ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ኤርትራዊ ሲራክ ተስፎም ብግዜ ካልኣይ ኮይኑ ይመርሕ

ምንጪ ስእሊ, XAVIER BOURGOIS
ሎሚ ንኻልኣይ ምዓልቱ ዝካየድ ዘሎ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሰ ባንጎ፡ 170 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ካብ ከተማ ፍራንስቪል ናብ ኦኮንዲጃ እዩ ተኻይዱ፡ ኤርትራዊ ሲራክ ተስፎም ከኣ ብግዜ ካለኣይ ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዝተዓወተ ናይ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጂ ቦኒፋዝዮ ኒኮላ ደጊሙ ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ዓቂቡ፡ ካልኣይ ኣንድሬ ግሪፕል ርዋንዳዊ ይዊዝኒማና ከኣ ሳልሳይ ወጺኡ።
ብግዜ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር ከኣ፡ ቦኒፋዝዮ ኒኮላ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ እንከሎ፡ ሲራክ ተስፎም ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ብትሽዓተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።
ኣብ ናይ ግዜ ሓፈሻዊ ውጽኢት ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሻውዓይ፡ ኢትዮጵያዊ ሬድዋን ኢብራሂም መበል ዓስርተ ክልተ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል ዓሰርተ ሰለስተ፡ መትከል እዮብ ዓሰርተ ኣርባዕተ፡ ኣሮን ደብረጽዮን መበል ዓሰርተ ትሽዓት፡ ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ዘሎ ናይ ነጥቢ ውድድር ከኣ፡ ኢትዮጵያዊ ፍስሃ ገብረማርያም ሓሙሻይ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ሻውዓይ፡ ኢትዮጵያዊ ሬድዋን ኢብራሂም ሻሙናይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል ዓሰርተ ሸውዓተ፡ ዳንኤል ተኽለሃማኖት መበል ዓሰርተ ትሽዓተ፡ ኣሮን ደብረጽዮን መበል መበል ዕስራን ሰለስተን ሲራክ ተስፎም መበል ዕስራን ሓሙሽተን ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም።
ትማሊ፡ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ፡ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ካብ ቦንጎ ቢል ናብ ሞንዳ ናይ 100 ኪሎ ሜተር ቀዳማይ ውድድር ፈሊሙ።
ኣብዚ ንመበል 14 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሃገራውያን ጋንታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ረዋንዳ፡ ጋቦን፡ ሞሮኮ፡ ሞርሽየስ፡ ኮት ዲቫር፡ ቡርኪናፋሶ ኣልጀርያን ካሜሮንን ክሳተፋ እንከለዋ፡ ብደረጃ ጋንታ ናይ ፈረንሳ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ቪታለ ኣርከያ ሳምሲክ ፡ ናይ ጣልያን ኣድሮኒ ግያካቶሊ ከምኡ ከኣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቓ ፕሮ ታቸ ይሳተፋ ኣለዋ።
ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሶሎሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣሮን ደብረጽየን፡ ቢኒያም ግርማይ፡ መትከል እዮብ፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ሲራክ ተስፎምን ብምሓዝ'ያ ትሳተፍ ዘላ።
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብመራሒ ጋንታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተመሪሓን በቲ ዕዉት ፈላሚ ውድድር ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኾነ ሲራክ ተስፎምን ተሓጊዛን ብጫ ማልያ ክትዓትር ትጽቢት ይግበረላ።
ኣብዚ ተማሊ ዝተኻየደ ውድድር ናይ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጀ ቦኒፋዝዮ ኒኦሎ ብ2፡43፡23 ውድድሩ ዛዚሙ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ናይ ጋንታ ቪታል ኮንሰፕት፡ ማንዚኒ ሎሬንዞ ካልኣይ፡ ናይ ጋንታ ኣረከያ ሳምሲክ ኣንደሬ ግሪፕል ሳልሳይ ብምዃን ውድሮም ዛዚሞም።

ምንጪ ስእሊ, XAVIER BOURGOIS
ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓምሻይ፡ ሲራክ ተስፎም ዓስራይ፡ ኢትዮጵያዊ ሬድዋን ኢብራሂም መበል ዓስርተ ሓደ፡ ኤርትራዊ ኣሮን ደብረጽዮን መበል 14፡ መትከል እዮበ 17፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 31 ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያዊ ተመስገን ብሩ መበል 36 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2019 ፡ 7 መድረኻት ዘጠቓለለ ኮይኑ ጥሪ 27 ካብ ከተማ ንኮክ ናብ ሊበርቪል ብዝካየድ ናይ 140 ኪሎ ሜተር ውድድር'ዩ ክዛዘም።
ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ምስ ኢሮፕካር ብምዃን ኣብ 2014 ነዚ ውድድር ተዓዊቱሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







