እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ዝተነብረላ ማዕቀብ ክለዓለላ ብምጥላባ፡ ኣኼባ ኪምን ትራምፕን ብዘይፍረ ተበቲኑ
ሰሜን ኮርያ ካብቲ ዝተነበረላ ማዕቀብ 'ሩፍታ ክረክብ ኣለኒ' ድሕሪ ምባላ፡ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ጠለብ ስለዘይተቐበለቶ፤ ጉባኤ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ስምምዕ ተበቲኑ።
"ኩሉ ብዛዕባ ማዕቀብ'ዩ ነይሩ" ክብል ንጋዜጠኛታት ዝተዛረበ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "እቶም ማዕቀባት ምሉእ ንሙሉእ ክለዓለሎም'ዮም ሓቲቶም፤ እዚ ኽኣ ኣይንገብሮን" ኢሉ።
እንተኾነ ክልቲኦም መዛኑ፡ ጉዳይ ኒዩክሌር ሰሜን ኮርያ ብዝምልከት ንዝበጽሕዎ ምዕባለ ከበስሩ ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ ብዘይ ፍረ ዝተበተነ ኣኼባ መግለጺ ዝሃበ ትራምፕ፡ ኣብ መጻኢ ንሳልሳይ ግዜ ዝተመደበ ኣኼባ የለን ኢሉ።
ትራምፕ ከምዝበሎ እንተደኣኾይኑ፤ ኪም ጆንግ ኡን ነቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ቀንዲ ኒዩክሌር ዝፈርየሉን መጽናዕቲ ዝካደሉን ማእከል 'ዮንግብዮን' ምሉእ ንምሉእ ከዕንዎ እኳ ተሰማሚዑ እንተነበረ፤ ኣብ ክንድኡ ግን ኩሎም ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበሩ ማዕቀባት ክለዓሉ እዩ ጠሊቡ።
ነዚ ክትገብር ድማ ኣሜሪካ ድልዊ ኣይኮነትን።
ካብ 'ዮንግብዮን' ወጻኢ ብዛዕባ ዘለዉ 'ፕሉቶንየምን' 'ዩራንምን' ዝብልጽጉሎም ማእከላት እውን ሕቶ ተላዒሉ እዩ።
ዮንግብዮን እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ማእከል መበልጸጊ 'ፕሉቶንየም' ክኸውን ከሎ፡ እታ ሃገር ግን ካልኦት ክልተ 'ዩራኒየም' ዘበልጽጉ ማእከላት ከም ዘለውዋ ይእመን።
ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ዘለዋ ካልአዋይ መበልጸጊ ማእከል ምስተልዓለ፡ ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ብምፍላጣ "ተገሪሙ" ኢሉ።
ወርሒ ሰነ 2018 መራሕቲ እዘን ሃገራት ንፈለማ እዋን ኣብ ሲንጋፑር ዝተራኸብሉ ግዘ ነይሩ።
ዓለማዊ ርኢይቶታት
ደቡብ ኮርያ ነቲ ፍረ ኣልቦ ኣኼባ ትራምፕን ኪምን "ዘጣዕስ" ክትብል ገሊጻቶ። እዚ'ውን ኾይኑ ግን እቶም መራሕቲ "ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ" ኣርእዮም'ዮም ኢላ።
መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዘሎ ዝምድና ክመሓየሽ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ። ትራምፕን ኪምን ኣብ ሲንጋፑር ክራኸቡ'ውን ዓብዪ ስራሕ ሰሪሑ'ዩ።
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና ዋን ዪ ድማ፡ እቶም ጸገማት ኣብ ሓደ ሌእቲ ዝፍትሑ ኣይኮኑን ድህሪ ምባል፤ ቻይና ሃናጻይ ዝኾነ እጃም ክተበርክት ከም እትኽእል ሓቢሩ።