ብራዚል ነባር ዲፕሎማት ቬንዙዌላ ሰጒጓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብራዚል፡ ኣብ ሃገራ ዝነበሩ ነባር ዲፕሎማት ቬንዙዌላ ጄራርዶ ዴልጋዶ ከምዝሰጎገት ኣፍሊጣ።
እዚ፡ ቬንዙዌላ ኣብ ካራካስ ዝነበሩ ኣምባሳደር ብራዚል ሩይ ፔሪራ ብምብራራ ዝተወሰደ ዓጸፋዊ ምላሽ ብራዚል'ዩ።
ቬንዙዌላ ምኽንያት ዉሳንኣ እንትትገልጽ፡ ፕረዝደንት ጸጋማይ ክንፊ ዝነበራ ዲልማ ሮሱፍ ብራዚል ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምኽሳሳ'ዩ ትብል።
ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ቬንዙዌላ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገረይ ኣትዩ ብዝብል ኣምባሳደር ካናዳ ኣባሪራ'ያ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ፡ ኣምባሳደር ቬንዙዌላ ኣብ ካናዳ ዊልመር ባሬንቶስ ፈርናንዴዝ ኣብ ወጻኢ ከምዘለዉ ብምግላጽ ናብ ሃገራ ክምለሱ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጠን እየን።
ዓመጽ የማናይ ክንፊ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሚካኤል ተመር ናብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ናብዚ፡ ቬንዙዌላ ምስ ብራዚል ዝነበራ ርክብ ነክዩ'ዩ።
እዚ ፕረዚደንት ዝነበራን ብገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሳን ዲልማ ሮሱፍ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኺሲሰን ብዝብል እንትኸውን፡ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ "ዓመጽ የማናይ ክንፊ" ብምባል ይገልጹዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓላፊ ጉባኤ ቬንዙዌላ ዴልሲ ሮድሪገዝ፡ "ምስ ብራዚል ዘለና ዲፕሎማሲያዊ ርክብ መንግስቲ፡ ሕገ መንግስታዊ ትእዛዝ ናብ ዝነበሮ ክሳብ ዝምልሶ ኣይምለስን" ኢሎም።
እዚ ስጉምቲ ኢሉ መንግስቲ ብራዚል፡ "መላኽነት ምምሕዳር ፕረዚደንት ማዱሮ ዘርኢ'ዩ"።
ብራዚልን ካናዳን፡ ማዱሮ ዝመርሖ ሶሻሊስት መንግስቲ መሰላት ተቓወምትን ሰብኣዊ መሰላትን ይግህስ'ዩ ብምባል ክወቕሳ ጸኒሐን'የን።
ካናዳ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ ቬንዙዌላ ማዕቐብ ኣንቢራ'ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







