ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተሰዊሩ

ትካል ስለያ ደቡብ ኮርያ ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓዲ ጥልያን ቅድሚ ወርሒ ካብ ስርሑ ከም ዝተሰወረ ኣመልኪቱ።

እዚ ላዕለዋይ ዲብሎማት ሰሜን ኮርያ ኣብ ሳልሰይቲ ምዕራባዊት ሃገር ዕቑባ ሓቲቱ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ይዝረብ።

ጆ ሶንግ-ጂል፡ ኣብ 2017 ሰሜን ኮርያ ኑኩለራዊ ፈተነ ገይራ ኢላ ዓዲ ጥልያን ነቲ ዝነበረ ኣምባሰደር ምስ ሰጎጎቶ ኣብ ክንድኡ ኮይኑ ዝዋሳእ ዝነበረ ኢዩ።

ጆል- ምስ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያ ዝተዛመደ ምኻኑ ይንገረሉ።

ናይ መወዳእታ ካብ ላዕለዎት ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ሃገሩ ራሕርሑ ዝኸደ ምክትል ኣምባሰደር ኣብ ሎንደን ዝነበረ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጥልያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ካብቲ ኣምባሳደር ዝኾነ ናይ ዕቑባ ሕቶ ከም ዘይተቐበለ ኣመልኪቱ።

ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ሰሜን ኮርያ ንሃገሮም ከይጠልሙ ተባሂሉ ስድራቤቶም ምስኦም ሒዞም ክንቀሳቐሱ ኣይፍቀደሎምን።

እንተኾነ ግን ጆል፡ ሰበይቱን ደቁን ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስኡ ከም ዝነበሩን ይእመን።

እዚ ከኣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰሜን ኮርያ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘሎዎን ወይውን ካብ ሓደ ርኹባት ስድራ ዝተወልደ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመት።