ሱዕዲ ዓረብ ጭብጥታት ንምጥፋእ ክኢላታት ናብ ቱርኪ ሰዲዳ

ጀማል ካሾጊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጀማል ካሾጊ ብጥቅምቲ 2 እዩ ተሰዊሩ

ሱዕዲ ዓረብ ድሕሪ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጂ ሓደ ክኢላ ስነ-ምረዛን [ቶክሲኮሎጂስት] ሓደ ናይ ስነ-ቐመም ክኢላን ናብ`ቲ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ናይ ቱርኪ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት`ታ ሃገር ከምዝለኣኸት ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ቱርኪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን ሱዕዲ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ከምዝተቐትለ`ኳ እንተኣመነት፡ ብዛዕባ`ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝሃብዎ ጸብጻብ ግን ዝተዋቐ`ዩ።

ቱርካውያን መርመርቲ ኻሾጂ ተዓፊኑ ከምዝተቐትለን ሬስኡ ድማ ከምዝተጎዘየን ይኣምኑ።

ክልተ ኣወዳት ደቁ ብሰንበት ምስ ቴለቪዥን ሲ ኤን ኤን ኣብ ዝገረበርዎ ቃለ መሕትት ሬሳ ኣቦኦም ክወሃቦም ስምዒትካ ዝትንክፍ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

`ንሕና ሬስኡ ተዋሂቡና ምስ ኩሉ ስድራቤት ኮይንና ኣብ ከተማ መዲና ዝርከብ መቓብር ኣል ባቒ ክንቀብሮ ጥራይ ኢና ንደሊ` ኢሉ ወዱ ሳላሕ ኻሾጂ ኣብ`ቲ ኣብ ዋሽንግተን ኮይኑ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት።

`ብዛዕባ`ዚ ምስ ሰብ-መዚ ሱዕዲ ተዘራሪበ ነይረ፡ እቲ ንደልዮ ኣብ ሓጺር እዋን ክኸውን ድማ ተስፋ እገብር` ድማ ኢሉ።

እቲ ንገዛእቲ ሱዕዲ ዓረብ ብምንዋፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ኻሾጂ ብዕለት ክልተ ጥቅምቲ`ዩ ናይ መርዓ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣተወ ተቐቲሉ።

እቶም ሓደስቲ ጠቐነታት እንታይ`ዮም?

እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ብሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጋዜጣ ሳባሕ ናይ ቱርኪ ሱዕዲ ዓረብ ንክኢላ ስነ-ቐመም ኣሕመድ ዓብዱልዓዚዝ ኣልጃኖቢን ክኢላ ስነ-ምረዛ ኻልድ ያሕያ ኣልዛሕራንን ዝርከብዎ ጉጅለ ኣብ`ቲ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ክህሉ ንዝኽእል መርትዖታት ንምጥፋእ ናብ ኢስታንቡል ልኢኻ`ላ ክትብት ዘውጽኣቶ ጸብጻብ የቃልሕ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሱዕዲ ዓረብ ካብ 12 ክሳብ 17 ጥቅምቲ መዓልታዊ ኣብ`ቲ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት በጺሑ ኢላ እታ ጋዜጣ።

እዚ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ምስ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ እትዝትየሉ መዓልቲ`ዩ ወጺኡ።

ፕረሲደንት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሱዕዲ ዓረብ ባንዳሪ ኣልዓይባን ንጉስ ሳልማን ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ቅትለት ክምርምሩን ነቶም ቀተልቲ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርቡን ከምዝኣዘዘ ነቶም ተጋባእቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ቱርኪ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ብጥብቂ ትከታተሎ ኣላ

ሱዕዳውያን እንታይ`ዮም ዝብሉ ዘለዉ?

ኻሾጂ ካብ ዝጠፍእ ኣትሒዙ፡ ሱዕዲ ዓረብ ተጋራጫዊ ወግዓዊ መግለጺታት`ያ ክትህብ ጸኒሓ። ኣብ ፈለማ ኻሾጂ ካብ`ቲ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ብሰላም ከምዝወጸ ድሕሪ ምሕባር፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ እዋን ቅልስ ከምዝሞተ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብ `ፋሉላዊ ስርሒት` ተቐቲሉ ኢላ።

ፕረሲደንት ጣይብ ኤርዶዋን እቲ ንኻሾጂ ናይ ምቕታል ትእዛዝ ካብ`ቲ `ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ` ከምዝኾነ ገሊጹ። ቱርኪ ምስ ስዑዲ ዓረብ ንዘለዋ `ምሕዝነታዊ` ዝምድና ድሕሪ ምግላጽ ድማ ንጉስ ሳልማን ኣብ`ቲ ጉዳይ ኢድ ኣለዎ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ።

ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሬሳ ኻሾጂ ገና ኣይተረኽበን ዘሎ።

ላዕለዋይ ሓጋዚ ፕረሲደንት ኤርዶዋን ያስኪን ኣክታይ ግን ሬሳ ኻሾጂ ኣብ ኣሲድ ተኣሊኹ ከምዝሓቅቕ ከምዝተገብረ ይኣምን።

ጀማል ካሾጊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀማል ካሾጊ

ክሳብ ሕጂ፡ 18 ጥርጡራት ብሱዕዲ ዓረብ ተኣሲሮም ኣለዉ፡ ቱርኪ ድማ እቶም ጥርጡራት ናብ ሃገራ ክለኣኹ ጠሊባ`ላ። ሱዕዲ ዓረብ ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ሃገራ ክቐርቡ`ያ ትደሊ።

ኻሾጂ መን`ዩ ነይሩ?

ጀማል ኻሾጂ ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ ንጉሳውያን ቤተሰብ ሱዕዲ ዓረብ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ዓሚ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ`ታ ሃገር ሃዲሙ ኣብ ስደት ክነብር ጀሚሩ። ጸኒሑ ድማ ሓያል ነቓፊ መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብን እቲ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ጽገናታት ዘተኣታቱ ዘሎ ወራስ ዓራት ልዑል መሓመድ ሳልማንን ኮይኑ።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ኻሾጂ ኣብ ኣሜሪካ ይነብርን ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ድማ ምዱብ ዓምደኛ ነይሩ።

ንቱርካዊት ሕጽይቱ ንምምርዓው ንበዓልቲ ቤቱ-ነበር ከምዝፈትሓ መረጋገጺ ሰነድ ንምርካብ`ዩ ብዕለት 28 መስከረም ንፈለማ እዋን ናብ`ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ሱዕዲ ከይዱ። እንተኾነ ግን ንዕለት 2 ጥቅምቲ ክምለስ ተነጊሩዎ። ኣብ`ታ ዕለት`ቲ`ኣ ንሱ ከም ቆጸርኡ ናብ`ቲ ቤትጽሕፈት ምስ ከደ፡ ሕጽይቱ ሃቲስ ቸንጊዝ ንዓሰረት ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ደገ ኮይና ድሕሪ ምጽባይ ደሃይ ምስ ኣጥፈአ ነቲ ጉዳይ ኣቃሊሓቶ።

ንሳ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ `ሓቀኛ ስጉምቲ` ክወስድ ሓቲታ`ላ።

ብዓርቢ ድማ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ናይ ዝኽሪ ምሸት ተገይሩሉ ነይሩ።