ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን ዝምልከት ክነቕርበልኩም ዝወዓልና ቀጥታዊ ሓበሬታታት ኣብዚ ኣብቂዑ'ሎ።
ንምሉእ ትሕዝቶ እዚ ውዕሎ፡ ንታሕቲ እናወረድኩም ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ስለዝተኸታተልኩምና ኣዚና ነመስግን።
ብሩኽ ምሸት!!
ኣብ መቐለ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ይካየድ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ'ውን ስነ ስርዓት ቀብሪ 3 ሰበስልጣን እቲ ክልል ይካየድ ኣሎ። ኣብዞም ስነስርዓት ቀብርታት ንዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ብጽሑፍ ስእልን ቪድዮን ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቀብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን ዝምልከት ክነቕርበልኩም ዝወዓልና ቀጥታዊ ሓበሬታታት ኣብዚ ኣብቂዑ'ሎ።
ንምሉእ ትሕዝቶ እዚ ውዕሎ፡ ንታሕቲ እናወረድኩም ክተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ስለዝተኸታተልኩምና ኣዚና ነመስግን።
ብሩኽ ምሸት!!
ቀብሪ ሹም ኢታማዦር ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብልዑል ክብሪ፡ መቐለ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ተፈጺሙ።
ንኽብሮም 17 መድፍዕ ዝተተኮሰ ክኸውን ከሎ፤ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።
ብድሕሪኡ ድማ: ሰበ ስልጣን ኣክሊል ዕንበባ ኣንቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተፈጸመ ቕትለት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ገበንን ኮኒኑ።
ቅድሚ 31 ዓመት ኣብ ሓውዜን 15 ሰነ ብስርዓት ደርጊ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዘብጽሖ ኪሳራ ዝጠቐሰ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት እቶም ጀነራላት ምቕታሎም ነቲ ሓዘን ከም ዘኽብዶ ተዛሪቡ።
“እቲ ግፍዓዊ መቕተልቲ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕዘነ ኮይኑ፡ ከምቶም ቅድሚኦም ንህዝቢ ክብሉ ዝተሰውኡ፡ እዞም ጀነራላት ብኽብሪ ሓሊፎም ኣለው” ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኩሉ ንህዝቢ ዝወገነ ኣካል ካብዞም ብጾት ብዙሕ ክመሃር ይኽእል’ዩ ኢሉ።
“ንሃገር ዘገልግል ዘሎ ንቕንጸላ ከመይ ተሓርዩ?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል መደርኡ ዝቐጸለ እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፡ “እዚ መጥቃዕቲ ብጸረ ህዝቢ ዝተፈጸመ ሃገር ክብትኑ፣ ስልጣን ብሓይሊ ክሕዙ፣ ኣብ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ብምጣር ስርዓት ኣፍሪሶም ንትግራይ ከሰኩኑ ምሕሳቦም ዘርኢ ፍጻመ’ዩ” ኢሉ።
ብኻልእ ገጽ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ዝርከቡ ተጋሩ ጀነራላት ብተኣማንነት ስለ ዘገለግሉ ተጠመትቲ ተገይሮም ብምጽንሖም፡ ‘ልዕልነት ትግራይ ኣሎ’ ንዝብል ተረኽ ዕድል ብምሃቡ፡ “ትግራይ ሕልፊ ተጠቃሚት’ያ ተባሂሉ ሽርሒ እናተሰርሐ መጺኡ” ዝብል ዘረባ ኣስሚዑ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ምስ መጽአ፡ ዲሞክራሲያዊ ምህዳር እታ ሃገር ንምስፋሕ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክፍታሑ’ኳ እንተተገበረ፡ እዚ ግን ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ስርዓት ኣልቦነት ክሰፍሕ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ ኢሉ።
“ዓዲ፣ ህዝቢ ክክሕሱ’ዮም ተባሂሉ ክንደይ ጉድ ዘሎዎም ካብ ዝተኣሰርሉ ሕጊ ብምጥሓስ’ውን ተፈቲሖም፤ ግን ሃገር መዐንደሪ ጽንፈኛታትን ጸረ ሕገመንግስትን ኮይና፣ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ተዛቢዑ፣ ሳዕቤኑ ድማ ወግሐ ጸብሐ ሞት እናቖጸርና እናመዝገብና ንርከብ” ኢሉ።
እዚ፡ ኣንፈት ቃልስና ደጊምና ክንፍትሽን ክነመዓርንን ከም ዘለና የመላኽት’ዩ ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ “ይኣክል ክንብሎም ኣለና፤ ከም ትግራይ እንዕገሶ ትምክሕተኛ ሓይሊ የለን። ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ዳግም ኣሰላልፍኦም ክፍትሹን ተሓባቢርና ናብቲ ትኽክለኛ ቦትኦም ክነእትዎምን ይግባእ” ክብል ኣርጊጹ ተዛሪቡ።
