ቤት ማእሰርቲ ብራዚል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እሱራት ወዲቑ

ወተሃደራት ብራዚል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኔሮ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እሱራት እንትወድቕ፤ ሰራሕተኛታቱ ተዓጊቶም።

ዕጡቓት ወተሃደራት እታ ሃገር ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኸበቡ እንትኾኑ፤ እቶም እሱራት ኣባላት ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ዝርከብ ሓደገኛ ጉጅለ ዝተወደቡ ለያቡ ('ማፊያ') እዮም።

ነቲ ዓመፅ ካብ ዘለዓዓሉ እሱራት ሰለስተ ብጥይት ተወቒዖም።

ዓመፅ ዝተወለዐ ፕረዚደን ብራዚል ሚኬል ቴምር፤ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ብራዚል ክትኸውን ውሳነ ምስሃቡ'ዩ።

ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ፤ "እሱራት ናብ ዓመፅ ዝኣተዉ ንውሳነ ፕረዚደንት ሚኬል ብምቅዋም ከይኮነ ኣይተርፍን" ኢሎም።