ኢትዮጵያ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንሶማልያ ኣፍልጦ ዘይህብ ካርታ ብምሕታሙ ይቕረታ ሓቲቱ

ሶማሊያ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሓወሰትሉ ካርታ

ምንጪ ስእሊ, Minstry of Ethiopian Foreign Affairs

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተጋገየን ተቐባልነት ዘይብሉን ካርታ ኣፍሪቃ ኣብ ዌብሳይቱ ብምጥቃሙ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ ዘይትረኣየሉን ሶማሊላንድ ድማ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ዝገበረን ካርታ ከም ዝተጠቀመ ዝሓበረ 'ሚሞ' ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ሶማሊያ፡ ነቲ ተግባር ኮኒኑ።

እቲ ሚንስትሪ፡ ብቐዳም ንዝተኸበረ መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ እዩ፡ ነቲ ካርታ ክጥቀም ዝኸኣለ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝተጠቀዐ ካርታ ኣፍሪቃ፡ ሶማሊያ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነት የርእይ።

ብተወሳኺ'ውን ንምምሕዳር ሶማሊ ላንድ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ከም ዝኾነት ገይሩ የቕርብ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዘራራቢ ምስ ኮነ፡ ካብ ዌብሳይት እቲ ሚንስትሪ ተደምሲሱ፤ ብኣርማ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ተተኪኡ'ሎ።

ዝተፈጸመ ጌጋ ብዘኸተሎ ሳዕቤን ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ናይቲ ቤት ዕዮ ጉጅለ ኢንፎንሜሽንን ቴክኖሊጂን፡ ኣብ ድሕነት እቲ ዌብሳይት ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ'ውን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸምበረ ካርታ ድሕሪ ምልጣፉ ብዙሕ ቁጥዐ ካብ ኤርትራውያን ኣስዒቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ እቲ ኤምባሲ "በቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ እዩ።