ቤት ማእሰርቲ ብራዚል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እሱራት ወዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኔሮ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እሱራት እንትወድቕ፤ ሰራሕተኛታቱ ተዓጊቶም።
ዕጡቓት ወተሃደራት እታ ሃገር ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኸበቡ እንትኾኑ፤ እቶም እሱራት ኣባላት ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ዝርከብ ሓደገኛ ጉጅለ ዝተወደቡ ለያቡ ('ማፊያ') እዮም።
ነቲ ዓመፅ ካብ ዘለዓዓሉ እሱራት ሰለስተ ብጥይት ተወቒዖም።
ዓመፅ ዝተወለዐ ፕረዚደን ብራዚል ሚኬል ቴምር፤ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ብራዚል ክትኸውን ውሳነ ምስሃቡ'ዩ።
ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ፤ "እሱራት ናብ ዓመፅ ዝኣተዉ ንውሳነ ፕረዚደንት ሚኬል ብምቅዋም ከይኮነ ኣይተርፍን" ኢሎም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