ንሕና፡ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ድልውነት ኣለና ብምባል፡ ኢትዮጵያ ናብ ዕንክሊል ቅድሚ ምእታዋ፡ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስ ይኣክል፡ ይመዓራረር ኢሉ ህዝቢ ትግራይ የተሓሳስብ ኣሎ ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።
ኩሎም ንሕገ መንግስትን ስርዓት ፌደራሊዝምን ደው ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ነዚ ተግባር ክኹንኑ ጸዊዑ፤ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፉ ኩሎም መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቁጽጽር ከውዕሎም ይግባእ ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
ሬሳ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን ካብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ተበጊሱ ናብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ብክብሪ ተሰንዩ ይውሰድ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane
ንመንእሰያት ትግራይ ዝወከለ መንእሰይ ሰናይ ካሕሳይ
ጀነራል ሰዓረን ገዛኢን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኻውን ሕጋውን ምዃኑ ኣሚኖም፡ ምስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ናጽነት ኤርትራ እጃሞም ዘበርከቱ ጀጋኑ እዮም። ቅድም ኣብ ቃልሲ ኣብ በረኻ፡ ድሕሪ ዓወት ኣብ መንግስትነት ምስተኣትወ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓይልታት ኣብ ምሕያልን ሰላም ሃገሮም ኣብ ምውሓስ ዝተጻወትዎ ተራ ኣብ መዝገብ ቅያታት ትግራይ ብድሙቕ ቀለም ክጸሓፍ እዩ። ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ ስጋይ ስጋኻ እምበር ስረይ ስረኻ ስለዘየዋጽእ ምልኣተ ህዝቢ ኣንቂሕኩም ምሁርን ጻዕራምን ህዝቢ ክትሃንጹ ንጽውዕ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Tigray Tv
ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ኣብ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ካብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ዝመጹ ልኡኻት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓቢሩ።
ስነስርዓት ቀብሪ ብቐዳም ኣብ እኼባ እንከልዉ ናይ ዝተቐተሉ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን፡ ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ኣቶ ምግባሩ ከበደን፡ ኣብ ከተማ ባህር ዳር እዩ ይካየድ ዘሎ።
ሬሳ እቶም ሰበስልጣን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ስቴድየም ባህር ዳር ተበጊሱ፡ ናብቲ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል 'ኣባይ ማዶ' ይውሰድ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Amhara TV
መኣዛ ኣምባቸው፡ ጓል ዶክተር ኣምባቸው መኮንን “ኣቦይ መሓዛይ ነይሩ። ሰብ ዘይንዕቕ፡ ንኹሉ ኣኽቢሩ ዝነብር ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ካብኡ ዝተማሃርናዮ ሰብ ምፍታው’ዩ። ለዋህን ቅኑዕን’ዩ። ንመሳርሕቱ’ኳ ብሽሞም ኣይጽውዖምን፤ ‘ሓወይ ዓለመይ’ ኢሉ እዩ ዝጽውዖም። ኣቦይ ጀግና’ዩ፤ ኣይፈርሕን። ጥይት ብግንባረይ’ዩ ዝብል ነይሩ፤ ሕዚ ድማ ከም ዝበሎ ክንቐብሮ ኢና”።

ምንጪ ስእሊ, Amhara TV
ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳባጉና ተወሊዱ፡ ዓብዩን ተማሂሩን ኣብ ካልኣይ ዓመት ምምስራት ህወሓት ብ1968 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕደመኡ ናብቲ ቃልሲ ዝተጸምበረ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት'ዩ ኣሕሊፉዎ።
ኣብ 1982 ሻዱሻይ ወራር ወይ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፡ ኣዚዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዕርድታት ሳሕል ንሰራዊት ደርግ መኪቱን ገጢሙን። ምስ ተጋደልቲ ህግሓኤ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ነቢሩን ተሳቲፉን ሓቢሮሞ ምስ ዝመጽኡ ሰራዊትን ኣዘዝትን ንሜዳ ትግራይ ተመሊሱ።
