እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ጠመተ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብርእይቶታትኩም
ቢቢሲ ትግርኛ ብመርበብ ሓበሬታን ፌስቡክን ኣገልግሎት ካብ ዝጅምር እነሆ ዓመት ገይሩ'ሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከቡ ተዛረብቲ'ዚ ቋንቋ፡ ብመርበብ ሓበሬታን ሬድዮን፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ኣህጉርናን ዓለምናን፣ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ዓሞቕቲ ትንታነታትን ከቕርብ ፀኒሑ እዩ።
ሰማዕትናን ተኸታተልትናን ዓንዲ ሕቖና ኢኹም። ዝሃብኩምና ርእይቶን ሓበሬታን፡ መአረምታን ነቐፌታን ከኣ ብዙሕ ሓጊዙና እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንዘቕረቦ መደባት ኣብ ዝተፈላላየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተኸታተልቲ ዝሃቡዎ ርእይቶ እነሆ።
ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ንኸብቅዕ
ነባሪ ከተማ መቐለ መንእሰይ ሃይሉሽ ሳህለ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ዝፍልም ምክትታሉ ኣየቋረፀን።
ሃይሉሽ፡ ካብ ስራሕቲ ቢቢሲ እዚ ዓመት ሓለፋ ፅልዋ ነይሩዎም ዝበሎም መደባት ኣለውዎ።
ድሕሪ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ን18 ዓመታት 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ። ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ብተኸታታሊ ዝሃቦ ሽፋን ካብ ዝኽረይ ዝወፅእ ኣይኮነን ይብል።
''ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ዝነበሮ ድሌት ኣሕዋቱ ከምዝደሊ፣ ምስ ኣሕዋቱ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝደሊ ብቢቢሲ ዝተሰርሑ መደባት፡ እዚ ሕዚ ንርእዮ ዘለና ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ርክብን ብኤርትራውያን ኣሕዋትና እወታዊ መልሲ ንኽንረክብ ዘኽአለና እዩ ዝመስለኒ'' ይብል።
ኣብ ካቶሊካዊት ዩኒቨርሲቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተማሃራይ ድሕረ ምረቓ ኤርትራዊ ሓው ገብረህይወት እያሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዓመታት ሰፊኑ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ውጥረት ንህዝቢ ሚዛናዊ ትንታነታት ምቕራቡ ንኢዱ።
''ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብኽልቲኡ ወገን ንዘሎ ርድኢት ንክስተኻኸል ብኽልቲኡ ወገን ቃለ-ምሕተት ስለትገብሩ፡ ዝለዓለ ስራሕ ከምዝሰራሕኩም'ዩ ዝስመዓኒ'' ይብል ሓው ገብረህይወት።
ኣብ ኩዌት እትነብር፡ ሚዛን ዓጋመ እውን ምድላዋት ራድዮ ቢቢሲ ትግርኛን ዌብሳይትን ብቐዋምነት ካብ ዝከታተሉ ሓንቲ እያ።
ሚዛን እውን ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ጉዳይ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት' ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተውሃበ ተኸታታሊ ሽፋን ዝያዳ ሚዛን ትህቦ።።
''ቢቢሲ ትግርኛ ክልቲኡ ህዝቢ ንክራኸብ ብዙሕ ፅሑፋትን ምድላዋትን [ብምቕራቡ]ዓብይ ኣበርክቶ ስለዝገበረ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን" ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈነወ ቢቢሲ ትግርኛ እንትፍልም፡ ተኸታተልቲ እንታይ ከምዝጽበዩ ሓቲሩ ነይሩ።
አሉላ ሰለሞን ካብቶም ርእይቶኦም ዝሃቡ ሓደ እዩ። "ኣብዚ ሓደ ዓመት እቲ ካባኹም ትፅቢት ዝገበርክዎ እናሰራሕኩም መፂእኹም" ይብል ክልተ ነገራት ከም ኣብነታዊ ስራሕ ብምልዓል።
''ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንክቀራረብን ነቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ለውጥን ውፅኢትን እውን ግደኹም ነይርዎ" ይብል።
ዓሌታዊ ጥቕዓታት ኣብ ምቅላዕ
ኣይተ ፍትሓዊ ሕሩይ፡ ቅድሚ ሐዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዓሌታዊ ጥቕዓት ህዝብን መንግስትን ንከይፈልጡዎ፡ ይዕፈን ከምዝነበረ ብዙሓት ስግኣቶም ይዛረቡ።
ፍትሓዊ "ቢቢሲ ትግርኛ ብቕልጡፍ ስለዝሸፈኖ ግን ትኹረት ክረክብ ክኢሉ" ይብል።
ነባሪት ከተማ መቐለ ንእስቲ ሓዳስ በርሀ ድማ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ተጋሩ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዘርከቡ ቢቢሲ ትግርኛ ብዝሃቦም ሽፋን ምላሽ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ ትኣምን።
''ቢቢሲ ትግርኛ ዝተበደሉ ተጋሩ 'እንታይ ዓይነት ድጋፍ ክግበረሎም ይግባእ' ኣብ ዝብል ቅልጡፍን እዋናውን ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዓብይ ግደ ነይርዎ'' ትብል።
ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝስርሖም ስራሕቲ ብምንኣድ ብፍላይ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ፡ ናብ ፕሪሚየርሊግ ንዝኣተዋ ጋንታት ትግራይ ሽፋን ኣብ ምሃብ እወታዊ ግደ ምንባሩ ትሕብር።
ምስ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ተዛሚዶም ንዝረአ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎንፅታት ተኸታቲሉ ሓበሬታ ምሃቡ እውን ተመስግን።
ጉዳይ ስደተኛታት
ገብረህይወት እያሱ፡ ካብቶም ቢቢሲ፡ ብቋንቋ ትግርኛ መደብ ምጅማሩ ዘሐጎሶም ተኸታተልቲ ሓደ እዩ።
ምኽንያቱ፡ እቶም ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ክከታተል ዘይኽእሉ ሰባት ብቛንቆኦም ዝደለይዎ ሓበሬታ ንክከታተሉ ስለዘኽእል።
ፈነወ ቢቢሲ ''ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝበፅሕሓበሬታ ኣይነበረን። ሕጂ ግና ብቋንቋና ስለእትፍንዉ ብዙሕ ሰብ ሓበሬታ ክከታተል ጀሚሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ተበፃሕቲ ክትኾኑ ዘኽኣለ እዩ" ብምባል ይገልፆ።
ወዲ 83 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ኤርትራዊ፡ ኣቶ የማነ መሓረዝጊ እውን ካብቶም ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኩሉግዜ፡ ፈነወ ራድዮ ቢቢሲ ትግርኛ ብቐጻሊ ዝከታተሉ እዮም።
ኣብ ፈነወ ራድዮ ቢቢሲ ብዝሰምዕዎ እዋናዊ ዛዕባታትን ዜናታትን ሕጉስ ምዃኖም ይገልጹ። ብሉፅ ሽፋን ተዋሂብዎም ዝብልዎም ዛዕባታት ክገልጹ እንከለው፡
''ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሊብያን እስራኤልን ብዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ደቅናን እተቕርቡዎ ደሃይ ሕጉስ'የ" ይብሉ።
እነቕርቦም መደባት ጥዕናን ፅፁያት ዜናታትን እውን ተመረፅቲ ስለዝኾኑ ሕጉስ ምዃኖም ይዛረቡ።
ምቅላሕ ልምድን ያታን ቢቢሲ ትግርኛ፡ በዓላት ኣሸንዳን ዓይኒ ዋሪን ብብርኪ ዓለም ንክፍለጡ ተራኡ ከምእተጻወተ መንእሰይ ሃይሉሽ፣ ሚዛን ዓጋመን ሓዳስ በርሀን ይሰማምዑ።ኣሉላ ሰሎሞን እውን ንሓሳቦም ይድግፎ።
ቢቢሲ ትግርኛ "ኣብ ምዕቃብ ያታን ታሪኽን ህዝቢ ዝገበርክሞ ፃዕሪ ኣድናቖተይ ክገልፅ ይፈቱ" ይብል። ፈነወ ክንጅምር እንከሎና ቆላሕታ ንክወሃቦ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።
ሚዛን ዓጋመ ብወገና፡ ''ከም በዓል ገርዓልታ፣ ስልጣነ ኣኽሱምን ንዋያት ኣብያተ ክርስትያንን ንዓለም ኣብ ምልላይን ታሪኻዊ ሓድግታት ትግራይ ብምድህሳስን ዝነኣድ ስራሕ ኣበርኪትኩም'' ትብል።
እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ምቅላሕ
