ኣባላት ባይቶ፡ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንምውጋድ፡ ንመንግስቲ ንምምዋል ተሰማሚዖም

ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ሜክሲኮ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ድሕነት ዶብ፡ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንምውጋድ፡ ንመንግስቲ ንምምዋል ብመትከል ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ኣብ ዕጹው ማዕጾ ድሕሪ ዝተገብረ ኣኼባ ከም ዝተበጽሐ ኣባላት ባይቶ ሓቢሮም። ዝርዝር ሓበሬታ ናይ`ቲ ስምምዕ ግን ኣይተዋህበን።

ብዛዕባ ማእሰርቲ ዘይሕጋውያን ፍልሰተኛታትን ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝጠለቦ ንመስርሒ መንደቕ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ገንዘብን ንምዝታይ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይ ገለ ፍረ ተዛዚሙ ነይሩ`ዩ።

እቲ ፕሬዝደንት፡ ብሰኑይ ኣብ ዘስምዖ መደረ ግን ነቲ ብኣባላት ባይቶ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ይድግፎ ድዩ ኣይድግፎን ኣይገለጸን።

`ዝኾነ ይኹን፡ እቲ መንደቕ ክንሃንጾ ኢና` ኢሉ።

ኣብ ቴክሳስ ከተማ ኤል ፓሶ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ስምምዕ ከጽንዕ ጊዜ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ። እንተኾነ ግን `ዕስለ ጎነጻውያን ገበነኛታት ካብ ማኣሰርቲ ክፍትሑ ዘገድድ ውዕል ፈጺሙ ከም ዘይፍርም` ግን ጸቒጥሉ።

እቲ እሙም ሕጊ፡ ፈደራል ትካላት መንግስቲ ዘለወን ባጀት ቅድሚ ምጽንቃቑ ቅድሚ ዓርቢ ዘሎ እዋን ክጸድቕ ኣለዎ።

እቲ 35 መዓልታት ዝወሰደ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝነውሐ`ዩ ነይሩ።

ብዛዕባ`ቲ ስምምዕ እንታይ ዝፍለጥ ነገር ኣሎ?

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ተጋባእቲ ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣባላት ባይቶ ብሰኑይ ድሕሪ ዝተገብረ ሓያሎ ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ`ዩ ተበጺሑ።

ሰኔተር ሪፓብሊካን ሪቻርድ ሸልቢ ድሕሪ`ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኩሎም ዘይተሰማማዕናሎም ዝነበሩ ጉዳያት ተፈቲሖም ኣለዉ ኢሉ።

`ኣብ ኩሎም ጉዳያት ተሰማሚዕና ኣለና` ኢሉ። ኣባላት ቤት ጽሕፈት ድማ ነቲ ዝርዝራት ከጻፍፍዎ`ዮም ድማ ኢሉ።

ብመሰረት ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ኣቲ ስምምዕ ንመዕገቲ ሓጹር ዝኸውን 1.7 ቢሊዮን ዶላር የጠቕቃልል። እዚ ግን ካብቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ክጠልቦ ዝጸንሕር 5.7 ቢሊዮን ዶላር ኣዝዩ ዝወሓደ`ዩ።

ዲሞክራትስ ኣባላት ባይቶ፡ ቁጽሪ ናይ`ቶም ብኣባላት ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩኽን ዝእሰሩ ድሮ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ዘይሕጋውያን ፍልሰተኛታት ክድረት ክጠልቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

እቲ ቁጽሪ ካብ`ቲ ዘለዎ 49,059 ናብ 40,250 ክወርድ ድማ ስምምዕ ተገይሩ`ሎ።

ንምታይ ተኽእሎ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣሎ?

ብዕለት 25 ጥሪ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ዝነበረ ምዕጻው ኣምያተ ዕዮ መንግስቲ ደው ንምባል፡ ናይ ሰለስተ ሰሙን ባጀት ክስላዕ ተሰማሚዑ ነይሩ። እቲ ናይ ሽዑ ባጀት ግን ጽባሕ ዓርቢ ክውዳእ`ዩ።

ትራምፕ፡ ምህናጽ መንደቕ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሓደ ካብ ቀንዲ ዛዕባታት ጎስጓሱ ምርጫ 2016 ገይርዎ ነይሩ።

ትራምፕ፡ እቲ ሜክሲኮ ንገለ ወጻኢታት ናይ`ቲ ዝህነጽ መንደቕ ክትከፍል ከገድዳ`የ ዝብል ኣዘራርባኡ ሰገጥ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘስምዖ ዓመታዊ ሃገራዊ መደረ ግን `ውሕሉልን ስትራቴጂካውን ዝኾነ ኣሕሊፉ ዘርኢ ናይ ሓጺን ሓጹር` ግን ክህነጽ ኣለዎ ክብል ጸቒጥሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሃገራዊ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ብምእዋጅ ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ነቲ ምንዳቕ ክምውሎ ምዃኑ ፈኪሩ ነይሩ።

እዚ ውጥን`ዚ ግን ዋላ ብኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካንስ ኣይተደገፈን፡ ዲሞክራትስ`ውን ኣብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ክብድህዎ ምኸኣሉ ነይሮም።