እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣደ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ፡ ድሕሪ 17 መዓልታት ካብቲ ዝሞተ ዉላዳ ኣናጊፎማ
ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝሞተ ዉላዳ ሒዛ 1,600 ኪሎ ሜትሮ ክትዘዉር ዝጸንሐት ዓሳ ነባሪ ከምዝተናገፈት ተመራመርቲ ገሊጾም።
ማእኸል መጽናዕቲ ዓሳ ነባሪ ከምዝሓበሮ፡ እዛ 'ኪለር ዌል' ዝተብሃለት ዓሌት ዓሳ ነባሪ "ዝሞተ ዉላዳ" ሒዛ'ኣብ ደሴት ቫንኩቨር ፀኒሓ።
"እቶም ናይ ሓዘን መዓልታት ሕዚ ኣእኺሎም'ዮም። ባህሪኣ'ዉን ለዉጢ የርኢ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።
ዓሌታት እዛ ነባሪ ዓሳ 'ኪለር ዌል' ንዝሞቱ ደቀን ክሳብ ሓደ ሰሙን ክስከማ እንከለዋ፡ እዛ ኣደ ግና "ክብረ ወሰን ሰይራ'ያ" ይብሉ ተመራመርቲ።
ጄ35 ዝብል መጸዉዒ ዘለዋ ኣደ ዌል፡ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ ቐንያ።
"ኣብቲ ደሴት እንከላ ዝተወሰዱ ስእሊታት ዌል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላ ዘርእዩ'ዮም" ይብል ብማእኸል መጽናዕቲ ዓሳ ነባሪ ዝተዉሃበ መግለጺ።
እዛ ኣደ ካብ 24 ሓምለ ጀሚሩ እያ ዉላዳ ሒዛ ኣብ ደሴት ቫንኩቨር ክትዘዉር ዝጸንሐት። እቲ ዉላዳ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ሞይቱ ተባሂሉ ይግመት።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ብምኽንያት መግቢ በዝሑ እናነከየ ዝመጽእ ዘሎ ዓሳ ነባሪ 'ኪለር ዌል' ሃገራት ካናዳን ኣሜሪካን 'ጎዳእቲ እንስሳት' ኢለን መዲበንኦ'የን።