ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያ ምስ ማይክ ፔንስ ክራኸቡ ዝተትሓዘ መደብ ከምዝተሰረዘ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ

ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ምስቶም ኣብ ናይ 'ዊንተር' ኦሎምፒክ ተዓዲሞም ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ልኡኻት ንኽራኸቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መደብ ተታሒዙ ነይሩ። ኮይኑ ግን ልኡኻት ሰሜን ኮርያ ሓሳቦም ከምዝቐየሩ ተገሊፁ።

ፔንስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኦሎምፒክ ክሳተፉ ደቡብ ኮርያ ተረኺቦም ነይሮም።

እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ምስ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮራይ ኪም ዮ-ጆንግን ካልኦት ልኡኻትን ክራኸቡ'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

እቲ ሙከራ እንተዝዕወት ኣብ ሞንጎ ምሕደራ ትራምፕን ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያን ዝተገበረ ፈላማይ ርክብ ምኾነ።

ሰሜን ኮርያ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝተውሃበ መግለፂ ኣመልኪታ ክሳብ ሐዚ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ኣቐባሊት ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ሄተር ናርት፡ ምኽትል ፕረዚደንት ሃገረን ፔንስ "ኣብ ፕሮግራማት ባላስቲክ ሚሳይልን ኒኩሌርን ዝምልከት መልእኽቲ ናብ ሰሜን ኮርያ ንኸወስዱ" ነቶም ልኡኻት ክዛረብዎም ድልዉ ምንባሮም ገሊፃ።

"ኣብ መወዳእታ ግን ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያ ኣብ ምክያድ'ቲ ኣኼባ ክደፍኡሉ ኣይደለዩን። ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ብዘይምኽኣሎም ንሓዝን" ክትብል ተዛሪባ።

ናይ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኦሎምፒክ ምስታፍ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ኮርያ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምምሕያሽ ተስፋ ከምዝሓዘለ ይርኣይ።

ማይክ ፔንስ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምስ ልኡኻት ሰሜን ኮርያ ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ክረኽብዎም ዘይምፍታኖም ካብ ብዙሓት ነቐፌታ እናበፅሖም እዩ።

ኣብ መኽፈቲ'ቲ ኦሎምፒክ ኣብ ቅድሚ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኮፍ ኢሎም ዝኾነ ዓይነት ርክብ ክፈጥሩ ኣይደለዩን።

"ኣብ ከምኡ ዝበለ ኩነታት ንዓዓ ኣድህቦ ምግባር ንኣሜሪካ ፅቡቕ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም'ዮም።

ፔንስ : ሰሜን ኮርያ ትልምታት ህንፀት ኑክሌር ክተቋርፅ ክሳብ ዘይከኣለት ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበሩ እግዳታት ከምዝቕፅሉ ኣዘኻኺሮም።

ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ካብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ንዝቐረበሎም ዕድመ ንምቕባል ከምዝሓስቡኝብሉ ገሊፆም ኣለው።