላፊ ስንቅን ንብረትን ሪጅን ክልተ ኮይኑ ኣገልጊሉ
    • ካብ 1976 ክሳብ 1978 ሰራዊት ህወሓት ናይ ባዕሉ ናይ ሎጀስቲክስ ደገፍ ዝህብ ኣካል ክህልዎ ኣወዳድባ ክግበር እንከሎ፡ ገዛኢ ነዚ ሓድሽ ሓሳብን ኣካይዳን መልክዕ ኣትሒዙን መሪሑን
    • 1980፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ሎጀስቲክስ ኮይኑ
    • ደርጊ ካብ ትግራይ ጠቅሊሉ ክወጽእ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት 1980 ክሳብ 81፡ ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት እጃሙ ኣበርኪቱ
    • ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብሓድሽ መልክዕ እንትቖም፡ ሓላፊ መምርሒ ስንቅን ንብረትን ሚኒስቴር ምክልኻል ኮይኑ
    • ካብ 1985 ክሳብ 2005 ሓላፊ መምርሒ ሎጀስቲክስን ሰራዊት ምክልኻል ኾይኑ ሓድሽ ኣወዳድባ ብምፍጣር፡ በብብርኩ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሎጀስቲክስ ስልጠናን ትምህርትን ክረኽቡ ገይሩ
    • ግንቦት 1990፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ልዑል ሎጀስቲክስ ዝሓቱ ወፍርታት ኣብ ምምላእ መሪሕነት ነይሩዎ
    • 1988፡ መዓርግ ሙሉእ ኮነሬል ረኺቡ። 1996፡ ናብ መዓርግ ሜጀር ጀነራል በጺሑ።

    ደረጃ ትምህርትን ውልቃዊ ህይወትን

    • 1986፡ ብሎጀስቲክስ ማኔጅመንት ኣብ ኣሜሪካ ቀዳማይ ዲግሪ ተማሂሩ
    • 1998፡ ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን ካብ ለንደን ኦፕን ዩኒቨርሲቲ ካልኣይ ዲግሪ፡ ከምኡ'ውን ብሎጀስቲክስ ማኔጅመንት ካልኣይ ዲግሪኡ ረኺቡ እዩ
    • 2005፡ ብኸይዲ ምትኽኻእ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ብጥሮታ ተሰናቢቱ
    • ክሳብ ሕጂ መምርሒታት ፐብሊክ ትራንስፖርት ብምድላው፣ ቦርድ ብምምራሕ፣ ኣማኻሪ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ'ውን ሰሪሑ
    • 15 ሰነ 2011 ኣብ 58 ዓመቱ ተቐቲሉ
    • ካብ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ኣበባ ዘሚካኤል ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ወሊዱ
    ሜጀር ጀራል ገዛኢ ኣበራ

    ምንጪ ስእሊ, ETV

  16. ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራላት ካብ ገዳርፍ ዝመጹ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ይሳተፉ ኣለዉ

    ኣብዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ዝመጽኡ ሰበ ስልጣን ሱዳን እውን ይሳተፉ ኣለዉ።

    ኢታ ማጆር ሹም፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝሓለፈ ቀዳም፤ ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮነን'ዮም ብዓጃቢ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም።

    እቲ ነቶም ጀነራላት ዝቐተሎም ሰብ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተታሓዘ ክሕበር እንከሎ፡ ድሒሩ'ውን ኣንጻር እቲ ዝተብሃለ፡ ነዞም ጀነራላት ድሕሪ ምቕታሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ዝሕበር ሓበሬታ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ተዋሂቡ፡ ኣማስይኡ ነዚ ኹሉ ዘፍርስ ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑን ተወጊኡ ከም ዝተታሓዝን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሕክምና ከም ዝርከብ ካብ ፖሊስ ኮምሽን ምስ ይቕሬትኡ ተሓቢሩ።

    እዘን ካልእን ተደማሚሩ ካብ መንግስቲ ዝውሃብ ዘሎ ሓበሬታ ንሓድሕዱ ይዋቓዕ ብምህላዉ ኣብ ብዙሓት ምጥራጣርት ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ገዳርፍ ዝመጹ ሰበ ስልጣን ሱዳን ይሳተፉ ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE

  17. ርእይቶ መቓልስቲ ጀነራላት ሰዓረን ገዛኢን

    ተሳተፍቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ መቓልስቲ ጀነራላት ሰዓረን ገዛኢን ካብ ዝሃብዎ ቃል፦

    “ እዞም ሰባት ኣብ ግዜ ቃልሲ ንነዊሕ እየ ዝፈልጦም። ናብ መዓርግ ጀነራልነት ብቐሊሉ ኣይበጽሑን። ጀነራልነት ብኩናትን ጀግንነትን ጥራሕ ኣይኮነን ዝብጻሕ። ለባማት ትሑታት ፈቃራት እዮም ነይሮም። ሓልዮት ሰብ ዘለዎም ሰባት እዮም።