ኦፕሬሽን ሰርዶ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ብጻምእ ማይ ዝሃለቕሉ፤ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህወሓት ፈተንቲ ዝበሃሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝኾኑ ይዝረብ። ጀነራል ሰዓረ ብህይወት ካብ ዝተረፉ ውሑዳት ሓደ እዩ።
ቀጺሉ ድማ ኣብ ደብረ ታቦር ብፍላይ ካብ 1980 ኣቆጻጽራ ጀሚሩ ንክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዓብይ እጃም ከም ዝተጻወተ ይዝረብ። ኣብቲ እዋን መራሒ ብርጌድ ነይሩ።
ኣብ ኣጋ ምዝዛም ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርጊ፡ ክሳብ መራሒ ክፍለ ሰራዊት በጺሑ። ካብኡ ድማ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ኾይኑ ቀጺሉ።
ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ድማ፡ ኣብ ግንባር ቡሬ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮይኑ መሪሑ።
ነባራት ተጋደልቲ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ ጀነራል ሰዓረ ናይ ጀነራል ሓየሎም ምሒር ፈታውን ዓርክን እዩ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ብሓባር ከም ዝተሳተፉን ፍሉይ ቅርበት ከም ዝነበሮምን ድማ ይዛረቡ።
ካብዚ ቅርበቶም ሓሊፉ ጀነራል ሓየሎም ምስ ተቐትለ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብስሙ "ሓየሎም ይሙት" እናበለ ይምሕል ነይሩ።
ጀነራል ሰዓረ፡ በዓል ሓዳር ኮይኑ ካብ መቓልስቱን ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ውሉድ ኣለዉዎ።
እታ በኹሪ ውላዱ፡ ኣብ በረኻ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተወለደት እያ።
እቲ ካልአይ ድሕሪ ዓወት ዝተወልደ ኮይኑ፡ ምስ ኦነግ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ናይ ዝተሰወአ ዝፈትዎ ተጋዳላይ ስም፤ መዓሾ ክብል ጸዊዑዎ።

ምንጪ ስእሊ, ETV
ስነስርዓት ምፍናው ሬሳ ብቐዳም ኣብ እኼባ እንከልዉ ናይ ዝተቐተሉ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን፡ ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ኣቶ ምግባሩ ከበደን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ስታዲየም ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።
እዞም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ብቐዳም ተኻይዱ ኣብ ዝተብሃለ ፈተነ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ እዮም ተቐቲሎም።
ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ፡ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራል ንቕትለት እዞም ኣመራርሓ ተሓታቲ ዝገበሮ፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ኣምሓራ ዝነበረ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ’ውን ኣብ ትውልዲ ከባቢኡ ላሊበላ ክቕበር እዩ።
ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ከምዝተቐተለ ብሰኑይ እዩ ተገሊጹ።
ኣብዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ኤርትራን ካብ ሱዳንን ዝመጹ ሰበ ስልጣን'ውን ይሳተፉ ከም ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቐ መኮነን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AMHARA TV
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ላዕለዎት ስቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ብምቕታሎም "ዓሚቝን ልባውን ሓዘን" ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ዕላማ ናይቶም ቀተልቲ "ሰለስተ ነገራት ንምስዓብ ምዃኑ ግልጺ እዩ" ይብል።
