ኢትዮጵያ፡ ጻንሒት ምስ ሴክሬታሪያት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ሴክሬታሪያት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ምንጪ ስእሊ, PMO

ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ስነስርዓት ቐብሪ ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ እቲ ክልል እናተፈጸመ ቢቢሲ ብስልኪ ዘዘራረቦ፡ ሓላፊ ሴክሬታሪያት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት መብሪሂ ሂቡ።

ኣቶ ንጉሱ፡ እቲ ስነስርዓት ቐብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል፣ ክልልን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ከም ዝተፈጸመ ተዛሪቡ።

"ዓሚቕ ሓዘንን ቁጥዐን ዝተንጸባረቐሉ'ዩ ነይሩ። እቶም ስውኣት ንክልሎምን ሃገሮምን ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ብምልዓል ልዕሊ ሽሞም ታሪኽ ሰሪሖም ዝሓለፉ ምኻኖም ዘንጸባርቑ መልእኽታት ካብ ደቆምን ካልኦትን ሓሊፎም'ዮም" ኢሉ።

ኣብ ከተማ ላሊበላ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ስነስርዓተ ቀብሪ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ግን፡ "ኣብ ባህርዳር ዝነበረ ኢና ክንከታተል ውዒልና። ብዛዕብኡ ሓበሬታ የብለይን" ዝብል ምላሽ ሂቡ ሓሊፉዎ።

ሞት ኣሳምነው

ብዛዕባ ኣማውታ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ሓበሬታ ክህበና ዝሓተትናዮ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ "እቲ ናይ ጸጥታ መሓውር፡ ንባህርዳር ቐረባ ኣብ ዝኾነ ዘንዘልማ ዝበሃል ቦታ'ዩ ነቲ ኦፕሬሽን ኣካይዱዎ። ዝርዝር እቲ ዝነበረ ኩነታት ምስ በጽሐና ኢና ክነቕርብ እምበር ሕጂ ብዛዕብኡ ሓበሬታ የብለይን" ኢሉ።

ቶም ጀነራላት ዝቐተለ ሓላዊኸ?

ብቐዳም 15 ሰነ 2011፡ ሹም ኢታማጆር ሓይልታት ምክልኻል፡ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ምስ መሓዝኡ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናሃለወ ብሓላዊኡ ተቐቲሉ'ዩ።

ንጽባሒቱ፡ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ነቶም ጀነራላት ቐቲሉ'ዩ ዝተብሃለ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ድማ፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው፡ እቲ ቐቲሉ'ዩ ዝተብሃለ ጡርጡር ንርእሱ ከም ዝቐተለ ተዛሪቡ። ምሸት መሊሱ ብዛዕባ እቲ ዝተውሃበ መግለጺ ይቕረታ ብምሕታት፡ ብህይወት ኣሎ'ዩ ኢሉ።

ስለምንታይ ነንርእሶም ዝጋጨው ሓበሬታታት ወጺኦም? ሕጂኸ ኣበይ'ዩ ዝርከብ? ኢልና ንሓላፊ ሴክሬታሪያት ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓቲትናዮ።

''ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾነ ባህርዳር ዝተፈጠረ ጸገም ሃንደበታዊ'ዩ። ኩሉ ሓበሬታ ብሓደ ግዘ ኣይርከብን። እቲ ዝርከብ መረዳእታ ዝእረም ነገር ክህሉዎ ይኽእል'ዩ። ሰብ'ዩ ዝሰርሖ፤ ሰብ'ዩ ዝዛረቦ። እቲ መረዳእታ ድማ ብትልሚ ተወዲቡ፣ ተገምጊሙ ዝወሃብ ኣይኮነን። ከምዚ ዘጻድፍ ነገር እንትህሉ ስሕተት ከጋጥም ኣይኽእልን ኣይብሃልን" ይብል።

እቲ ጡርጡር ሕጂ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ንጉሱ፡ "ነቶም ጀነራላት ምስቐተለ ተኩሲ ተለዋዊጡ ነይሩ። ኣብዚ ግዘ ስጉምቲ ተወሲዱዎ ናብ ሕክምና ተወሲዱ ብሓለዋ ሕክምና ይረክብ ኣሎ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

'ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' መጉዳእቲ ዝበጽሖምን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዝኣተውን ክንደይ'ዮም?

"እቲ ጉዳይ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ኣለው። እቲ ቑጽሪ በብግዝኡ ዝፈላለ ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ እዚ'ዩ ምባል ኣይከኣልን። እቲ ስራሕ ናይ ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ሰራዊት ምክልኻልን'ዩ። ስለ ዝኾነ እቲ መረዳእታ ኣብቲ መሓውር ጸጥታ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ጉዳይ ኢንተርነት

ብድሕሪ እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝተፈጠሩ ጸገማት፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ መላእ ሃገር ተቛሪጹ'ዩ። ክሳብ መዓዝ? ''ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ ኣይኽእልን። ካልኦት ኣካላት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም" ኢሉ ሓሊፉዎ።