መረጻ ብራዚል፡ ጃይር ቦልሶናሮ ፈላማይ ዙርያ ተዓዊቱ

ጃይር ቦልሶናሮ (ጸጋም) ፈርናንዶ ሃዳድ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ብራዚል ብሰንበት ኣብ ዝተገብረ መረጻ እቲ ንሰልፊ የማናይ ክንፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ጃይር ቦልሶናሮ ኣብ ቀዳማዝ ዙርያ ተዓዊቱ።

እቲ ብቐጥታ ከዕውቶ ዝኽእል 50 ሚእታዊት ድምጺ ብዘይምርካቡ ድማ ኣብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ዝግበር ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ኣንጻር ተወዳዳሪ ጸጋማይ ክንፊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ፌርናንዶ ሃዳድ ክወዳደር`ዩ።

ዳርጋ ኩሉ ድምጺ ተቖጺሩ ኣብ ዘለወለዉ እዋን ድማ ሚስተር ቦልሶናሮ 46 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ ሚስተር ሃዳድ ድማ 29 ሚእታዊት ረኺቡ`ሎ።

ቅድሚ`ቲ መረፃ ዝተገብሩ መምዘኒ ርእይቶታት ኣድመጽቲ፡ ኣብ`ቲ ዝግበር ናይ ካልእይ ዙርያ መረጻ፡ እዞም ክልተ ተወዳደርቲ ማዕረ ብዝሒ ድምጺ ክረኽቡ ምዃኖም ሓቢሮም።

ሚስተር ቦልሶናሮ እንታይ ይብል?

ኣብ ብራዚል ኣብ ጥቕሚ ውዒሎ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ መስርሕ መረጻ `ጸገማት` እንተዘይህልዎ ነይሩ ኣብ`ቲ ቀዳማይ ዙርያ መረጻ ክዕወት ከምዝኽእል ነይረ ርግጸና`የ ኢሉ ሚስተር ቦልሶናሮ።

`ርግጸኛ`የ፡ እዚ እንተዘይከውን ነይሩ፡ ሎሚ ምሸት ተዓዋቲ ናይ`ቲ መረጻምተፈልጠ ነይሩ` ኢሉ ንሱ።

እቶም `ጸገማት` እንታይ ምዃኖ ግን ብንጹር ኣይገለጸን።

ሰበ-ስልጣን ምርጫ ብራዚል ግን እቲ መስርሕ መረጻ ብዘይዓበይቲ ጸገማት ብሰላም ከምዝተኻየደ ገሊጾም።

ትንተና ብልእኽቲ ቢቢሲ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ

ጃይር ቦልሶናሮ ነቲ ኣብ`ቲ ቀዳማይ ዙርያ ናይ`ቲ መረጻ ክዕወት ተጸብዩ ነይሩ። ብሰንበት ኣብ ዘድመጸሉ እዋን ድማ `ኣብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኩልና ናብ`ቲ ገምገም ባሕሪ ክንከይድ ኢና` ኢሉ።

ደገፍቱ ድማ ኣብ`ቲ ቀዳማይ ዙር ብቐጥታ ክዕወት`ዩ ክብሉ ጸኒሖም።

ብራዚል ብሰንኪ`ዚ ምርጫ`ዚ ኣዝያ ተገማሚዓን ኣብ ሰንኮፍ ወዲቓን ትርከብ። እዚ ሓቂ`ዚ ድማ ምስ ኣድመጽቲ ኣብ እትዛረበሉ እዋን ብቐሊሉ ትርድኦ።

ብዙሓት ኣድመጽቲ ንሓደ `ካብቶም ዝኸፍኡ ዝሓሸ ክፉእ` ዝበሃል ተወዳዳሪ ከምዝመርጹ ነጊሮምኒ።

ኣብ ሓደ ሸነኽ እቲ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ድግማይ ንኽምረጽ ከፍቅዱ ዘይደልዩ ክህልዉ እንከለዉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ርሑቕ የማናይ ክንፊ ነቲ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ውልዶ ዲሞክራሲ ክመርሖ ዘይደልዩ ድማ ኣለዉ።

