እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ 'ኣይተወዳደረን'
ባይቶኣዊ ምርጫ ሰሜን ኮርያ ከምቲ ልሙድ ብዓወት መሪሕነት እታ ሃገር ተወዲኡ፤ ይኹን 'ምበር ንመጀመርታ እዋን መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ኣብቲ ምርጫ ኣይቀረበን ተባሂሉ።
እዚ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ እቲ ንይስሙላ ዝግበር ምርጫ ንፈለማ እዋን መራሒ እታ ሃገር ዘይተሳተፈሉ ክኸውን'ዩ።
እንተኾነ ግና፡ ንእሽቶ ሓፍቱ፡ ኪም ዮ-ጆንግ ንመጀመርታ ግዚኣ ኣባል እቲ ስማዊ ሓጋጊ ኣካል ኮይና ተመሪጻ'ላ።
ንሳ ቀስ እናበለት ናብ ዝለዓለ ስልጣን ትድይብ ዘላ ሓንቲ ካብ ኣባላት ስድራ ቤት መራሒ እታ ሃገር ምዃና ይዝረብ።
እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ንስልጣኖም ሕጋውነት ንምልባስ ዝጥቀሙሉ ኮይኑ፡ ብዓለም ደረጃ ትርጉም ዘይብሉ መናውራ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ከባቢ ወይ ወረዳ ዝቐርቡ ተወዳደርቲ ድማ፡ ብመንግስቲ ዝተሓርዩ ኮይኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ብዘይ ተወዳደርቲ ይቐርቡ። መረጽቲ ድማ ከም ዝመርጽዎም ይግበር።
ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ 687 ኣባላት ናይቲ '"ላዕለዋይ ህዝባዊ ባይቶ" ኮይኖም ከም ዝተመርጹ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተነበ ዝርዝር ኣስማት ግን ስም ኪም ጆንግ-ኡን ኣይተጠቕሰን።
ኣብ ሓደ ብዛዕባ ጉዳያት ሰሜን ኮርያ ዝግደስ መርበብ ሓበሬታ ከም ተንታኒት እትሰርሕ ራቸል ሚንያንግ ሊ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ዘይምጥቃሱ፡ ስልጣን ኣረኪቡ ከም ዘይስምዕ ትዛረብ።
"እዚ ኣካል ናይቲ፡ ሰሜን ኮርያ ንርእሳ ከም 'ኖርማል ሃገር' ክትረአ እትገብሮ ጻዕሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ዝበዝሓ ደሞክራስያውያን ሃገራት ፕረዚደንት ኣባል ባይቶ ዘይኮነሉ ኩነታት ኣሎ" ኢላ።
ሓፍቱ ግን፡ ኣብ 2014 ምክትል ዳይረክተር ናይቲ ኣገዳሲ ክፍሊ ፕሮፐጋንዳን ምንቕቓሕን ካብ እትኸውን ጀሚራ፡ ስማ እናዓበ ትኸይድ ኣላ።
ሓዋ ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገሸሉ እዋን ካብ ጐኑ ዘይትፍለ ምዃና ኣብቲ ምልካዊ ስርዓት ዘለዋ ጽልዋን ስልጣንን ዘርኢ'ዩ ይብሉ ተንተንቲ። ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምርኻብ ናብ ሃኖይ ቬትናም ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስኡ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።
ብሕጊ እታ ሃገር መሰረት፡ ኩሎም ልዕሊ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉ ግዴታ ኣለዎም።
ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ተሳታፍነት ህዝቢ 100% ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ተሳታፍነት ህዝቢ 99.99% ምንባሩ መግስታዊ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
ባይቶኣዊ ምርጫ ሰሜን ኮርያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት'ዩ ዝካየድ።