ኣባል ካቢነ ኣብይ ኣሕመድ ፡ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚአብሄር መን እየን?

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚአብሄር

ምንጪ ስእሊ, TPLf official/FB

ኣብ ሓድሽ ካቢነ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ፡ 50 ሚኢታዊት ማለት 10 ሚንስተራት ደቀ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ። ካብ መንጎአን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር ይርከበአን።

እቲ ባይቶ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፡ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ፡ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል- ሚኒስተር ሰላም ገይሩ እንትሾም፡ ወይዘሮ ፈተለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ገይሩ ሸይሙ።

'ሞንጀሪኖ' ብዝብል ናይ ቃልሲ ሳጎአን ብዝበለፀ ዝፍለጣ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግን ህወሓትን እንትኾና፡ ቅድሚ ናብዚ ሓላፍነት ምምፀአን፡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኢህረወዴግ ኮይነን ከገልግላ ፀኒሐን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚአብሄር፡ ኣብ ቃልስን ፖለቲካዊ ቅዋመንን ካብ ሞንጎ ዝፍለጣ ጥንኩራት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ሓንቲ እየን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ብትምህርተን ንፍዕትን ተሸላሚትን ከምዝነበራ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓደ ኣባል ስድረአን ሓቢሮም።

ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ፡ 9ይ ክፍሊ ይመሃራ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ኣቋሪጸን ኣብ 1972 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣምሪሐን።

ድሕሪ ምዝዛም ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ብዝለዓለ ዉጽኢት ቀዳማይ ዲግሪ ረኺበን፡ ብዉልቀን ኣብ ሎንደን ናፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺበን፡ ብክፍለ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ረኺበን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ዝመሰለን ምዝራብ ዝፈትዋን ብዘለወን ፖለቲካዊ ብስለት፡ ብጾተን ዝንእዱወን እንትኾና፡ ብፍላይ ኣይተ መለስ ዜናዊ ብህወይት እንዳሃለዉ ብትሪ ካብ ዝሞጎታ ሓንቲ እየን።

በዚ ምኽንያት፡ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዉድብ ተቐራሒነን ምፅነሐን ይዝረብ።

መንጀሪኖ

ምንጪ ስእሊ, dawit Kebede

ሞንጀሪኖ ኣብ ቃልሲ ዝተዉሃበን ሽመን ኮይኑ፡ ተጋዳላይ ሰለሞን (ሓየት፡ ሓወን)፣ ከምኡ'ዉን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋተን (ኣልማዝን ርግበን) ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተሰዊኦም'ዮም።

ሞንጀሪኖ ኣብ 1999 አባል ማእከላይ ኮሚቴ፣ ኣብ 2007 ዓ/ም ድማ አባል ፖሊት ቢሮ ኾይነን ተመሪጸን።

ቅድም ክብል፡ ዳይሬክተር ማእኸል ኢንተሊጀንስ ፋይናንስ ፌደራል፡ ቐጺሉ ድማ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ህወሓት ኮይነን ነይረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ሓላፊት ሴክተር ከተማ ሴክሬታርያት ኢህወዴግ ኮይነን የገልግላ ኣለዋ።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ኣደ መንበር ህወሓት ኮይነን ኣብ ዝሃለፈ ዓመት እንትምረፃ፡ ኣብ መበል 13 ጉባኤ ድማ ምክትል ኮይነን ቀፂለን።