እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዝወጾም ተገሊጹ
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ትማሊ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ንሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ከምዝተጸገመ ገሊጹ ነይሩ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሓለፊ ድሕንነት ነበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውጸአ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዝተጠርጠሮም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ዝርዝር ናይቲ ክሲ ግን ኣይተገለጸን።
ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ነዚ ክሲ ብዝምልከት ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።
ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ዝናቡ ቱኑ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ብርሃኑ ጸጋዮ፡ ትማሊ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ጸብጻብ እንተቕርብ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ክልል ትግራይ "ተሓቢኦም" ከምዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ካብቲ ክልል ምትሕብባር ከምዘይተገበረሉ እዩ ዝገልጽ።
"ንዐኦም ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ግን፡ ተታዅስና ካልእ ሰብ ክንቀትል የብልናን" ክብል ኣይተ ብርሃኑ ትማሊ ንተወከልቲ ህዝቢ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣይተ ዝናቡ ቱኑ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ "ህዝቢ ትግራይ ብገበን ዝጥርጠሩ ሰባት ኣብ ጓጉኡ ሓቝፉ ክጸንሕ እዩ ዝብል እምነት የብልናን" ብምባል፡ ህዝቢ ነቶም ተጠርጣሪ ኣሕሊፉ ከምዝህብ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ዛጊድ ብዛዕባ'ዚ ዝበሎ ነገር የለን።