ኣብ መንጎ ዝወደቓ ነፈርቲ ኢትዮጵያን ኢንዶኒዥያን 'ንጹር ምምስሳላት ኣሎ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ነፋሪት ኢትዮጵያ ናይ በረራ ሓበሬታ (ፍላይት ዳታ)፡ ምስታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣብ ኢንዶኒዥያ ዝወደቐት ነፋሪት "ንጹር ዝኾነ ምምስሳል" ከም ዘሎ ዘርእይ ምዃኑ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ገሊጻ።
ክልቲአን እዘን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ 8 እየን ነይረን።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ናብ ናይሮቢ ዝተበገሰት ብቁጽሪ በረራ 302 እትፍለጥ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ወሑዳት ደቃይቕ ብምውዳቓ፤ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 157 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየርን ብምልኦም ምሟቶም ዝዝከር እዩ።
ሚኒሰትር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞጎስ፡ ኣፈናዊ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታተ ክሕበር ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።
"ኣብ ሞንጎ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ 302 ከምኡ ድማ ናይ ኢንዶንዥያ ላየን ኣየር ቁጽሪ በርራ 610 ንጹር ዝኾነ ምምስሳል ስለ ዘለዎ፡ ኣብ እዋን መርመራ ከም ሓደ ጉዳይ ክተሓዝ እዩ" ኢላ ሚኒሰተር ዳግማዊት ሞጎስ።
ክልቲአን እዘን ነፈርቲ፡ ብራኸአን ብቕልጡፍ ይወርድን ይድይብን ምንባሩ፤ ብዘይርጉእ መገዲ ብራኸአን ይውስኽ መሊሰን ክኣ እንቆታ ምንባረን ካብ ክፍሊ መቆጻጸሪ በረራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዝሕበር ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሰንበት፡ ኣብ ኬንያን ኣብ ኢትዮጵያን ነቶም ግዳያት ናይ ምዝካር ስነ ስርዓት ተኻይዱ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካቴድራል ቅድስተ ስላሴ፡ ንዝኽሪ እዞም ግዳያት ብባንዴራ ዝተሸፈነ ጥርሑ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ብምግባር ቀብሪ ክካየድ እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሕጂ ዝተለለየ ሬሳ ከም ዘየሎ እዩ ዝፍለጥ።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?
ብቁጽሪ በረራ 302 እትፍለጥ ነፋሪተ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጋቢት 10 ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምብጋሳ፡ ድሕሪ ደቓይቕ ኣብራሪ እዛ ነፋሪት ጸገም ከም ዘጋጠሞን ክምለስን ሓቲቱ።
ኣብ ራዳር ብንጹር ክትረኣይ እኳ እንተጸንሐት፡ "በረራ ድሕሪ ምጅማራ ትኹላዊ ፍጥነታ ርጉእ ዘይምንባሩ" ተገሊጹ እዩ።
ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እዛ ኣየር ናብ መሬት ክትጋጮ እንከላ ብርቱዕ ባርዕ ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም።
ናይ ፈረንሳ ናይ ኣየር ድሕነት መርመርቲ፡ ካብቲ 'ብላክ ቦክስ" ዝረኸብዎ ቅዱሕ ድምጽን ክዙን ሓበሬታ እቲ በረራን ንሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣረኪቦም ኣለዉ።
ኣብ ኢንዶንዥያኸ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ኣብ 29 ጥቅምቲ፡ ዋንነታ ናይ ላየን ኣየር ቁጽሪ በረራ 610 ዝኾነት ነፋሪት፡ 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ሒዛ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ድሕሪ ምብጋሳ ኣብ ውሑዳት ደቃይቕ ወዲቓ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