"ብሓደ ወገን ንሃዋርያት እቲ ለውጢ ብምቕታል ነቲ ለውጢ ደው ምባል፣ ብኻልእ ወገን ህዝብና ዝተጋገየ ምስሊ ሒዙ ነንሓድሕዱ ከይተኣማመን ምግባር፣ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ሞራልን ክብርን ሓይልታት ጸጥታ ብምትንካፍን ሓድነቱ ብምክፍፋልን ሃገር ናብ ሓደጋ ምቅላዕ እዩ" ይብል።
እዚ ግን "ኣይሰመረን" ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ "ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ኣይሃበናን" ድማ ኢሉ።
ንሱ ዋላኳ ብኸምዚ መገዲ ሓዘኑ እንተገለጸ፤ ኣብ መቐለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀብሪ ጀነራላት፡ መናእሰይ ትግራይ ኣንጻር ኣብዪ ኣሕመድ ተቓውሞታቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ካብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝመጽኡ ኣባ ገዳ [ ከም ሰብ] "እንስሳ ክመውት እኳ ኣይፈቅድን፡ ብጣዕሚ ኢና ሓዚንና፡ ምጽንናዕ ኢና ንምነ። ንዘለው ጸገማት ተዘራሪብካ ምፍታሕ እናተኻእለ ከምዚ ምፍጣሩ ዘሕዝን’ዩ። ኣብዚ ዘመን'ዚ ኣጽዋር ተጠቒምካ ብሓይሊ ስልጣን ምሓዝ ኣይክኣልን። ብኣንጻር'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥፍኣት ንዝፈጸሙ ሰባት ናብ ሕጊ ከቕርብን ልዕልነት ሕጊ ከኽብርን ሓላፍነት ኣለዎ”

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
"ንሰዓር ብምቕታል፡ መንግስታዊ ትካል ምፍራስ ዝከኣል ዝመሰሎም ኣኽረርቲ፡ ንህዝቢ ዳግማይ ክረግጹን ክጭፍልቑን ስለዝደልዩ እዮም ነቲ ተግባር ፈጺሞምዎ። እቲ ኣማውታ እዩ ዘሕዝን እምበር ጅግና እንተሞተ ዕላማ ኣይመውትን እዩ። እቶም ግፍዒ ዝፈጸሙ ሰባት ግን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም ዝግበኦም ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክረኽቡ ኣለዎም።" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትርን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ “ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ክዝረብ ጸኒሑ'ዩ። ከይበላዕና ከም ዝበላዕና፣ ህዝቢ ከም ዝሓለፈሉ እናተነገረ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣሉታዊ ስምዒት ንክህልዎ ወፍሪ’ዩ ነይሩ። ቅትለት እዞም ጀነራላት ድማ፡ ነቲ ዝንዛሕ ዝነበረ መርዚ ዘንጸባርቕ እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ንጹር ፖለቲካዊ መልሲ እናሃብና መጺእና። ህዝብና በዚ ቅትለትን ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህውን ጸላእን ፈታውን ፈሊጡ፡ ሓይሊ ህዝብን ሓይሊ ትምክሕትን ፈልዩ ንክረግእ ንስርሕ ኣለና" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane
ትምህርትን ውልቃዊ ህይወትን ጀነራል ሰዓረ

ምንጪ ስእሊ, ETV
ደረጃ ትምህርትን ውልቃዊ ህይወትን

ምንጪ ስእሊ, ETV
ኣብዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ዝመጽኡ ሰበ ስልጣን ሱዳን እውን ይሳተፉ ኣለዉ።
ኢታ ማጆር ሹም፡ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝሓለፈ ቀዳም፤ ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮነን'ዮም ብዓጃቢ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም።
እቲ ነቶም ጀነራላት ዝቐተሎም ሰብ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተታሓዘ ክሕበር እንከሎ፡ ድሒሩ'ውን ኣንጻር እቲ ዝተብሃለ፡ ነዞም ጀነራላት ድሕሪ ምቕታሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ዝሕበር ሓበሬታ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ተዋሂቡ፡ ኣማስይኡ ነዚ ኹሉ ዘፍርስ ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑን ተወጊኡ ከም ዝተታሓዝን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሕክምና ከም ዝርከብ ካብ ፖሊስ ኮምሽን ምስ ይቕሬትኡ ተሓቢሩ።
እዘን ካልእን ተደማሚሩ ካብ መንግስቲ ዝውሃብ ዘሎ ሓበሬታ ንሓድሕዱ ይዋቓዕ ብምህላዉ ኣብ ብዙሓት ምጥራጣርት ፈጢሩ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE
ተሳተፍቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ መቓልስቲ ጀነራላት ሰዓረን ገዛኢን ካብ ዝሃብዎ ቃል፦
