ኮርያዉያን፡ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝተቐበሩ ነተጉቲ ምጽራግ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ክልቲኤን ኮርያ ዝተወጻጽኡ ወተሃደራት፡ ኣብ ወሰና ወሰን ዶባተን ዝተቐበሩ 800 ሽሕ ነተጉቲ ምጽራግ ጀሚሮም።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ፓንሙንጆም ዝተብሃለ ገጠር፡ ዝተቐበሩ ነተጉቲ ትጸርግ ከምዘላ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።
ኣብ እዋን ኵናት ኮርያ ብዙሓት ወተሃደራት ዝሞቱሉ ነቷጊ ድማ ካብቲ ዝርከበሎም ከባቢታት ክለግስ'ዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መራሕቲ ሃገራት ሰሜንን ደቡብን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ እዚ ስጉምቲ ክዉሰድ ተሰማሚዖም'ዮም።
እቲ ምጽራግ ዝተቐበሩ ነተጉቲ ድማ፡ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልታት ክዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ፡ ሚኒስቴር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።
እዚ እንትዛዘም፡ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ካብቲ ዶባት ከምዝለግሱን፡ ዉጥጥ ክልቲኤን ሃገራት ንምክልኻል ዝተመደቡ ዘይተዓጠቑ ወተሃደራት'ዉን ካብቲ ዶብ ከምዝወጽኡን እቲ ሚኒስቴር፡ ሎሚ ኣብ ዘዉጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