    ንሓደ ሰብ ብኩናት ጥራሕ ኣይኮንካን ጅግና ትብሎ። ብቐንዱ፡ ብሓሳባቱ፡ ኣረኣእያኡን ጽንዓት ዕላምኡን ኢኻ ጅግና ትብሎ። እዞም ሰባት ከኣ ብኹሉ ሚዛን ጀጋኑ እዮም ነይሮም። ብሰራዊቶም ዝሓስቡን ዝጭነቑን፡ ጸገማት ሰራዊቶም ክፈትሑ ዝጽዕሩን እዮም ነይሮም።

    ኣማውታኦም እዩ ዘሕዝን እምበር ኣብቲ ቐደም ጸኒዖም ዝኸዱዎ ጉዕዞ ሓርነት እዮም ሓሊፎም። ሰባት ክትቀትል ትኽእል ኢኻ። ጉዕዞ ሓርነት ግን ኣይዓርፍን እዩ። ሞት ናይዞም ሰባት ዘሕዝን’ዩ። ግን ሓዚንካ ስቕ ምባል ግን ኣይኮነን። ነዚ ታሪኻዊ ስሕተት ዝፈጸሙ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ ሕጊ ክቐርቡን ብዝፈጸምዎ ክፍረዱን ኣለዎም” ኢሉ።

  18. ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን መሪሕነቱን ዘነጻጸሩ፡ ናይ ተቓውሞ ቃላትን ድምጽታትን ይስምዑ ኣለው

    ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሹም ኢታማዦር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን መሪሕነቱን ዘነጻጸሩ፡ ናይ ተቓውሞ ቃላትን ድምጽታትን ይስምዑ ኣለው።

    እቲ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ካብ ትማሊ ጀሚሩ እዩ ይስማዕ ዘሎ።

    ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን መሪሕነቱን ዘነጻጸሩ፡ ናይ ተቓውሞ ቃላትን ድምጽታትን ይስምዑ ኣለው

    ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE

  19. ኣቀባብላ ሬሳ ሹም ኢታማዦር ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ሰዓረን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ከመይ ነይሩ?

    ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፡ መራሕቲ ውድብ ህወሓትን ስደራ ቤት ናይቶም ጀነራላትን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቦም ንሬሳ እቶም ጀነራላት ዝተቐበልዎ ትማሊ እዩ።

    ኣብቲ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ ማእከል ከተማ መቐለ ዝኣቱ 10 ኪሜ ጽርግያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ'ታ ከተማን ከባቢኣን ።

    ብዙሓት መካይን'ውን፡ ነተን ሬሳታት ዝጸዓና መካይን ኣሰንየን ከም ዝኣተዋ ወኪል ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ስራቤቶምን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣደራሽ ሚሌንየም ወግዓዊ ናይ ምፍናው መደብ ተኻይዱሎም።

    ኣብቲ ስነስርዓት ነባራት መራሕቲ ኢህወደግን፡ ኢታማጆር ሹም ዝነበሩ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ሌ/ጀ ጻድቃን ገብረትንሳኤን ተረኺቦም ነይሮም።

    ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዝኾነ ጀነራል ሰዓረ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ ይርከብ።

    እቲ ፈለማ ነብሱ ከም ዝቐተለ ዝተሓበረ፡ ሓላዊ ድሒሩ ብሂወት ከም ዘሎን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን ኮሚሽነር ፓሊስ ፈደራል ኣብ ዝሃቦ መኣረምታ ገሊጹ።

    እቲ ኣብኣቶም ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቁረብ ሰዓታት ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ባሀርዳር፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝተገብረ መጥቃዕቲ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ናይ ባህርዳር መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ምቕታሎም ይዝከር።

    ነቲ መጥቃዕቲ ኣወሃሃኢዱ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተገልጸ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብታ ከተማ ባህርዳር ተቐቲሉ ክብል ፓሊስ ፈደራል ገሊጹ።

    ኣፈኛ ናይቲ ክልል፡ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ዛጊት ኣይተፈልጠን ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

    ትማሊ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ድማ 178 ምስቲ መጥቃዕትታት ምትእስሳር ኣለኩም ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ምብራህ ጥዋፍ

    ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

  20. ንኽብሪ እቶም ጀነራላት 17 መዳፍዕ ክትኮስ'ዩ፡

    ንኽብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን 17 መዳፍዕ ክትኮስ'ዩ።

    ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ ካቴድራል ቤተክስርቲያን ቅዱስ ገብርኤል መቐለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ እዩ ክፍጸም።