“ እዞም ሰባት ኣብ ግዜ ቃልሲ ንነዊሕ እየ ዝፈልጦም። ናብ መዓርግ ጀነራልነት ብቐሊሉ ኣይበጽሑን። ጀነራልነት ብኩናትን ጀግንነትን ጥራሕ ኣይኮነን ዝብጻሕ። ለባማት ትሑታት ፈቃራት እዮም ነይሮም። ሓልዮት ሰብ ዘለዎም ሰባት እዮም።
ንሓደ ሰብ ብኩናት ጥራሕ ኣይኮንካን ጅግና ትብሎ። ብቐንዱ፡ ብሓሳባቱ፡ ኣረኣእያኡን ጽንዓት ዕላምኡን ኢኻ ጅግና ትብሎ። እዞም ሰባት ከኣ ብኹሉ ሚዛን ጀጋኑ እዮም ነይሮም። ብሰራዊቶም ዝሓስቡን ዝጭነቑን፡ ጸገማት ሰራዊቶም ክፈትሑ ዝጽዕሩን እዮም ነይሮም።
ኣማውታኦም እዩ ዘሕዝን እምበር ኣብቲ ቐደም ጸኒዖም ዝኸዱዎ ጉዕዞ ሓርነት እዮም ሓሊፎም። ሰባት ክትቀትል ትኽእል ኢኻ። ጉዕዞ ሓርነት ግን ኣይዓርፍን እዩ። ሞት ናይዞም ሰባት ዘሕዝን’ዩ። ግን ሓዚንካ ስቕ ምባል ግን ኣይኮነን። ነዚ ታሪኻዊ ስሕተት ዝፈጸሙ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ ሕጊ ክቐርቡን ብዝፈጸምዎ ክፍረዱን ኣለዎም” ኢሉ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሹም ኢታማዦር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን መሪሕነቱን ዘነጻጸሩ፡ ናይ ተቓውሞ ቃላትን ድምጽታትን ይስምዑ ኣለው።
እቲ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ካብ ትማሊ ጀሚሩ እዩ ይስማዕ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, DMTSI WEYANE
ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፡ መራሕቲ ውድብ ህወሓትን ስደራ ቤት ናይቶም ጀነራላትን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቦም ንሬሳ እቶም ጀነራላት ዝተቐበልዎ ትማሊ እዩ።
ኣብቲ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ ማእከል ከተማ መቐለ ዝኣቱ 10 ኪሜ ጽርግያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ'ታ ከተማን ከባቢኣን ።
ብዙሓት መካይን'ውን፡ ነተን ሬሳታት ዝጸዓና መካይን ኣሰንየን ከም ዝኣተዋ ወኪል ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ስራቤቶምን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣደራሽ ሚሌንየም ወግዓዊ ናይ ምፍናው መደብ ተኻይዱሎም።
ኣብቲ ስነስርዓት ነባራት መራሕቲ ኢህወደግን፡ ኢታማጆር ሹም ዝነበሩ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ሌ/ጀ ጻድቃን ገብረትንሳኤን ተረኺቦም ነይሮም።
ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዝኾነ ጀነራል ሰዓረ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩ ይርከብ።
እቲ ፈለማ ነብሱ ከም ዝቐተለ ዝተሓበረ፡ ሓላዊ ድሒሩ ብሂወት ከም ዘሎን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን ኮሚሽነር ፓሊስ ፈደራል ኣብ ዝሃቦ መኣረምታ ገሊጹ።
እቲ ኣብኣቶም ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቁረብ ሰዓታት ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ባሀርዳር፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝተገብረ መጥቃዕቲ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ናይ ባህርዳር መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ምቕታሎም ይዝከር።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣወሃሃኢዱ ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተገልጸ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብታ ከተማ ባህርዳር ተቐቲሉ ክብል ፓሊስ ፈደራል ገሊጹ።
ኣፈኛ ናይቲ ክልል፡ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ዛጊት ኣይተፈልጠን ክብል ሓቢሩ ነይሩ።
ትማሊ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ድማ 178 ምስቲ መጥቃዕትታት ምትእስሳር ኣለኩም ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane
ንኽብሪ ጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ ኣበራን 17 መዳፍዕ ክትኮስ'ዩ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ ካቴድራል ቤተክስርቲያን ቅዱስ ገብርኤል መቐለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ እዩ ክፍጸም።