ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ማእኸላት ሚሳይል ክዓጽዋ ተሰማሚዐን

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ መፈተኒ ሚሳይልን መወንጨፊ ማእከላትን ክዓጹ ከምዝተሰማመዐ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን ተዛሪቡ።

እዞም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕዮንግያንግ ዝገበርዎ ዘተ "ካብ ኒኩለር ናጻ ንምግባር ተሰማሚዕና" ኢሉ ፕረዚደንት ሙን።

እዚ ስምምዕ ፕረዚደንት ኪም ኣብቲ ሓዉሲ ደሴት ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ "ንቅድሚት ዘሰጉም" ስምምዕ ክብል ገሊጽዎ።

ኪም ጆንግ ኡን ብወገኑ፡ ኣብ ቀረባ ጌዜ ናብ ሴኡል ክበጽሕ ከምዝትስፎ ተዛሪቡ።

እዚ ምስ ዝገብር ናይ መጀመርያ መራሒ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ዝበጽሐ ከስምዮ እዩ።

እዘን ክልተ ኮርያታት ብመንገዲ ባቡራት ብምርኻብ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ንኽራኸቡን፡ ኣብ ሕክምናዊ መዳያት ንኽትሓጋገዛ'ውን ወጢነን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኪም ኣብ ዮንገበዮን ዘሎ ማእከል ኒዩክሌር ክዓጹ'ኳ እንተተሰማመዐ፡ እዚ ግን ኣመሪካው'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምስእትወስድ ዝትግበር'ዩ ኢሉ።

ክልቲኤን ኮርያታት ኣብ 2032 ብጽምዶ ኦሎምፒክ ሳመር ንኸአንግዳ ድሌት ከምዘለወን'ውን ሓቢረን።

ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኮርያን ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ'ውን ኣብ ሞንጎአን ንዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ንምፍኳስ ከምዝተፈራረሙ ተሓቢሩ።

እዚ ምፍርራም፡ ፕረዚደንት ሙን ናብ ፕዮንግያንግ ናይ ሰለስተ ምዓልታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዩ ተኻይዱ።

እዚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ናብ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ዓመታት ናይ መጀመርታ ኮይኑ፡ ርክብ እዞም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ምያዝያ ዝገበርዎ ስምምዕ መበል ሳልሳይ ግዜ እዩ ዝኸውን ዘሎ።