ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደታ እንታይ ፈጺማ?

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera
ቦኽሪ ጓል ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኾነት ኢቫንካ ትራምፕ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ደቂ ኣንስትስዮ ኣብ ስራሕ ቦታ ዘለወን ተሳትፎ ንምዕባይ ዘለዎ ተበግሶ ንምልላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ተካይድ ኣላ።
እዚ ተበግሶ ክሳብ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ን50 ሚልየን ደቂኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።
ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጓልኣንስተይቲ ንዝተመስረተ ፋብሪካ ዓለባ ተዓዚባ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲ ብቐዳምነት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፅዕንቶ ካብ ምክትታልን ንግብረ ራዕዳውያን ካብ ምቅላስን ዝዘለለ ኣይነበረን።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዘለዎም ፖሊሲ ደንጉዩ ዕላዊ ዝኾነ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2018 ግና ግልጺ ኮነ።
በዚ ድማ ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ክያዶ ትራምፕ ነቶም ዝተለመዱ ድልየታት ኣሜሪካውያን፡ ማለት እውን ዲሞክራሲ፣ ፍትሓዊ መረፃ፣ መሰል ውልቀን ፖለቲካን ዘካተቱ ከምዘይነበሩ ረኣዩ።
ዓለም ለኸ ዕብየትን ብልፅግናን ደቂኣንስትዮ (W-GDP) ኣብ ዓለም ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝሐሸ መሃያ ንክኸፈላ ዝሕግዝን ዘሰልጥንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝተጀመረ ተበግሶ እዩ።
ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ፋብሪካ ዓለባ ተዓዚባ እያ።
ቅድሚ 16 ዓመታት ዝተመስረተን ክዳውንቲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ሰደድ ዝገብርን እዚ ትካል፡ ብወይዘሮ ሳራ ኣበራ እዩ ተመስሪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera

ምንጪ ስእሊ, US embassy in Ethiopia
መደብ ዓለም ለኸ ዕብየትን ብልፅግናን ደቂኣንስትዮ (W-GDP)፡ ሸቶኡ ንምዕዋት ካብ USAid 50 ሚልየን ዶላር ተሰሊዕሉ እዩ።
ኣማኻሪት ፕረዚደንት ትራምፕ ኮይና እተግልግል ኢቫንካ ትራምፕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ባንኪ ዓለም እውን ክትሳተፍ እያ።
ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ዑደት ምስ ዛዘመት ድማ፡ ናብ ኣይቮሪኮስት ከይዳ ሕርሻ ካካዋ ክትዕዘብ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ቁጠባዊ ተረባሕነት ደቂኣንሰትዮ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣድሂቡ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ እውን ክትሳተፍ እያ።
ፖሊሲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቃልሲ ግብረ ራዕዲ ከምኡ ድማ ብቻይናን ሩስያን ተብሒቱ ዝነበረ ቁጠባዊ ዕብየትን ፖለከቲካዊ ፅልዋን ኣፍሪቃ ኣብ ምቁፅፃር ኣድሂቡ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







