ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ 'ቆሼ' ኩምራ ጓሓፍ ብምፍራሱ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ዳህሳስ ግን ገና ይቅጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
ቅድሚ ዓመታት ኩምራ ጓሓፍ ብምፍራሱ ጠንቐ ሞት ኣማኢት ሰባት ዝኾነ 'ቖሼ' ሕጂ'ውን ዳግማይ ብምፍራሱ ሓደ ሰብ ምማቱ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን ምኽልካል ባርዕን ኣቶ ንጋቱ ማሞ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ሓደጋ ሊሚ ንግሆ ስዓት ሸውዓት ፈረቓን'ዩ ኣጋጢሙ።
ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካልት ምስ በጸሐ፡ ብዝተገበረ ተፍትሽ ወዲ 60 ዓመት ሽማግል በቲ ጓሓፍ ተቐቒጦም ብሂወቶም እዃ እንተጸንሑ ናብ ሆስፒታል ኣለርት ምስ በጽሑ ሂወቶም ክሓልፍ ከም ዝከኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ነበረቲ እቲ ከባቢ፡ ሰባት ተጸቂጦም ከም ዘለዉ ሓበሬታ ስለ ዝሃቡ፡ ብሰለስተ ኤክስካቫተር ዝተሓገዘ ተፍትሽን ምእላይ ኩምራ ጓሓፍን ይግበር ከም ዘሎ ኣቶ ንጋቱ ሓቢሩ።
ኣብቲ ካባቢ፡ ካብቲ ገዋሓፍ ዝተፈላለየ ነገራት እናኣራረዩ ብጎማ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ዝነብሩ ሰባት ምህላዎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።
እዚ ኣብ ኮልፌ ቀራንዩ ረጲ ዝርከብ መአከቢ ጓሓፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ብምፍራሱ ኣማኢት ሰባት ምማቶም ዝዝከር እዩ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







