ኤርትራ፡ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ ዶካትር ኣመሪቓ

ምሩቓት ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebrmesekel/twitter

ኣብ 2004 ዝጀመረ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ብሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ዘምሃሮም ብመዓርግ ዶክትሬት ዲግሪ ኣምሪቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት መመረቕታ ቃል ዘስምዐት ሚኒስተር ጥዕና ኤርትራ ወይዘሮ ኣሚና ኑሩ ሑሴን፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና ጽቡቕ ገስጋስ ተመዝግብ ምህላዋ ብምሕባር፡ ተመረቕቲ ውሑስ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምውሓስ፡ ተርኦም ከበርክቱ ጸዊዓ።

ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስን ኦሮታ ኣብ 12 ጥሪ 2019 መበል ሻሙናይ እብረ ተምሃሮ ከተመርቕ እንከላ፡ ኣብቲ ዕለት 43 ብሓፈሻዊ ሕክምና ከምኡ ድማ 13 ሕክምና ስኒ፡ ብሓፈሻ 56 ተምሃሮ ትምህርቶም ዛዚሞም ብመዓርግ ዶክትሬት ዲግሪ ተመሪቖም።

ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ ኣብ 2004 ክጅመር እንከሎ፡ ናይ መጀመርታ ተምሃሩኡ ኣብ 2009'ዩ ኣመሪቑ።

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት 285 ብሓፈሻዊ ሕክምና፡ 35 ድማ ብሕክምና ስኒ ብማዕርግ ዶክትሬት ከም ዘመረቐ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብተወሳኺ፡ ብዙሕ እኳ ይተርፍ እንተሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሮሾ ዶካትር ምስ ብዝሒ ሕሙማት ብምንጽጻር ሓደ ዶክተር ንሳላሳን ሸውዓተን ሽሕ ሕሙማት ዝነበረ፡ ናብ ሓደ ዶክተር ንዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ሕሙማት ክወርድ ምኽኣሉ ሓቢሩ።

ምሩቓት ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebrmesekel/twitter

መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ሓደ ዓቢ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታልን ሽዱሽተ ዞባውያን መወከሲ ሆስፒታላትን ከም ዝሰርሐ ሰነዳት ይሕብሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ነጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ሳላሳን ሓሙሽተን ሓደሽቲ ምሩቓት ዶካትርን ሓሙሽት መኩራት ናይ ሕክምና ክኢላታትን ዝጠርነፈ ጉጅለ ኢትዮጰያውያን ዶካትር ናብ ኣስመራ ምእታዉ ዝዝከር'ዩ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ዶካትር ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ምስ ኤርትራውያን ዶካትር ብሓባር ክሰርሑን ተሞክሮ ክለዋወጡን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክላለዩን ዕድል ከም ዝረኽቡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ወይዘሮ ኣሚና ኑሩ ሑሴን፡ ንምቕባሎም ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ሓቢራ ነይራ።።