ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ የጥምቑ ዝነበሩ ፓስተር ብሓርገፅ ተቐቲሎም

ኣብ ከባቢ ኣርባ ምንጭ ወረዳ ላንቴ፡ "መርከብ ጣቢያ" ኣብ ዝበሃል ቀበሌ፡ ኣብ ወሰን ቃላይ ደው ኢሎም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ፓስተር፡ ብሓርገፅ ብዝበፅሖም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ፡ ነበርቲ እቲ ከባብን ፖሊስ እቲ ወረዳን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ፓስተር ዶጮ እሸቴ፡ ዝተብሃሉ እዞም ውልቀ ሰብ፡ ሰንበት ንጉሆ ከባቢ ሰዓት ክልተን ፈረቓን፡ ኣስታት 80 ንዝኾኑ ኣመንቶም፡ ኣብቲ ቃላይ እናጥመቑ እንከለዉ እዚ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም፡ ኣይተ ከተማ ካይሮ ዝተብሃሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ነጊሮምና።

ኣይተ ከተማ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ እንትሕብሩ፡ " እቶም ኣጥማቒ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣጥሚቖም ካልኣይ ሰብ ምጥማቕ እንትጅምሩ፡እቲ ሓርገፅ ነቲ ዝጥመቕ ሰብ ብምንፃሕ፡ ነቶም ዘጥምቑ ኣቦ ጎቲቱ ናብቲ ቃላይ ሒዝዎም ኣትዩ" ።

ፖሊስ እቲ ወረዳ ዋና ሳጅን እውነቱ ካንኮ ብወገኖም፡ እቲ ኣጋጣሚ ብምርግጋፅ፡ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መናእሰይ ኣስገርቲ ዓሳ፡ ግዳይ እዚ ሓርገፅ ዝኾኑ ውልቀ ሰብ ካብቲ ሓርገፅ ንምትራፍ ዝገበርዎ ፃዕሪ ከምዘይተሳክዐ ተዛሪቦም።

ዋላ እኳ ህይወት እቶም ፓስተር ምድሓን እንተዘይተኽኣለ፡ ኣስክሬን ግና ካብቲ ሓርገፅ ከትርፍዎ ከምዝኸኣሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፓስተር ዶጮ እሸቴ፡ ትማሊ ሰኑይ ተፈፂሙ።