ፈረንሳ ንዕቃበ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ላሊበላ ሓገዝ ክትገብር'ያ

ምንጪ ስእሊ, Office of Prime Minister/Facebook
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያዊት ከተማ ላሊበላ ብምእታዉ ነቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ፍሉጥ ካብ ከውሒ ዝተወቕረ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ክዕዘብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሓደ መራሒ ሃገር ኣብታ ከተማ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበረሉ እዚ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ማክሮን ንመጀመርታ እዋን'ዩ ንኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ።
ፈረንሳ፡ ነቲ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ፍሉጥ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ኣብ ምዕቃብ ገንዘባዊ ደገፍ ክትገብር ምዃና ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኣውሮጳ ዑደቱ ብሃገረ ፈረንሳ ምፍላሙ ዝዝከር'ዩ።
እቲ ቅርሲ፡ ጸሓይ፡ ማይን ካልኦት ነገራት ብዘስዓቦ ጠንቂ፡ ኣብ ሓደጋ ምእታዉን፡ ነዚ ንምክልኻል ዝተተኽለ መከላኸሊ ንባዕሉ ነቲ ቤተ ክርስትያንን ኣመንትን ሓደጋ ኮይኑ ከም ዘሎ ነበርቲን ሰመዚን እቲ ከባቢ ይዛረቡ።
እዚ ብ12 ክፍለ ዘመን ድ/ክ ከም ዝተሰርሐ ዝንገረሉ ካብ ከውሒ ተወቒሩ ዝወጸ ቤተ ክርስትያን፡ ነታ ሃገርን እቲ ከባብን ኣገዳሲ መስሕብ ቱሪዝም ምዃኑ ይዝረብ።
እቲ ብዩነስኮ'ውን ተፈላጥነት ዝረኸበ ቅርሲ፡ ላሊበላ ዝተባህለ ንጉስ፡ "ሓዳስ ኢዮሩሳሌም" ንምህናጽ ኢሉ ዘስረሖ'ዩ ተባሂሉ ይእመን።
ላሊበላ፡ ኣስታት 645 ኪሜ ሰሜን ካብ ኣዲስ ኣበባ ርሒቓ እትርከብ ከተማ'ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







