ኢማኑኤል ራማዛኒ ሻዳሪ፡ ፕሬዝደንት ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ክኸውን ብካቢላ ተሓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ መጻኢ ሰንበት ሃገራዊ መረጻ ክካየድ'ዩ፤ ፕሬዝደንት ጆሴፍ ካቢላ ድማ፡ ኢማኑኤል ራማዛኒ ሻዳሪ ክትክኦ ሓጽዩ'ሎ። እቲ ሕቶ፡ ሻዳሪ ሕጽኖቱ ናብ ዓወት ክቕይሮ ይከኣሎ ድዩ ዝብል'ዩ።
ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ውሽጢ ዓድን ዝነበረ ሻዳሪ፡ ኣብ 2017 ዝነበሩ ተቓውሞታት፡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብምዕፋን፡ "ካብ ድሕሪት ናብ ድሕሪት" ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዎ'ዩ።
በዚ ተግባሩ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ማዕቀብ ኣንቢርሉ።
ሻዳሪ ነቲ ፕሬዝደንት ብዘለዎ ተኣማንነት፡ ኣብ ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ፍሉይ ሓላፍነት ስራሕ ብምፍጣር፡ 'ቐዋሚ ዋና ጸሓፊ' ዝብል ኽፍሊ ስራሕ ብመልክዕ 'ሽልማት' ተበርኪትሉ'ዩ ይበሃል።
ብዙሓት ግን እዚ ሰብ ንዝለዓለ ሓላፍነት ምሕራዩ'ኳ እንተዘይተቐበሉዎ፡ ኣብ ጥቓ ካቢላ ዝርከቡ ናይ ቐረባ ሰባት እንከይተረፉ ሻዳሪ ንመሪሕነት ከም ዝወዳደር ወግዓዊ ክሳብ ዝገብር እቲ ጉዳይ ከም ዝተሓብኦም ዝወጽኡ ጸብጻባት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'እሙን ኣገልጋሊ'
ገለ ተንተንቲ ሻዳሪ እንተድኣተመሪጹ፡ ድሕሪ 17 ዓመታት ክወርድ ትጽቢት ተገይርሉ ዝጸንሐ መንበር መሪሕነት ፕሬዝደንት ካቢላ ክቕጽል ከም ዝገብር ይገልጹ።
"ሕዚ'ውን ነዊሕ ጉዕዞ ኣሎ" ብምባል ካቢላ ድሕሪ መረጻ'ውን ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ እታ ሃገር ክጸንሕ ከም ዝኽእል'ውን ይዛረቡ።
"ፕሬዝደንት እዛ ሃገር ክኸውን ሓሊሙ ይፈልጥ'ዩ ኣይብልን" ይብል ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኪሳንጋኒ ኣልፎንሴ ሚንዶ።
"ንዕኡ ዝኸውን ስብእና ዘለዎን ሰባት ኣብ ጥቕኡ ምእካብ ዝኽእልን ዓይነት ሰብ ኣይኮነን"።
ሻዳሪ፡ ኣብ 2018 ምምሕያሽ ምርጫ ክግበር ንዝተኻየደ ልዝብ ዕውት ብዝኾነ መገዲ መሪሑ ኣብ ፓርላማ ክሓልፍ ብምግባሩ፡ መሓዙቱ ካልእ "ኣግህዶ" ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
'ሚስተር ኣግህዶ'
- ኣብ ምብራቕ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ሕዳር 1960 ኣብ ካሶንጎ ተወሊዱ
- ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ፕሬዝደንት ካቢላ'ዩ
- ኣብ 2016 ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ኾይኑ
- ሰልፍታት ተቓውሞ ብምዕፋኑ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሙ ተባሂሉ ብሕብረት ኤውሮጳ ማዕቀብ ተነቢሩዎ'ዩ ዘሎ
