ኣብ ከተማ ሃረር፡ ማይ ካብ ዝቋረጽ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ከምዝኾነ ነበርቲ ተዛሪቦም

ከተማ ሃረር

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ማይ ካብ ዝጠፍእ ብውሑድ ክልተ ወርሒ፡ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ወይዘሮ ኢሌኒ ነባሪት ከተማ ሃረር ቀላድ ኣምባ እየን። ካብቲ ዝነብራሉ ቀበሌ 17 ማይ ጉድጓድ ክቐድሓ ከይደን ኢና ኣዘራሪብናየን።

ማይ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ወርሒ ከምዝሓለፎ ዝዛረባ ወይዘሮ ኢሌኒ፡ "ናይ ጉድጓድ ማይ ንምንርካብ ህዝቢ ናብ ገጠራት'ዩ ዝስደድ ዘሎ" ኢለን።

"ናይ ጉድጓድ ማይ ኢና እናፍላሕና ንሰቲ ዘለና። ጸገምና ዝሰምዓና ኣይረኸብናን" ይብላ።

ኣብ ቀበሌ 05 ዝነብሩን ኣቦ ኽልተ ቖልዑን ዝኾኑ ሽሞም ክጽራሕ ዘይደለዩ ካሊእ ነባሪ እታ ከተማ ድማ፡ ጸገም ማይ እታ ከተማ ይገድድ ምህላዩ'ዮም ዝገልጹ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ጸገም ሕጽረት ማይ ዝተፈላለየ መልክዕ'ዩ ዘለዎ ዝብሉ እዞም ኣቦ፡ እታ ከተማ ካብ ሰለስተ ኣንፈት ማይ ትረክብ ምንባራ ይሕብሩ።

እቲ ሓደ ካብ ሃሮማያ ዝመጽእ እንትኾን፡ 10 ሚሊዮን ተሓቲትና ብዝብል ዝቐርበሎም ዝነበረ ማይ ከምዝተቛረጸ ይዛረቡ።

ካብ ድሬዳዋ ዝመጽእ ድማ ብምኽንያት ጸገም ቐረብ መብራህቲ ከምዝተቛረጸ ገሊጾም።

ኣብ ኤረር ዝርከብ ናይ ጉድጓድ ማይ ድማ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ብዘልዓሉዎ ሕቶ ዋሕዲ ካሕሳ፡ ከምዝተቛረጸ የረድኡ።

ኣይተ ኣብዱልናስር ከድር ነባሪ ከባቢ መቃብር ጊዮርጊስ'ዮም። ማይ ካብ ዘይረኽቡ ትሸዓተ ወርሒ ከምዝኾኖም ይዛረቡ።

'ስቕ ኢልና ቖጻሪት ማይ ከይወስዱልና ናይ ክራይ 13 ብር ንኸፍል ኣለና። እንተዘይኸፊልና ድማ 30 ብር ይቐጽዑና። ሕዚ ግና ማይ ካብ እትጠፍኣና ትሸዓተ ወርሒ ኾይኑ ኣሎ" ኢሎም።

ወናኒ ሆቴል ነባሪ ከተማ ሃረር ኣቶ ዳኒኤል በርሀ፡ ብምኽንያት እዚ ዘሎ ሕጽረት ማይ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ፡ ካብ ናይ ውልቀ ሰብ ቦጢ ማይ ብ2000 ብር ከምዝገዝኡ ሓቢሮም።

"ቅድም ኢሉ ኣብ ሰሙን ሓደ ገዝ ማይ ይመጽእ ስለዝነበረ፡ ማይ ኣዋህሊልና ኢና ንጥቀም ነይርና። ሕዚ ዘለና ኣማራጺ ግና፡ ብኽቡር ዋጋ ማይ ገዚእኻ ምጥቃም ጥራሕ'ዩ" ኢሎም።

እቲ ዝተፈጠረ ጸገም ቐረብ ማይ፡ ብምኽንያት እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝርከብሉ ከባቢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዘልዓሉዎ ሕቶ ከምዝኾነ ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ማይን ፈሳስን ክልል ሃረሪ ኣይተ ተወልደ አብዶሽ ጠቒሱ፡ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ብፌስ ቡክ ገሊጹ'ዩ።