ኢትዮጵያ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንሶማልያ ኣፍልጦ ዘይህብ ካርታ ብምሕታሙ ይቕረታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Minstry of Ethiopian Foreign Affairs
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተጋገየን ተቐባልነት ዘይብሉን ካርታ ኣፍሪቃ ኣብ ዌብሳይቱ ብምጥቃሙ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ ዘይትረኣየሉን ሶማሊላንድ ድማ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ዝገበረን ካርታ ከም ዝተጠቀመ ዝሓበረ 'ሚሞ' ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ሶማሊያ፡ ነቲ ተግባር ኮኒኑ።
እቲ ሚንስትሪ፡ ብቐዳም ንዝተኸበረ መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ እዩ፡ ነቲ ካርታ ክጥቀም ዝኸኣለ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝተጠቀዐ ካርታ ኣፍሪቃ፡ ሶማሊያ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነት የርእይ።
ብተወሳኺ'ውን ንምምሕዳር ሶማሊ ላንድ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ከም ዝኾነት ገይሩ የቕርብ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዘራራቢ ምስ ኮነ፡ ካብ ዌብሳይት እቲ ሚንስትሪ ተደምሲሱ፤ ብኣርማ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ተተኪኡ'ሎ።
ዝተፈጸመ ጌጋ ብዘኸተሎ ሳዕቤን ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ናይቲ ቤት ዕዮ ጉጅለ ኢንፎንሜሽንን ቴክኖሊጂን፡ ኣብ ድሕነት እቲ ዌብሳይት ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ'ውን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸምበረ ካርታ ድሕሪ ምልጣፉ ብዙሕ ቁጥዐ ካብ ኤርትራውያን ኣስዒቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ እቲ ኤምባሲ "በቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







