እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሃደን ኣባጋውየ ተበራኺቱ
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣባጋውየ "ብዙሕ ገንዘብ የምጽእ'ዩ" ብዝብል ብዙሓት ናብ ንግዲ እቲ እንስሳ ክኣትው ይግበር ኣሎ።
ቢቢሲ ከምዘረጋገጾ፡ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር፡ ካብ ኣባጋውየ ብዙሕ ሚሊዮን ብር ይርከብ'ዩ ኢሎም ሃዲኖም ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም ዘይሕጋዊ ዝውውር ይገብሩ ኣለው።
ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ፡ ኣብ ሻሸመኔ፣ ሃረርጌ፣ ምዕራብ ኦሮሚያን ክልል ዓፋርን እቲ ተግባር እናተለመደ ምምጽኡ ተዓዚብና። ኣብ ኢትዮጵያ ግን፡ እዚ እንስሳ ሓዊሱ ካልኦት ናይ በረኻ እንስሳት ምዝውዋር ኾነ ምህዳን ብሕጊ ዝተኸልከለ'ዩ።
ኣዋጅ ቑጽሪ ሓለዋ፣ ልምዓትን ኣጠቓቕማን እንስሳት በረኻ 541/1999፡ ቤት ዕዮ ሚኒስትሪ ወይ ኣካል ክልላዊ መንግስቲ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ኣካል ፍቓድ ሃደን እንድሕር ዘይብሉ፡ እንስሳት በረኻ ክሃድን ኣይክእልን ይብል።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃደን ኣባጋውየ ዝተዋፈሩ ሰባት መንነቶም ክገልጹ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ነዚ እንስሳ ዝምልክቱ ብዙሓት ግጉያት ሓበሬታታት ይወጽኡ'ዮም። ገንዘብ ክንረክብ ንኽእል ኢና ብዝብል ግጉይ መረዳእታ ኣባጋውየ ዝሃድኑ ሰባት፡ "እቲ ብጣዕሚ ተደላይ" ዝትብሃል እንስሳ፡ ሃዲኖም እንተረኺቦም፡ ክሳብ 200 ሚሊዯን ብር ከም ዝረኽቡ ይኣምኑ።
ሰባት ከምዚ ኢሎም ይኣምኑ። ኣባጋውየ፦
- ከም ማግኔት ሓጺን ናይ ምስሓብ ዓቐዕሚ ኣለዎ
- ኣብ ከባቢ ጽሩይ ማይ ኮፍ እንተይሉ፡ እቲ ማይ ሕብሩ ይቕየር[ ይበላሾ]
- ኣብ ጸልማት፡ ኽሳዱ ዘንጸባርቐዕ ብርሃን የውጽእ
- ብካሜራ ክሰኣል ኣይክእልን ዝብሉ ይርከቡዎም
ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳት በረኻ በዓልቲ ሙያ ኣጠቓቕማን ልምዓትን እንስሳት በረኻ ወይዘሮ ዘላለም ''ኣብ ውሽጢ ኣባጋውየ ሜርኩሪ ይርከብ'ዩ ብዝብል ግጉይ ሓበሬታ ሃደን ይካየድ ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና" ትብል።
ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ኣዋሽ ብሄራዊ ፓርክ፡ ሰባት ናብቲ ፓርክ እናኣተው ነቲ እንስሳ ይሃድኑ ከም ዘለው ዝሕብር ደብዳበ ናብቲ በዓል መዚ ከም ዝመጽአ'ውን ትሕብር።
ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ሃደን ኣባጋውየ ጠጠው ንምባል ናብቲ ከባቢ ከምእትኸድ'ውን ተዛሪባ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣባጋውየ ንምሻጥን ንምዝውዋርን ፍቓድ ዝረኸቡ ክልተ ትካላት ጥራሕ'ዮም ዝበለት ወይዘሮ ዘላለም፡ ኣባጋውየ ንምህዳን ፍቓድ ዘይብሎም ውልቀሰባት እንተኾኑ'ውን፡ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቦም ግቡእ ስልጠና ክወስዱ ኣለዎም ኢላ።
ኣባጋውየ ብዕስለ ተኣኪቦም ከም ዝነብሩ ብምሕባር፡ ካብ ሓደ ጉጅለ ኣባጋውየ ክንደይ'ዩ ምውሳድ ዝክኣል? ዕድሚኦም ክንደይ'ዩ? ዝብሉን ካልኦትን ኣብ ግምት ብምእታው ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ሓደ ኣባጋውየ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ከንቀሳቕሱ ከም ዝፍቀደሎም ገሊጻ።
ቅድሚ ሕዚ'ውን ብግጉይ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ናውታት ብዙሕ ገንዘብ ክንረኽበሎም ኢና ብምባል ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጸሙ ይርኣይ።
ንኣብነት፡ ናይ ደርሆ ምልክት ዘለዎ ብፈሓም ዝሰራሕ መስታረሪ ክዳን (ካውያ) ብዙሕ ገንዘብ የውጽእ'ዩ ኢሎም ብዙሓት ሰባት ተጋግዮም'ዮም። ብተወሳኸዒ ናይ እንስሳት ምልክት ዘለዎም፡ ብርለን መመገቢ ሸሓነን ኣብ ውሽጦም 'ሜርኩሪ' ኣለዎም ብዝብል ብዙሕ ገንዘቦም ኣባኺኖም'ዮም።