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዓለምን ኢትዮጵያን ኤርትራን በብወእዋኑ ዝኽሰቱ ሓደሽቲ ፍፃመታት ናብ ህዝቢ ምቅላሕ ቀንዲ ስርሑ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝሰዓቡ ጉዳያት ዝተፈላለዩ ምሁራት ምዝርራቡ ዝምስገን እዩ ይብል፡ ሃይሉ ሳህለ።
''ምሁራት ተጋሩ ሓሳቦም ከቕርቡን ህዝቢ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንክርዳእን ቢቢሲ ትግርኛ ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ገይሩ " ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ንኽልቲኡ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ህዝቢ እተስንቑዎ ሓበሬታን መደባትን ዝነኣድ እዩ ይብል ኣብ ፌስ ቡክ ዘን ታጋሩ ብዝብል ዝፍለጥ ናባሪ ኣመሪካ ዘነበ
''ስነጥበብ፣ ቋንቋ፣ ካልኦት ማሕበረሰባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣብ ምቅላሕ ዓብይ ግደ ኣለኩም እሞ ቀጽልዎ" ይብል
ክእረሙ ዝግበኦም
ናይ ኩሉ ግዘ ሰማዒና በዓል ፀጋ ዕድመ ኣቶ የማነ መሓረእዝጊ፡ ፈነወ ሬድዮ ቢቢሲ ስለዝሓጽረ ወስኹሉ ይብሉ።
''እታ ሕጂ ዘላ ናይ 15 ደቓይቕ መደብ ሬድዮ ሓጺራ ፍርቂ ሰዓት እንተተትገብሩልና ጽቡቕ ነይሩ" ይብሉ።
ኣይተ ፍትሓዊ ሕሩይን ኣሉላ ሰሎሞንን እውን ጋዜጠኛታት ብምውሳኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሸፋን፡ ክብ ክብል ይሓቱ።
ሓዳስ በርሀ ድማ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ርእይቶ እትሓቶም ሰባት ስለዝደጋገሙ ዝተፈላለዩ አተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ከተአንግድ ከምዝግባእ ሓቢራ።
''ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ክርእዩ ዝኽእሉ ኣካላት ኣለዉ። ስለዝኾነ ድማ በብእዋኑ ዝደጋገሙ ኣስማትን ሓሳባትን ካበ እተቕርቡ ፍሉይን ሓድሽን ርእይቶ ክህቡ ዝኽእሉ ኣካላት እንተትዕድሙ'' ብምባል ስክፍታኣ ትገልጽ።
ኤርትራዊ ሓው ገብረህይወት ኢያሱ ድማ ኣብ ዌብሳይትን ፌስቡክን ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ናይ ፊደላትን ስዋስውን ጌጋ ከምዝረአን ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእን ሓቢሩ።
ዘነበ ከኣ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ፈነወ ራድዮን ዌብሳይትን ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ተኸታታሊ ንምርካብ፡ ኣብ ፈይስቡክ ቀጥታ ፈነወ ክህልዎ ይግባእ ኢሉ።
''ኣብ ፌስቡክ ዘሎ ሰዓቢኹም ንክበዝሕ፡ ኣብ ሕድሕድ ወድዓዊ ኩነታት ብቀጥታ ፈነወ እናኣተኹም ብዙሕ ስራሕ ክትሰርሑ ይግባእ'' ይብል።
ቢቢሲ ትግርኛ ብብርኪ ሃገርን ዓለምን ዝፍንዎም መደባት ዝነኣዱ ዋላ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ትኹረት ዝገበሩ ክኾኑ ይግባእ ዝብል ርኢቶ እውን ኣለዋ ሓዳስ በርሀ።
''ቢቢሲ ኣምሓርኛን ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞን ዘመሓላልፍዎም መደባት እንተርኢና፡ መብዛሕትኡ ትኹረቶም ኣብ ናይ ከባቢኦም ጉዳይ እዩ'' ትብል እዚ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ብምስማር።
"ኩሉ ሰብ ብኣኹም ሕጉስ እዩ፡ የቐንየልና፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም ሰላም፣ ፍቕርን ስኒትን የውርደልና'' ምረቓ ወዲ 83 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ኣቶ የማነ መሓረ እዝጊ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ምረቓ እዞም ወላዲ ኣቶ የመነ መሓረእዝጊ፡ ኣሜን ኢልና'' ኩለኹም ብመርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ፣ ፌስቡክናን ፈነወ ራድዮናን ንትከታተሉዋ፣ ሓበሬታ ንእትህቡዋን ሃናፂ ርኢቶኹም ንእትልግሱን ተመስግን።