ኣብ መልእ ብራዚል ድማ ጭንቀት ሰፊኑ ይርከብ፡ እቶም ክልተ ተወዳደርቲ መሊሶም ጎስጓሶም ኣብ ዘጋድድሉ ድማ እቲ ጭንቀት ንዝቕጽሉ ክልተ ሳምንታት ክቕጽል`ዩ።

ኣብ ተዓዋቲ ናይ`ዚ መረጻ`ዚ ተመርኲሱ ድማ መጻኢ ብራዚል ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን`ዩ።

እቲ ኣማኒ ሃይማኖት ክርስትና ካቶሊክ ዝኾነ ቦልሶናሮ ነቲ ባህላዊ ስድራ-ቤታዊ ክብርታት ክዕቅቦ`የ ብምባሉ ድጋፍ ናይ ብዙሓት ወንጌላውያን ክርስትያን ረኺቡ`ዩ።

ኣብ ሕግን ስርዓትን ብዘለዎ ኣቕዋም ድማ፡ ንብራዚል ውሕስቲ ክገብራዩ ኢሎም ናይ ዝኣምኑ ብዙሓት ብራዚላውያን ደገፍ ድማ ረኺቡ`ዩ።

ደገፍቲ ጃይር ቦልሶናሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ድሮ ምድማጽ ናይ ሰንበት ድማ፡ እቲ ንሱ ዝምስርቶ መንግስቲ ንበደልቲ ዝግብኦም ከቢድ መቕጻዕቲ ክህቦም ምዃኑ ተዛሪቡ።

ንሕጊ ምውናን ብረት ከፍኩሶ ምዃኑን መግረፍቲ ጥርጡራት ድማ ሕጋዊ መስርሕ ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ። ነቲ ኣብ ብራዚል ዝተኸልከል ናይ ሞት ፍርዲ ክመልሶ ምዃኑ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ብራዚላውያን ክኽተልወን ዝኽእሉ ክልተ ኣማራጺ መንገድታት ኣለዋ ኢሉ። ንሰን ድማ `መንገዲ ምዕባለ፣ ናጽነት፣ ስድራቤትነትን ኣምላኽን፡ ወይ ከኣ ከም ቬንዙዌላ [ብፖለቲካን ብቑጠባን ምሕማምስ] ምዃን` ኢሉ።

`ሓደ ተወሳኺ ስጉምቲ ንጸም ሸነኽ ክንዘዙ ኣየዋጽኣናን`ዩ` ክብል ድማ ንኣድመጽቲ ኣጠንቂቑ። `ምስ ማሕበርነትን ዴስነትን ክንተዓራረኽ ኣይንኽእልን ኢና` ድማ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊኡ ብዙሕ ወቐሳታት ክወርዶ ከምዝጸንሐ ምብእማን ድማ `ንህዝቢ ብራዚል ሓደ ክገብሮ`የ` ኢሉ።

ሚስተር ሃዳድ`ከ እንታይ ይብል?

ሚስተር ሃዳድ ንነብሱ ከ እሙን ተወዳዳሪ ገይሩ`ዩ ዝገልጽ። ንኻልኣይ ዙር ምሕላፉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንሱን ሰልፊ ሰራሕተኛታትን `ክትዕ ደኣ`ምበር ብረት ኣይንጥቀምን ኢና` ኢሉ።

ንመሪሕነት ሚስተር ቦልሶናሮ ኣብ ብዝሒ ድማጺ ኣመልኪቱ ድማ፡ `በቲ ውጽኢት ዝተበዳህኩ ኮይኑ ይስማዓኒ፡ ዲሞክራሲ ናይ ብራዚል ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ክንግንዘብ ድማ ይገብረና` ኢሉ።

`ነዚ ጉዳይ`ዚ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክንሕዞ ይግበኣና። ኣብ`ዛ ሃገር ዘለዉ ዴሞክራስያውያን ሓደ ክንገብሮም፣ ኣድልዎ ክንቅንስ ፍትሒ ከነንግስን ይግበኣና` ብምባል ድማ ንደገፍቱ ሓቢሩ።

ንሱን ውድቡን ናብ ካልኣይ ዙር ምርጫ ብምሕላፎም ድማ `ወርቃዊ ዕድል` ተዋሂብዎም ከምዘሎ ሓቢሩ።