እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ክሲ ተመስሪትዎ
ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ምስ ካልኦት 25 ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ደሕንነት ክሲ ተመስሪትዎ።
ካብቶም ክሱሳት፡ እቶም 22 ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ኮይኖም፡ ሓላፊ ድሕንነት ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ከምኡ ድማ ኣይተ ኣጽብሃ ግደይ፣ ኣይተ ኣሰፋ በላይን ኣይተ ሽሻይ ልኡልን ዝበሃሉ ሓለፍቲ ነበር ድማ ኣብ ዘየለውሉ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሶም ክቐርብ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ "ከቢድ ገበን ብልሽውና" ዝብል ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል 'ንመዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ተጠቒሙሉ' ብዝብል እዩ ከሲስዎ ዘሎ።
ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ንክቕየድ ትእዛዝ ሓሊፉ ነይሩ።
እንተኾነ፤ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ፡ ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ክቕይድ ከምዝተጸገመ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፤ ዓቃቢ ሕጊ "ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ክልል ትግራይ ተሓቢኦም ከምዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ" ኢሉ።
'መንግስቲ ትግራይ ምትሕብባር ኣይገበረለይን' ክብል ድማ ኣብ ቅድሚ ተወከልቲ ህዝቢ ኣማሪሩ።