- "ኣግህዶ" ዝብል ሳጓ ረኺቡ ኣለዎ

ሻዳሪ፡ ኣብ 2016'ዩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክልለ ዝጀመረ። ኣብዚ እዋን ካብ ዝተሸሙ ሰለስተ ምኽትላት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓደ እንትኾን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ደሕንነት ውሽጢ ዓዲ'ውን ነይሩ።
ወርሒ ጥሪ 2018 ድማ፡ ሻዳሪ ቀዋሚ ዋና ጸሓፊ ሰልፊ ህዝባዊ ዳግመ ህንጸትን ዲሞክራስን ኾይኑ።
እዚ ኣብ 2002 ብውህደት ኣብ ዝመስረቶ ሰልፊ እቲ ካልኣይ ወሳኒ ስልጣን ክረክብ ዝገበሮ እንትኾን፡ እቲ ሰልፊ ድማ ሓደ ካብቶም ፕሬዝደንት ንምኻን ወሳኒ ድምጺ ዘለዎም፡ ገዛኢ ልፍንቲ'ዩ።
ኣብዚ ሰልፊ ዝተፈጠረት ሓዳሽ ሓላፍነት ስራሕ [ቀዋሚ ዋና ጸሓፊ]፡ እቲ ሰልፊ ንመጻኢ ምርጫ ምድላው ክገብር ዝወሰዶ ምምሕያሽ ኾይኑ፡ ሻዳሪ ነቲ ፕሬዝደንት ብዝነበሮ ተኣማንነት ዝተበርከተሉ ሽልማት ተገይሩ ድማ ይቑጸር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ሓደ ሕጹይ ፕሬዝደንት ድማ፡ ሻዳሪ ነቲ ልፍንቲ ክውክል'ዩ።
"ሻዳሪ ፕሬዝደንት ጆሴፍ ካቢላ ንክትክእ ቅድሚ ምምራጹ ዝፍለጥ ኣይነበረን" ኢሉ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ቤልጅም ከተማ ኣንትረፕ ፍሊፕ ረይንቲጀንስ።
"ዝርዝር ንምርጫ ዝቐርቡ 10 ሰባት'ኳ እንተትሓትት፡ ሓደ ሻዳሪ ዘልዕሎ ኣይትረክብን"።
ኣብ ዲሞክራሲኣዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ድማ እቲ ዝሰናበት ፕሬዝደንት ብጎኒ ስልጣኑ ክጥቀም ዝገብሮ ዕድል ክህሉ ከም ዝኽእል'ውን ይሕብር።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምርጫ ክደናጎ ብምግባርን ኣብ 2017 ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ናዕቢታት ብምጉባጥን፡ ኣብ ልዕሊ ሻዳሪ ዝርከቡዎም 13 ነባራት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘንበሮ ማዕቀብ ጉዕዞን ፋይናንስን ኣሐዲሱዎ'ዩ።
ዓለምለኸ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ድማ፡ ፍሉጣት ሕጹያት ተቓወምቲ ክግለሉ ብምግባር ነገራት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ክኣትው ስለዝተገበረ፡ ሻዳሪ "ዘይፍትሓዊ ጥቕሚ" ክረክብ ይክእል'ዩ ይብል።
ልዑል ሚዛን ዘለዎም ተቓወምቲ ጂን ፒሬ ቤምባን ሞይስ ካቱምቢን ካብቲ ምርጫ ንጎኒ ምትራፎም፡ ሻዳኒ ዘለዎ ዕድል ከስፍሐሉ ይኽእል ተባሂሉ ይግመት።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ናይ ተቓወምቲ ውድድር ኣብ ክልተ፤ ማለት ኣብ ሞንጎ ፍሊክስ ትሺሰከዲን ማርቲን ፋዩሉን ምምቃሉ'ውን፡ ሻዳሪ ክሕገዝ ከም ዝኽእል ግምት ኣሎ።
እቲ ፈተና ግን፡ ሻዳኒ ሰንበት እንተድኣ ተመሪጹ፡ ካብ ጽላሎት ካቢላ ክወጽእ ድዩ ዝብል'ዩ ክኸውን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







